Books
Books
الشهادتين
ናብ ኢስላም ምእታው እንተዳኣ ደሊኻ፡ ዝስዕብ ናይ እምነት ቃል ብዝስማዕ ድምጺ ክትብላን፡ ትርጉማ ክትርዳእን ብኣኣ ክትኣምንን ይግባእ። ኣሽሃዱ ኣላኢላሃ ኢለሏህ(ትርጉማ ካኣ : ኣምልኾት ዝግበኦ ብዘይካ ኣሏህ ካልእ የለን ማለት እዩ) ነብዪ ሙሓመድ ልኡኽ ናይ ኣሏህ ምዃኖም ይምስክር, ከምኡ ውን ነብዪ ዒሳ ወዳ ን መርየም ባርያ ኣሏህን ልኡኹን ምዃኑ ይምስክር።
ንሙስሊም ጠቅሚ ዘለዎ ሓጺር መምርሒ
እዚ መጽሓፍ እዚ ሕጽር ኢሉ ንኹሉ ዘጠቓልል ኮይኑ ብዛዕባ መሰረታት ናይ ሃይማኖት እስልምና ዝገልጽ ኮይኑ ነቲ ዘንብብ መሰረታት ቅኑዕ ዝኾነ ኣገባብ ዒባዳን(ኣምልኾት) ትርጉም እምነት ብኣላህን መላእኽትን መጻሕፍትን ልኡኻትን ምጽኣት ዓለምን ጽሕፍቶን ዝገልጽ ኢዩ። እዚ መጽሓፍ ድማ ብዛዕባ ዓቢ ጸጋ ዝኾነ እስልምናን ኣገዳስነት ንኣላህን እቲ ጽቡቕ ኣስማቱን መግለጺታቱን ምፍላጥ ጀሚሩ፡ ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ሓሙሽተ ዓንድታት ናይ እስልምናን፡ ዓንድታት ናይ እምነትን፡ ከምኡ'ዉን ብዛዕባ ርዲኢት ናይ ኢሕሳን ዉጺኢታቱን ንሓደ ኣማኒ ዝገልጽ ክኸዉን ኢዩ። ነዚ መጽሓፍ ካብ'ቲ ፍልይ ዘብሎ ነገራት ድማ ኣብ ማስረጂ ዝተሞርኮሰን ካብ ክልተ መልእኽታዊ ሕጊታት ዝመንጨወ ንሱ ድማ ኪታብን(ቑርኣን) ሱናን(መገድን መምርሕን ናይ ነቢ) ኮይኑ ንዝኾነ ኣስላማይ ብዛዕባ ናይ መሰረታት ሃይማኖቱ ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ክምሃር ዝኽእለሉ መጽሓፍ ድማ ኢዩ።
ብሱና (መንገዲ) ረሱል (ሰላትን ሰላምን ይብጸሓዮም) ምሰራሕ ግድነት ኮይኑ ንዕኡ ዘይቕበል ድማ ካብ እስልምና ምውጽኡን ይምልከት፤
ኣዳላዊ: ሼኽ ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ዓብዲላህ ቢን ባዝ (ኣላህ ይርሓመሎም) ብስም ኣዝዩ ሩህሩህን ኣዝዩ ራህራህን ዝኾነ ኣላህ ድርሰተይ [ጽሑፈይ] እጅምር መእተዊ ምስጋና ንናይ ዓለማት ጎይታ ዝኾነ ኣላህ ዝተገበአ እዩ፡ ሰናይ ዝኾነ መወዳእታ ከኣ ነቶም ኣላህ ዝፈርሑ እዩ፡ ናይ ኣላህ ውዳሰን ሰላምን ድማ ኣብ ልዕሊ ባርያ ኣላህን፡ ልኡኹን ዝኾኑ፡ ንዓለማት ምሕረት ዝተላኣኹ ነቢይና ሙሓመድ ይውረድ። ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ንመጽሓፍ ፈጣሪኦምን መንገዲ ነቢዮምን ብእምነትን ብጥንቃቐን ተቀቢሎም፡ ቃላቱን መልእኽቱን ከምዘለዎ ናብ ቀጻሊ ትውልዲ ዘመሓላለፉ ኣዝማዶምን ሳዓብቶምን ብጾቶምን ይውረድ። ኣላህ ሰናይ ስርሖም ይፍተወሎም ንዕኦም ውን ይፍተዎም፡ ከምኡ ውን ንዓና ብሰናይ ምግባር ካብ ዝስዕቡዎምን፡ ንኹሉ ህዝቢ መርትዖን ይግበረና፡ ካብኡ ብምቅጻል ብርግጽ ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ዑለማእ (ሙሁራት) እስልምና፡ ሕጋጋት(ፍርድታት) እስልምና ኣብ ምቕማጥን፡ ሓላልን ሓራምን ኣብ ምብራህ መሰረታዊ ዝኾነ፡ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ሓሶት ዘይመፆ ቁርኣን…
