ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ዓቂዳ እስልምና
እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ነቶም ብኣላህን፡ መላእኽቱን፡ መጻሕፍቱን፡ ልኡኻቱን፡ ናይ መወዳእታ መዓልትን፡ ጽሕፍቶን ምእማን ዘጠቓልሉ መሰረታት እምነት ይገልጽ፣ ከምኡ'ውን ሓደ ሙስሊም ክኣምነሎምን በቲ መሰረት ክሰርሓሎምን ዝግባእ መሰረታዊ መትከላት የቕርብ፣ እዚ ኸኣ ንናይ እስልምና ዓቂዳ ብዕምቆት ብምርዳእ ምስ ኣላህ ዘሎ ዝምድና ናይ ምድልዳል ኣገዳስነት የጕልሕ።
These files are generated automatically from the book's text; their layout may differ from the printed edition.
ሓጺር መግለጺ ብዛዕባ ዓቂዳ እስልምና
ብ ሸኽ ኣልዓ'ላማ
ሙሓመድ ቢን ሳሊሕ ኣልዑሰይሚን
ኣላህ ንዕኡን ንወለዱን ንሙስሊሚንን ይምሓረሎም።
ብስም ኣላህ እቲ ፍጹም ርህሩህ እቲ ኣዝዩ ራህራሂ ዝኾነ
መእተዊ
"ኢንነል ሓምደ ሊላሂ ነሓመዱሁ፣ ወነስተዒኑሁ፣ ወነስተቕፊሩሁ፣ ወነቱቡ ኢለይሂ፣" ወነዑዙ ቢላሂ ሚን ሹሩሪ ኣንፉሲና፣ ወሚን ሰይኣቲ ኣዕማሊና፣ ኣላህ ዝመርሖ ሰብ ዘስሕቶ የለን፡ ንዘስሓቶ ሰብ ድማ ዝመርሖ የለን። ወኣሽሃዱ ኣላኢላሃ ኢለ'ላህ ዋሕደሁ ላሸሪከ ላህ፣ ከምኡ'ውን ሙሓመድ ባርያኡን ልኡኹን ምዃኖም እምስክር፡ ኣላህ ምውዳሱን ብዙሕ ሰላምን ኣብ ልዕሊኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶምን፡ ብጾቶምን፡ንዓኣቶም ብልክዕ ንዝሰዓብዎምን የውርድ።
ድሕሪ'ዚ፥ (ፍልጠት ተውሒድ) ካብ ፍልጠታት እቲ ዝኸበረን፡ ብደረጃኡ ዝዓበየን፡ ምድላዩ ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ግዴታ ዝኾነን እዩ። ምኽንያቱ፡ ንሱ ብዛዕባ ልዑል ኣላህን፡ ኣስማቱን፡ ባህርያቱን፡ ኣብ ልዕሊ ባሮቱ ዘለዎ መሰላትን ዝገልጽ ፍልጠት ስለ ዝኾነ፡ ከምኡ'ውን ናብ ልዑል ኣላህ ዘብጽሕ መገዲ መፍትሕን መሰረት ሕግታቱን ስለ ዝኾነ እዩ።
ስለ'ዚ ድማ፡ ኩሎም ልኡኻት ናብኡ ኣብ ምጽዋዕ ሓደ ቃል እዮም ነይሮም፣ ልዑል ኣላሁ ይብል፥ {ብቅድሜኻ ዝለኣኽናዮ ዝኾነ ይኹን ልኡኽ 'ካባይ ወጻኢ ካልእ ኣምላኽ የሎን ነዓይ ተገዙኡኒ' ብምባል ናብኡ ነውርደሉ ኔርና}። [ኣልኣንቢያእ፡25]
ንሱ ልዑል ዝኾነ ንርእሱ ብሓድነቱ መስከረ፡ መላእኽቱን ሰብ ፍልጠትን’ውን ብኡኡ መስከሩሉ። ልዑል ዝኾነ ኣላህ ይብል፡ (ኣላህ፡ ብፍትሒ ቀዋሚ ኮይኑ፡ ብዘይካኡ ብሓቂ መግዛእቲ ዝግቦኦ ኣምላኽ ከምዘየለ መስኪሩ። መላእኽትን ሰብ ፍልጠትን እውን። ብዘይካኡ ብሓቂ መግዛእቲ ዝግቦኦ ኣምላኽ የለን። ንሱ ዕዙዝን ስዓርን ጥበበኛን እዩ። 18) [ኣል ዒምራን፡18]
ተውሒድ [ሓድነት ናይ ኣላህ] እዚ ክንዲ'ዚ ኣገዳስነት ካብ ዝህልዎ፡ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ-ወከፍ ኣስላማይ፡ ብምምሃር፡ ብምስትምሃር፡ ብምስትንታንን ከም ጽኑዕ እምነት ጌርካ ብምሓዝን ቆላሕታ ክገብረሉ ግዴታ እዩ። እዚ ኸኣ ሃይማኖቱ ኣብ ጽኑዕ መሰረትን ርግኣትን ምሉእ ተኣዛዝነትን ምእንቲ ክሃንጾን፡ በቲ ፍሬታቱን ውጽኢታቱን ድማ ንኽሕጎስን እዩ።
ኣላህ ድማ፡ ምንጪ ኩሉ ዓወት ኢዩ።
ደራሲ
ሃይማኖት እስልምና
ሃይማኖት እስልምና፡ እቲ ኣላህ ንሙሓመድ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ዝለኣኾ፡ ናይ ሃይማኖታት መዛዘሚ ዝገበሮ፡ ንባሮቱ ዘማልኦ፡ ጸግኡ ኣብ ልዕሊኦም ዘፍጸመሉ፡ ከም ሃይማኖት ዝፈተወሎምን፡ ካብ ዝኾነ ሰብ ድማ ብዘይካኡ ካልእ ሃይማኖት ዘይቅበልን ዝኾነ ሃይማኖት እዩ።ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ (ሙሓመድ ንሓደ ካባኹም ኣቦ ኣይኮነን ግን ናይ ኣላህ ሉኡኽን ናይ ነብያት መደምደምታን እዩ። ኣላህ ንኹሉ ነገር ፈላጥ እዩ።) [ኣልኣሕዛብ፡40]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ (...ሎሚ ሃይማኖትኩም ኣማሊኤልኩም፡ ጸጋይ'ውን ኣብ ልዕሌኹም ፈጺመዮ፡ እስልምና ድማ ከም ሃይማኖት ፈትየልኩም ኣለኹ።...) [ኤል ማኢዳህ፡ 3].
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፡ {እቲ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ተቐባልነት ዘለዎ ሃይማኖት ዝበሃል እስልምና ኢዩ} [ኣል ዒምራን፡19]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከምዚ ይብል፡ (ካብ ኢስላም ወጻኢ ሃይማኖት ዝደሊ ሰብ ካብኡ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን፡ ንሱውን ኣብታ ናይ መወዳእታ ዓለም ካብ'ቶም ከሰርቲ እዩ።) [ኣለ ዒምራን:85]
ሉዑል ኣላህ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ደቂ ሰባት በዚ ሃይማኖት እዚ ንዕኡ ክግዝኡ ግዴታ ገይሩ፡ ንልኡኹ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም እናተዛረበ ድማ ከም'ዚ ይብል፥ { ኦ ነቢይ መሓመድ በል፡ ኦ ኣንቱም ሰባት ኣነ'ኳ ናይ'ቲ ንግስነት ሰማይን ምድርን ናቱ ዝኾነ ኣላህ ፡ብጀካ ንሱ ኣላህ -ዝምለኽ ኮነ ሂወት ዝህብን ዝወስድን ዘየለ-ልኡኽ ናይ ኣላህ እየ ናብ ኩሉኹም፡ ብ ኣላህን በቲ ምንባብን ምጽሓፍን ዘይክእል ረሱል( ሉኡኽ) ብኣላህን ቃላቱን ኣማኒ ዝኾነ ነብይ እመኑ፡ ከምኡ'ውን ስዓብዎ ምእንታን ናብ'ቲ ቅኑዕ መንገዲ ክትምረሑ በሎም } ይብል [ኣል ኣዕራፍ፡158]
ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም ካብ ኣቡ ሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ ከምዝተወረየ፡ ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሎም ይብሉ፡ «ነፍሲ ሙሓመድ ብኢዱ ብዝኾነት ይምሕል፣ ካብዛ ኡማ እዚኣ፡ ኣይሁዳዊ ይኹን ወይ ክርስትያን፡ ዝኾነ ብዛዕባይ ዝሰምዐ እሞ በቲ ኣነ ዝተላእኽክሉ ከይኣመነ ዝሞተ፡ ካብ ሰብ ሓዊ እዩ ዝኸውን።» [1] ሙስሊም ዝሰነድዎ፡ መጽሓፍ እምነት፣ ምዕራፍ፡ ግድነት ምእማን ብልኡኽቶ ነብይና ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ናብ ኩሎም ሰባትን ብሃይማኖቱ ንኻልኦት ሃይማኖታት ምስራዝን፣ ቁጽሪ (153)።
ብእኡ ምእማን ማለት፡ ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ምስ ምቕባልን ምእዛዝን ሓቂ ኢልካ ምእማን እዩ እምበር፡ ሓቂ ምዃኑ ብምእማን ጥራይ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት እዩ ድማ ኣቡ ጣሊብ፡ ነቲ ሒዞምዎ ዝመጹ ሓቂ ምዃኑ እናኣመነሉን፡ ካብ ሃይማኖታት እቲ ዝበለጸ ምዃኑ እናመሰከረን፡ ብረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣማኒ ዘይነበረ።
እስላማዊ ሃይማኖት፡ንኹሎም እቶም ዝሓለፉ ሃይማኖታት ዝሓዝዎም ዝነበሩ ረብሓታት ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ ካብኣቶም ዝፍለየሉ ድማ ንኹሉ ግዜን ቦታን ህዝብን ብቑዕ ብምዃኑ እዩ። ልዑል ኣላህ ንልኡኹ ከም'ዚ ኢሉ ተዛረበ፡ {ናባኻ'ውን ነቲ መጽሓፍ (ቁርኣን)፡ ነቲ ካብ ቅድሚኡ ዝነበረ መጽሓፍ ዘጽድቕን ኣብ ልዕሊኡ ድማ ዓቃብን (ሓላዊን) ኮይኑ ብሓቂ ኣውሪድናዮ...} [ኣል ማኢዳህ:48]
ምስ ኩሉ ግዜን ቦታን ህዝብን ዝሰማማዕ ምዃኑ ትርጉሙ፡ ብእኡ ምትሓዝ ኣብ ዝኾነ ይኹን ግዜን ቦታን ምስ ጥቕምታት ናይ'ቲ ህዝቢ ዘይጻረር፡ የግዳስ ንሱ እቲ ቅኑዕ መገዱን ዕቤቱን እዩ። እዚ ማለት ግን ከም'ቲ ገሊኦም ሰባት ዝደልይዎ ንኹሉ ግዜን ቦታን ህዝብን ዝግዛእ እዩ ማለት ኣይኮነን።
እቲ እስላማዊ ሃይማኖት፡ እቲ ኣላህ (ልዑል) ነቲ ከም'ቲ ዝግባእ ኣተሓሕዛ ቀጥ ኢሉ ዝሓዞ ክሕግዞን ኣብ ልዕሊ እቶም ብዘይካኡ(እስልምና ዘይክተሉ) ልዕልና ክህቦን ዝተወሓሰሉ ናይ ሓቂ ሃይማኖት እዩ፣ ኣላህ (ልዑል) ድማ ከም'ዚ ይብል፦ {ንሱ እቲ ንልኡኹ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ሃይማኖታት ክብ ንኸብሎ፡ ብቕኑዕ መምርሕን ሓቀኛ ሃይማኖትን ዝለኣኾ ኢዩ፡ ዋላ’ኳ እቶም ሙሽሪኩን እንተጸልእዎ}። [ኣልሰፍ፡9]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ (ኣላህ ነቶም ካባኻትኩም ዝኣመኑን ሰናይ ዝሰርሑን፡ ከም'ቲ ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ዘተክአ ኣብ ምድሪ ብርግጽ ከትክኦም፡ እቲ ንዓኣቶም ዝፈተዎ ሃይማኖቶም'ውን ከጽንዓሎም፡ ድሕሪ ፍርሖም'ውን ናብ ርግኣት ክልውጠሎም ምዃኑ ቓል ኣትዩሎም። ብኣይ ምንም ነገር ሽርካ ከይገበሩ የምሉኹኒ። ድሕሪ'ዚ ዝኸሓደ ከኣ፡ ንሳቶም እዮም እቶም ዓመጽቲ። 55) [ኣ'ኑር፡55]
ሃይማኖተ-ኢስላም: ዓቂዳን ሸሪዓን እዩ፡ ኣብ ዓቂዳኡን ሸሪዓታቱን ድማ ዝተማልአ እዩ፡
1- ብተውሒድ ኣላህ ይእዝዝ፡ ካብ ሽርክ ድማ ይኽልክል።
2- ብሓቂ ይእዝዝ ካብ ሓሶት ይኽልክል።
3- ብፍትሒ ይእዝዝ ካብ ግፍዒ ድማ ይኽልክል። ፍትሒ ዝበሃል ድማ ኣብ መንጎ ተመሳሰልቲ ማዕርነት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ድማ ፍልልይ ምግባር እዩ። ፍትሒ ማለት ግን ከም'ቲ ገለ ሰባት 'እስልምና ሃይማኖት ናይ ማዕርነት ሃይማኖት እዩ' ኢሎም ብዘይ ገደብ ዝዛረብዎ ፍጹም ማዕርነት ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ነገራት ማዕርነት ምግባር፡ እስልምና ዘይቅበሎ ግፍዒ ኮይኑ፡ ገባሪኡ ድማ ኣይውደስን።
4- ብተኣማኒነት ይእዝዝ ካብ ኽድዓት ይኽልክል።
5- ብዝኣተካዮ ቃል ምፍጻም ይእዝዝ ካብ ጥልመት ይኽልክል።
6-ንወለዲ ሰናይ ምግባር ይምዕድ፡ ካብ ሓቂ ወለዲ ምጉዳል ድማ የጠንቅቕ።
7- ምብጻሕ ኣዝማድ ይእዝዝ፡ንሳቶም ከኣ እቶም ቀረባ ኣዝማድ ዝኾኑ፡ንዐኦም ምብጻሕ ምቁራጽ ድማ ይኽልክል።
8- ብሰናይ ጉርብትና ይእዝዝ ካብ ሕማቑ ይኽልክል።
ብሓፈሽኡ፡ እስልምና ብኹሉ ጽቡቕ ጠባይ ይእዝዝ፡ ካብ ኩሉ ሕማቕን ጽዩፍን ዝኾነ ጠባይ ድማ ይኽልክል። ከምኡ'ውን ብኹሉ ጽቡቕ ተግባር ይእዝዝ፡ ካብ ኩሉ ሕማቕ ተግባር ድማ ይኽልክል።
ሉዑል ኣላህ ይብል፥ (ብርግጽ ኣላህ ብፍትሒ፡ ብሰናይነትን ንዘመድ ምሕጋዝን ይእዝዝ፡ ካብ ጸያፍን ዝተጸልአን ዓመጽን ድማ ይኽልክል፡ ምእንቲ ክትዝክሩ ኢሉ ይምዕደኩም ።) [ኣ'ናሕል፡90]
ናይ ኢስላም ዓንድታት
ናይ ኢስልምና ዓንድታት: እቲ እስልምና ዝተሃንጸሉ መሰረታቱ ኮይነን፡ ንሳተን ውን ሓሙሽተ እየን። ካብ ዓብዱ'ላህ ቢን ዑመር፡ ኣላህ ይፍተወሎም፡ ካብ ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ክብሉ ዝተወርየ፡ «እስልምና ኣብ ሓሙሽተ ዝተሃነጸ እዩ፤ ንሱ ድማ ንኣላህ ሓደ ምባል - ብኻልእ ሪዋያ ድማ ኣብ ሓሙሽተ -፤ ብጀካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየለን ሙሓመድ ባርያኡን ሉኡኹን ምዃኑ ምምስካር፡ ሰላት ምስጋድ፡ ዘካት ምሃብ፡ ረመዳን ምጻምን፡ ሓጅ ምግባርን።» ቀጺሉ ሓደ ሰብኣይ በለ: ሓጂን ረመዳን ምጻምን? ነብይና ከኣ በለ፡ «ኣይፋልን፣ ጾም ረመዳንን ሓጂን» ካብ ነብይና ሞጎስን ሰላምታን ይብጻሓዮም ከም'ዚ ክብሉ ሰሚዐዮም[2]። [2] ቡኻሪ ዝሰነድዎ: መጽሓፍ እምነት፡ ቁጽሪ (8)፡ ሙስሊምን ድማ: መጽሓፍ እምነት፡ ምዕራፍ "እስልምና ኣብ ሓሙሽተ ተሃኒጹ" ዝብል ቃል ነቢይ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)፡ ቁጽሪ (16)።
1- ብዛዕባ እቲ ‘ላኢላሃ ኢለላህ (ብጀካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ የለን)፡ ሙሓመድ ድማ ባርያኡን ሉኡኹን እዮም’ ዝብል ምስክርነት፡ ንሱ እቲ ሓደ ሰብ ብርግጽነቱ ነቲ ነገር ከም ዝዕዘቦ ኮይኑ ብልሳኑ ዝገልጾ ጽኑዕ እምነት እዩ። እቲ ዝተመስከረሉ ነገር ብዙሕ እናሃለወ እዛ ምስክርነት እዚኣ ሓንቲ ዓንዲ ዝተገበረትሉ ምኽንያት ድማ፡
ምኽንያቱ እቶም ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ኣላህ ተዓላ ዘብጽሑ ስለዝኾኑ፡ ንሶም ባርያን ልኡኽን ምዃኖም ምምስካር፡ መማልእቲ ናይ'ቲ ላኢላሃ ኢለላህ ዝብል ምስክርነት እዩ።
ምኽንያቱ፡ እዘን ክልተ ምስክርነታት መሰረት ትኽክልነትን ቅቡልነትን ተግባራት እየን፤ ዝኾነ ተግባር ድማ ብዘይካ ብንጽህና ንኣላህ ተዓላን ንልኡኹ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብምስዓብን፡ ትኽክለነትን ቅቡልነትን የብሉን።
ንኣላህ ንጽህና ምግባር፣ ምስክርነት ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ከምዘየለ ትረጋገጽ፡ ንልኡኽ ኣላህ ብምኽታል ድማ፡ ምስክርነት ሙሓመድ ባርያኡን ልኡኹን ምዃኑ ትረጋገጽ።
ካብ ፍረታት ናይ'ዛ ዓባይ ምስክርነት፡ ንልብን ነፍስን ካብ ባርነት ንፍጡራት፡ ከምኡ’ውን ብዘይካ እቶም ልኡኻት ንኻልኦት ካብ ምስዓብ ነጻ ምውጻእ እዩ።
2- ስግደት ብስርዓት ምስጋድ ዝበሃል ከኣ፡ ኣብ'ቲ ዝተወሰነ ግዜኣን ኣገባብ ኣሰጋግዳኣን ብትኽክልን ብዘይ ጉድለትን ብምስጋድ ንኣላህ ዝግበር ኣምልኾት እዩ።
ካብ ፍረታቱ ድማ፡ ናይ ልቢ ምስፋሕ(ደስታ)፡ ናይ ዓይኒ መርወዪ፡ ከምኡ’ውን ካብ ነውርን እኩይን ምኽልካል።
3- ምጽዋት ምውጻእ እንተኾነ ድማ፡ ካብ'ቲ ዘካት ዝወሃበሉ ንብረት፡ እቲ ግዴታ ዝኾነ መጠን ንዝግብኦም ብምሃብ ንልዑል ኣላህ ምምላኽ እዩ።
ካብ ፍረታቱ ድማ: ንነፍሲ ካብ ሕሱር ጠባይ (ስስዐ) ምጽራይን፡ ንኣድላይነት እስልምናን ሙስሊሚንን ምምላእን።
4- ጾም ረመዳን ድማ፡ ንኣምልኾት ንልዑል ዝኾነ ኣላህ ኢልካ ኣብ መዓልቲ ረመዳን ካብ’ቶም ንጾም ዘበላሽዉ ነገራት ነብስኻ ምግታእ እዩ።
ካብ ፍረታቱ ድማ፡ ፍትወት ናይ ልዑል ኣላህ ንምርካብ፡ንነፍሲ ነቲ እትፈትዎ ነገር ክትገድፍ ምልማድ እዩ።
5- ሓጅ ናይ'ቲ ቤት፡ ስርዓታት ሓጅ ንምፍጻም ኢልካ ናብ በይተልሓራም ሓሲብካ ኣምልኾት ናይ ኣላህ ምግባር እዩ።
ካብ ፍረታቱ ድማ፡ ንነፍሲ፡ ንኣላህ ኣብ ምእዛዝ ገንዘባውን ኣካላውን ጻዕሪ ንኸተወፊ ምልማድ እዩ። ስለ'ዚ ድማ ሓጂ ሓደ ካብ'ቲ ኣብ መንገዲ ኣላህ ዝግበር ጂሃድ እዩ።
እዞም ዝጠቐስናዮምን ዘይጠቐስናዮምን ፍረታት ናይ'ዞም መሰረታት፡ ነቲ ህዝቢ፡ ጽርይትን ንጽህትን ዝኾነት፡ ንኣላህ ብናይ ሓቂ ዲን እትግዛእን ንፍጡራት ድማ ብፍትሕን ሓቅን እትሕዝን እስላማዊት ኡማ ይገብርዎ። ምኽንያቱ እቶም ካልኦት እስላማዊ ሕጊታት ዝቀንዑ፡ ብምቅናዕ ናይ'ዞም መሰረታት እዚኦም እዮም። ኩነታት ናይ ሓደ ማሕበረሰብ እውን ዝቀንዕ፡ ብምቅናዕ ናይ ጉዳይ ሃይማኖቱ እዩ። ካብ'ቲ ቁኑዕ ዝኾነ ኩነታቱ ድማ፡ በቲ ካብ ምቅናዕ ናይ ጉዳያት ሃይማኖቱ ዘሕለፎ መጠን ይሓልፎ።
ነዚ ንምብራህ ዝደለየ ድማ፡ ረቢ አብ ቁርኣን ዝበሎ የንብብ፡ «ሰብ እተን ከተማታት ኣሚኖምን ፈሪሖምን እንተዝኾኑ ነይሮም ካብ ሰማይን ምድርን በረኸታት(ሽሻይ) ምኸፈትናሎም ኔርና፡ እንተኾነ ግን ክሒዶም፡ በቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ድማ ሒዝናዮም(ፈዲናዮም)። 96» «እቶም ነበርቲ ዓድታት መቕጻዕትና ደቂሶም ከለዉ ብለይቲ ከይመጾም ተኣሚኖም ዲዮም 97»። «ወይስ ነበርቲ እተን ዓድታት መቕጻዕትና ብቀትሪ ንሳቶም እናተጻወቱ ከለዉ ከይመጾም ተኣማሚኖም? 98» ካብ መቕጻዕቲ ኣላህ ድዮም ተኣሚኖም? ንመቕጻዕቲ ኣላህሲ ብዘይካ እቶም ዝኸስሩ ህዝቢ ዝተኣማመኖ የለን።(99) [ኣል ኣዕራፍ፡96-99]
ታሪኽ ናይ'ቶም ዝሓለፉ ድማ ይመልከት፤ ምኽንያቱ ታሪኽ ነቶም ንቑሓትን ለባማትን ኣእምሮ ትምህርቲ እዩ። ነቲ ብልቡ ንኸይቅበል ዝኽልክሎ ዘሎ ነገር ድማ መረዳእታ እዩ። ኣላህ ድማ እቲ ሓገዝ ዝሕተተሉ እዩ።
ናይ ኢስላማዊ ዓቂዳ መሰረታት
እስላማዊ ሃይማኖት፡ከም'ቲ ኣቐዲምና ዘብርሃናዮ- እምነትን ሕግን እዩ፣ ገለ ካብ ሕግታቱ'ውን ኣመልኪትና ኣለና፡ ነቶም ንሕግታቱ መሰረት ዝኾኑ ዓንድታቱ'ውን ጠቒስና ኢና።
ናይ እስላማዊት ዓቂዳ መሰረታቱ ድማ፥ ብኣላህ፡ ብመላእኽቱ፡ ብመጻሕፍቱ፡ ብልኡኻቱ፡ ብመወዳእታ መዓልቲ፡ ከምኡ'ውን ብጽሕፍቶ(ቀደር) ጽቡቑን ሕማቑን ምእማን እዩ።
ነዚ መሰረታት'ዚ፡ መጽሓፍ ኣላህን ሱና ናይ ልኡኹን[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ኣመልኪቶሞ እዮም።
ኣብ መጽሓፍ ኣላህ ሱብሓኑ ወታዓላ ውን ይብል: {ጽድቂ ማለት ገጽኩም ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣንፈትኩም ምግባር ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ጽድቂ ማለት፡ እቲ ብኣላህን፡ ብመጽኣተ-ዓለምን፡ ብመላእኽትን፡ ብመጻሕፍትን፡ ብነብያትን ዝኣመነ'ዩ...} [ኣልበቐራ፡177] ብዛዕባ ቀደር ውን: {ንሕና ንኩሉ ነገር ብውሳነና ፈጢርናዮ።49 ትእዛዝና ድማ ከም ቋሕ ሰም ሓደ እዩ 50} [ኣልቐመር፡49-50]
ኣብ ሱና ልኡኽ ኣላህ {ሰላትን ሰላምን ይብጻሓዮም}፡ ነብይና {ሰላትን ሰላምን ይብጻሓዮም} ንጅብሪል ብዛዕባ ኢማን ምስ ሓተቶም ከም'ዚ ኢሎም መሊሶም፡ «ኢማን ማለት፡ ብኣላህ፡ ብመልኣኽቱ፡ ብመጻሕፍቱ፡ ብልኡኻቱ፡ ብመወዳእታ መዓልትን ምእማን፡ ከምኡ'ውን ብጽሕፍቶ(ቀደር)፡ ሰናዩ ይኹን ክፉኡ ምእማን እዩ።»[3] [3] ሙስሊም ኣብ ኪታብ ኣል-ኢማን፡ ቁጽሪ (8)፡ ኣቡ ዳዉድ ድማ ኣብ ኪታብ ኣ-ሱና፡ ባብ ፊል ቀደር፡ ቁጽሪ (4695) ጸብጺቦሞ።
ብልዑል ኣላህ ምእማን
እምነት ብኣላህ ድማ ኣርባዕተ ነገራት የጠቓልል፦
ቀዳማይ ነገር፡ እምነት ብህላውነት ናይ ልዑል ዝኾነ ኣላህ፡
ንህላዉነት ናይ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ድማ፡ ተፈጥሮን፣ ዓቕሊን(ኣእምሮ)፣ መለኮታዊ ሕግን ሓዋሳትን የረድእ።
ብዛዕባ እቲ ናይ ተፈጥሮ ኣብ ህልውናኡ ስብሓነሁ ወተዓላ ዘሎ መርትዖ፡ ኩሉ ፍጡር ብዘይ ዝኾነ ቅድመ-ሓሳብ ወይ ትምህርቲ ብፈጣሪኡ ከም ዝኣምን ኮይኑ እዩ ተፈጢሩ። ካብዚ ተፈጥራዊ ባህሪ ድማ፡ ኣብ ልቡ ካብኡ ዘግልሎ ነገር ዘጋጠሞ ሰብ እንተዘይኮይኑ፡ ዝኾነ ሰብ ኣይርሕቕን እዩ። ከም'ቲ ነብይ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበልዎ፡ «ኩሉ ህጻን ክፍጠር ከሎ ኣብ ንጹህ እምነት እዩ ዝፍጠር፣ ወለዱ ድማ ኣይሁዳዊ፡ ወይ ክርስትያን፡ ወይ መጁሳዊ ይገብርዎ።»[4] [4] ቡኻሪ ዝሰነድዎ፡ ኪታብ ኣል-ጀናኢዝ (መጽሓፍ ቀብሪ)፣ ምዕራፍ፡ ንእሽቶ ቆልዓ ምስ ሰለመ እንተ ሞይቱ፡ ሶላት ይስገደሉ ድዩ፧ እስልምናኸ ንንእሽቶ ቆልዓ ይቐርበሉ ድዩ፧ ቁጽሪ (1292)፣ ሙስሊምን፡ ኪታብ ኣል-ቀደር (መጽሓፍ ውሳነ)፣ ምዕራፍ፡ ትርጉም "ኩሉ ዝውለድ ኣብ ፊጥራ (ተፈጥሮ) እዩ ዝውለድ" ዝብል፣ ከምኡ’ውን ፍርዲ ሞት ቈልዑት ከሓድትን ቈልዑት ሙስሊምን፣ ቁጽሪ (2658)።
2- ብዛዕባ ናይ ዓቕሊ መርትዖ ኣብ ህልውና ኣላህ (ተዓላ) ድማ፡ እዞም ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ዝኾኑ ፍጡራት ዝፈጠሮም ፈጣሪ ክህልዎም ናይ ግድን ስለዝኾነ እዩ፤ ባዕላቶም ንባዕላቶም ክፈጥሩ ወይ'ውን ብኣጋጣሚ ክርከቡ ስለዘይክእሉ።
ሓደ ነገር ባዕሉ ንባዕሉ ክፈጥር ኣይክእልን እዩ፤ ምኽንያቱ ቅድሚ ህልውናኡ ስለ ዘይነበረ፣ ከመይ ጌሩ ፈጣሪ ክኸውን ይኽእል?
ብኣጋጣሚ ክትረከብ ውን ዘበት እዩ፤ ምኽንያቱ ከሉ ፍጡር ፈጣሪ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ፣ በዚ ኣገራሚ ዝኾነ ስርዓትን ዝተዋሃሃደ ስምምዕን ምህላዎም ፡ ኣብ መንጎ ምኽንያታትን ሳዕቤናቱን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ፍጡራት ንሓድሕዶም ብዘሎ ጹኑዕ ምትእስሳርን፡ ብኣጋጣሚ ከምዝተረኸቡ ብፍጹም ይኽልክል። ከመይሲ፡ ብኣጋጣሚ ዝተረኸበ ነገር ኣብ መበቆሉ ስርዓት ካብ ዘይብሉ፡ ኣብ እዋን ምንባሩን ምዕባለኡን ከመይ ጌሩ ስርዓት ክህልዎ ይኽእል?
እዞም ፍጡራት እዚኦም ባዕላቶም ንባዕላቶም ወይ ብኣጋጣሚ ክርከቡ ዘይከኣል ካብ ኮነ፡ ፈጣሪ ክህልዎም ግድን እዩ፡ ንሱ ድማ ጐይታ ዓለማት ዝኾነ ኣላህ እዩ።
ኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ድማ ነዚ ኣእምሮኣዊ መርትዖ ነቕ ዘይብል ቡርሃንን ኣብ ሱራት ኣ'ጡር ከም'ዚ ክብል ጠቒስዎ ኣሎ:- {ወይስ ብዘይ ሓደ ነገር ድዮም ተፈጢሮም ወይ ንሳቶም ፈጠርቲ እዮም(35)} [ኣ'ጡር:35] ትርጉሙ: ንሳቶም ብዘይ ፈጣሪ ኣይተፈጥሩን: ንባዕሎም እውን ኣይፈጠሩን። ስለ'ዚ ፈጣሪኦም ኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ምዃኑ ይረጋገጽ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ጁበይር ቢን ሙጥዒም ኣላህ ይፍተወሎም: ንነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ሱረቱ 'ጡር እንትቐርኡ ሰሚዖምዎም እሞ ናብዘን ኣያታት(ጥቅስታት) ምስ በጽሑ: {ወይስ ብዘይ ሓደ ነገር ድዮም ተፈጢሮም ወይ ንሳቶም ፈጠርቲ እዮም(35)} ወይስ ንሰማያትን ምድርን ዶ ፈጢሮም? ንሳቶም ዘይኣምኑ እዮም (36) (ወይስ ኣብኣታቶም ድዩ መዛግብቲ(ሽሻይ) ጎይታኻ ዘሎ፧ ወይስ ንሳቶም ድዮም እቶም ገዛእቲ፧ 37) [ኣ'ጡር:35-37]
ጁበይር በቲ ግዜ እቲ ሙሽሪክ ከሎ በለ: «ልበይ ክትበርር ቀሪባ፡ እዚ ድማ እቲ ቀዳማይ እምነት ኣብ ልበይ ዝሰፈረሉ እዩ»[5]። [5] ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ሱረት ኣ'ጡር፣ ቁጽሪ (4854)።
ነዚ ዝገልጽ ኣብነት ንውሰድ፦ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሓደ ዕዙዝ(ጽኑዕ) ቤት ብኣታኽልቲ ዝተኸበበ፥ ኣብ መንጎኡ ድማ ሩባታት ዝፈስስ፥ ብምንጻፋትን ዓራውትን ዝተመልአ፥ ከምኡ'ውን ብመሰረታውን መመለኣእታን ዝኾኑ ዓይነት ስልማት ዝተሰለመ፥ እንተዝነግረካ፣ ከምኡ'ዉን "እዚ ቤት ኣብ ውሽጡ ዘሎ ምሉእ ዘይጎደሎ ባዕሉ ንባዕሉ እዩ ተረኺቡ፣ ወይ ድማ ብዘይ ዝኾነ ፈጣሪ ከምኡ ብኣጋጣሚ እዩ ተረኺቡ" እንተ ዝብለካ፤ ቀልጢፍካ ነዚ ምነጸግካዮን ሓሶት ምበልካዮን፣ ዘረባኡ’ውን ከም ዕሽነት ቓል ምቖጸርካዮ። ድሕሪ እዚ'ሞ፡ እዚ ሰፊሕ ኣድማስ፡ ብምድሩ፡ ብሰማዩ፡ ብፈለካቱ፡ ብኩነታቱን በቲ ዘደንቕን መስተንክርን ዝኾነ ስርዓቱን፡ ባዕሉ ንባዕሉ ፈጢሩ ክኸውን፡ ወይ ብዘይ ፈጣሪ ብኣጋጣሚ ክርከብ ይከኣል ድዩ?
3- ብዛዕባ መርትዖ ሸሪዓ ኣብ ልዕሊ ህልውና ልዑል ኣላህ እንተኾነ ድማ: እቶም ሰማያውያን መጻሕፍቲ ኩሎም ብዛዕብኡ ስለዝዛረቡ እዩ። እቲ ሒዞሞ ዝመጹ ንጥቕሚ ፍጡራት ዝሓዘለ ፍትሓዊ ሕግታት ድማ፡ ካብ ሓደ ጥበበኛን ብጥቕሚ ፍጡራቱ ዝፈልጥን ዝኾነ ጎይታ ከምዝኾነ መርትዖ እዩ። እቲ ሒዝዎ ዝመጸን ሓቅነቱ ብተግባር ዝተመስከረን ናይ ፍጥረት ኣድማስ ዜና፡ ካብ ሓደ ነቲ ዝሓበሮ ነገር ንምፍጣር ክኢላ ዝኾነ ጎይታ ከምዝኾነ መርትዖ እዩ።
4- ንህልውና ኣላህ ዘረጋግጽ ናይ ሓዋሳት መረዳእታ ድማ፡ ብክልተ ሸነኽ እዩ፥
ቀዳማይ: ንሕና ካብ መልሲ ዱዓ ዝገብሩን ሓገዝ ናይ ዝተሸገሩን፡ ቆራጺ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ህልውነቱ ዘመልክት ነገር ንሰምዕን ንዕዘብን ኢና። ልዑል ኣላህ ሱብሓነሁ ይብል: {ንነቢ ኑሕ እውን፡ ካብ ቀደም ምስ ተማህለለ፡ ተቐቢልናዮ...} [ኣልኣንቢያእ:76] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ንጎይታኹም ረድኤት ምስ ሓተትኩሞ፡ መለሰልኩም...} [ኣልኣንፋል፡9]
ኣብ ሰሒሕ ቡኻሪ ካብ ኣነስ ኢብኑ ማሊክ፥ ኣላህ ይፍተወሎም፥ ከም'ዚ ይብሉ፡ «ሓደ ሃገረሰብ ዓረብ ጁምዓ መዓልቲ -ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኹጥባ እናገበሩ ከለዉ- ኣትዩ፡ "ኦ ረሱል ኣላህ፡ ንብረትና ጠፊኡ፡ ስድራና ድማ ጠምዮም፡ ንኣላህ ዱዓ ግበረልና" በለ። ሽዑ ኢዶም ኣልዒሎም ዱዓ ገበሩ፡ ብኡ ንብኡ ድማ ከም ኣኽራናት ዝኣክል ደበና ተላዕለ፡ካብ ሚንበሮም ከይወረዱ ዝናብ ካብ ጭሕሞም ማይ ክንጥብ ክሳብ ዝርኢ ኮይኑ።»[6] [6] ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ጁሙዓ፣ ባብ ኣል-ኢስቲስቃእ ኣብ ኹጥባ ጁምዓ መዓልቲ፣ ቑጽሪ (891)።
ኣብ'ታ ካልኣይቲ ጁምዓ፡ እቲ ሃገረሰብ ዓረብ ወይ ድማ ካልእ ሰብ ተንሲኡ ከም'ዚ በለ፦ ኣንታ ልኡኽ ኣላህ፡ ህንጻ ፈሪሱ፡ ገንዘብ(እንስሳ) ድማ ጢሒሉ'ዩ እሞ ንኣላህ ዱዓ ግበረልና፤ ንሶም ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ክልተ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ከም'ዚ በሉ፦ «ኣ'ላሁመ ሓዋለይና ወላ ዓለይና» ናብ ዝኾነ ወገን ዘመልከቶ ነቢና ኣብኡ ከሎ ተጋሀደ(ተቀንጠጠ)[7]። [7] ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ፡ ኪታብ ኣልጁሙዓ፣ ባብ እስትስቃ ኣብ ኹጥባ መዓልቲ ጁሙዓ፣ ቁጽሪ (891)፣ ሙስሊምን፡ ኪታብ ናይ እስትስቃ ሳላት፣ ባብ ዱዓእ ኣብ እስትስቃ፣ ቁጽሪ (897)።
ምቅባል ዱዓ ናይቶም ለመንቲ፡ ነቲ ብንጽህና ናብ ኣላህ ዝተጸግዐን፡ ቅድመ-ኩነት ዝኾኑ ናይ ምቅባል ዱዓ ዘማልአን፡ ክሳብ ሎሚ መዓልትና ዝተመስከረ ሓቂ እዩ።
እቲ ካልኣይ መዳይ: ሙዕጂዛት ተባሂለን ዝጽውዓ፡ ደቂ ሰባት ዝርእይወን ወይ ብዛዕብአን ዝሰምዑ ተኣምራት ናይ ነቢያት፡ ኣብ ልዕሊ ህልውና ናይ'ቲ ዝለኣኾም ወሳኒ መርትዖ እየን። ንሱ ድማ ኣላህ ሱብሓነሁ ወታዓላ እዩ። ምኽንያቱ ንሳተን ካብ ዓቕሚ ደቂ ሰባት ወጻኢ ዝኾና፡ ኣላህ ሱብሓነሁ ወታዓላ ንልኡኻቱ ንምድጋፍን ዓወት ንምሃብን ዘካይደን ነገራት ስለ ዝኾና እየን።
ኣብነት ናይ'ዚ፡ ተኣምር ናይ ነብዪ ሙሳ ዓለይሂ ኣ'ሰላም፡ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ነቲ ባሕሪ ብበትሮም ክወቅዕዎ ምስ ኣዘዞም፡ ወቒዖሞ፡ ናብ ዓሰርተ ክልተ ዝነቐጸ መንገዲ ተጨዲዱ፡ እቲ ማይ ድማ ኣብ መንጎኡ ከም ኣኽራናት ኮይኑ። ልዑል ዝኾነ ኣላህ ድማ ከም'ዚ በለ፡ {ናብ ሙሳ ድማ ንባሕሪ ብበትርኻ ውቅዓዮ ኢልና ዋሕይ ኣውረድናሉ። ሽዑ ተጨደደ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ክፋሉ ኸኣ ከም'ቲ ዓቢ መጋረዲ ዘለዎ ኮነ። 63} [ኣ'ሹዓራእ:63]
ካልኣይ ኣብነት ድማ፡ ሙዕጂዛ ናይ ነብዪ ዒሳ ዓለይሂ ኣ'ሰላም፡ ንሱ ድማ ብፍቓድ ኣላህ ንምዉታት ህይወት ምግባሩን ካብ መቓብሮም ምውጹኡን እዩ። ልዑል ኣላህ ብዛዕብኡ ከም'ዚ በለ፦ (...ንሙታን'ውን ብፍቓድ ኣላህ የሕውዮም...) [ኣል ዒምራን፡49] ከምኡ'ውን ኢሉ:- «...ከምኡ’ውን ንሙታን ብፍቓደይ ኣብ እተውጽኣሉ እዋን...» (ኣል ማኢዳህ :110)
ሳልሳይ ኣብነት ድማ፡ ህዝቢ ቁረይሽ ንነቢ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ሓደ ተኣምር ከርእይዎም ምስ ሓተትዎም፡ ናብ ወርሒ ኣመልከቱ። ንሳ ድማ ኣብ ክልተ ተጨደደት፡ ሰባት'ውን ረኣይዋ። ብዛዕባ'ዚ ድማ ኣላህ (ተዓላ) ከም'ዚ ይብል፡ {እታ ሰዓት ቀሪባ እያ፡ ወርሒ ድማ ተመቂላ። 1 ተኣምር እንተ ረኣዩ ድማ፡ ገጾም የዝሩ፡ «እዚ ቀጻሊ ጥንቈላ እዩ» ድማ ይብሉ። 2} [ኣልቐመር፡2–1]
እዚ ብኣካል ዝርአ ተኣምራት እዚ፡ ኣላህ ንሉኡኻቱ ንምሕጋዝን ንምድጋፍን ዘካይዶ ኮይኑ፡ ኣብ ህልውናኡ ዘሎ ዘይተሓታትት ጭብጢ እዩ።
ካልኣይ፡ እምነት ብኣላህ ካብ ዘጠቓልሎም፦ ብጎይትነቱ ምእማን እዩ፣ ማለት ንሱ በይኑ ጎይታ ምዃኑ፡ መሻርኽትን ሓጋዝን'ውን ከምዘይብሉ።
ረቢ ኸኣ፡ እቲ ፍጥረትን፡ ንግስነትን፡ ትእዛዝን ናቱ ዝኾነ እዩ፣ ስለ'ዚ ድማ ብጀካ ኣላህ ፈጣሪ የልቦን፡ ብጀክኡ ወናኒ የልቦን፡ ትእዛዝ'ውን ብጀክኡ ንኻሊእ ኣይኮነን። ልዑል ኣላህ ኢሉ :- {...ብርግጽ ፍጥረትን ትእዛዝን ናቱ ጥራይ እዩ...} [ኣል ኣዕራፍ:54] ከምኡ'ውን ኢሉ:- {እቲ ኣላህ፡ ጎይታኹም እዩ፡ ንግስነት ድማ ናቱ እዩ። እቶም ብዘይካኡ እተምልኽዎም ግና፡ ቀጢን ቅራፍ ናይ ፍረ-ተምሪ እኳ ