Skip to content
الإسلام دين رب العالمين

الإسلام دين رب العالمين

ብስም ኣላህ እቲ ፍጹም ሩህሩህን ኣዝዩ ራህራህን ዝኾነ ጽሑፈይ እጅምር እስልምና ናይ ኣላህ ጎይታ ዓለማት ዝኾነ ሃይማኖት ኢዩ። መን'ዩ ጎይታኻ? እዚ እቲ ዝዓበየ ሕቶ ኣብ'ዛ ዓለም ዝሕተት ኮይኑ፡ከምኡ'ዉን ወዲ ሰብ ተሓቲቱ መልሱ ክፈልጦ ዝግበኦን ኣገዳሲ ሕቶ ኢዩ። ጎይታና ዝበሃል፡እቲ ሰማይን መሬትን ዝፈጠረ፡ ከምኡ 'ውን ካብ ሰማይ ማይ ኣዉሪዱ በቲ ማይ ጌሩ ድማ ካብ መሬት ፍረታትን ኣግራብን ንደቂ ሰባትን ነተን ንሕና እንምገበን ጥሪትን ቀለብ ዝገበረልና ፈጣሪና ኢዩ። ንሱ እዩ ድማ ንዓናን ነቦታትናን ንኹሉ ነገርን ዝፈጠረ፡ ከምኡ 'ዉን ለይቲን መዓልቲን ዝፈጠረ ንሱ እዩ፡ ለይቲ ግዜ ድቃስን ዕረፍቲን፡ ቀትሪ ኸኣ ቀለብና እነናድየሉ ናይ ስራሕ ወቕቲ ጌሩልና። ኑሱ ኢዩ ድማ ጻሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ባሕርን ብቀሊሉ ከምንጥቀመሉ ጌሩልና፡ነተን ስጋአን እንበልዐን እንስሳታት ጻበአንን ቆርበተንን ጸጉረንን (ሱፈንን) ንጥቀመሉ ዝገበረና። እቲ መግለጺታት ናይ'ቲ ጎይታ ኩለን ዓለማት ዝኾነ እንታይ ኢዩ?

Language: lang_ti
Prepared by:
Version: 1.1
PDF, Arabic original 344 KB

This PDF is generated automatically from the book's text; its layout may differ from the printed edition.

0%
Font size