ኣገባብ ውዱእ (ተግባራዉን ሓጺርን መግለጺ)
ናይ ውዱእ ኣገባብ (ዝተቓለለ ቪድዮ) ውዱእ ብኸመይ ከምዝግበር ቀስ ብቀስ ዘርኢ ተግባራዊ ኣፈጻጽማ፣ንትኽክለኛ ሰላት ውዱእ ቅድመ-ኩነት ስለዝኾነ ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ መቕረጽ ተዓዚብካ፡ ትኽክለኛ ኣገባብ ውዱእ ተመሃር። ኣገባብ ውዱእ
ሰለስተ መሰረታትን መርትዖታቱን
እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ሓደ ሙስሊም ክመሃሮም ዝግባእ መሰረታዊ መትከላት ዝኾኑ ንኣላህ ምፍላጥ፡ ንሃይማኖት እስልምና ምፍላጥ፡ ከምኡ'ዉን ንነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምፍላጥ ይገልጽ፡ ኣብ ናይ ቑርኣንን ሓዲስን መርትዖታት ተመርኲሱ ድማ ናይ'ዞም መትከላት እዚኦም ኣብ ምህናጽ እምነትን ሰናይ ግብርን ዘለዎም ኣገዳስነት የተኰር።
ንሕጉስ ህይወት ጠቅሚ ዘለዎም መገድታት
እዚ ናይ ሸኽ ዓብዱራሕማን ብን ናስር ኣ'ሳዕዲ ዝኾነ "ጠቅሚ ዘለዎ መንገድታት ን ሕጉስ ህይወት" ዝብል መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ምኽንያታት ሓቀኛ ሓጎስ ካብ ዕሙቕ ዝበለ እምነታዊ ኣረኣእያ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ብመንገዲ እምነትን ጽቡቕ ግብርን፡ ዚክሪ ኣላህን፡ ዕግበትን፡ ኣብ ንዕማታት(ጸጋታት) ምስትንታንን፡ ኢሕሳንን(ሰናይ ምግባር)፡ ተወኩልን(ኣብ ኣላህ ምምርኳስ)፡ ሰብሪን(ትዕግስቲ)፡ ከምኡ'ውን ንነገራት ብግቡእ ብምግምጋምን ኣቢሉ ነቲ ዘንብብ ናብ ቅሳነት ልቢ ይመርሖ። ብጽቡቕ ኣገባብ ድማ፡ ተለዋዋጥነት ህይወት እናሃለወ ክነሱ፡ ንሓንቲ ቅስንቲ፡ ሚዛናዊትን ሕጉስቲን ህይወት ዝኸውን ካርታ ኣብ ኢድካ የንብር።
الإسلام دين رسل الله
رسالة لطبفة توضح أن الإسلام هو الاستسلام لله خالق الكون والانقياد له محبة وتعظيماً، وهو دين جميع الأنبياء، يقوم على الإيمان بالله، ورسله، وملائكته، وكتبه، واليوم الآخر، والقدر خيره وشره. ويدعو إلى عبادة الله وحده، ويرى أن عيسى عبد الله ورسوله وليس ابن الله.
ሙስሊም ክስሕቶ ዘይግባእ ነገር
ዕላማ እዚ መጽሓፍ፡ ሓደ ሙስሊም ብዛዕባ እምነትን፡ኣምልኾትን ንግዳዊ ዕድጊን ክፈልጦም ዝግባእ ኣገደስቲ ነገራት ብንጹርን ሕጽር ብዝበለን ኣገባብ ምግላጽን መብርሂ ምሃብን ኮይኑ፡ ኣብ ምቅናዕ እምነቱን ተገዛእነቱን ተግባራዊ ስንቂ ንክኸዉን ኢዩ።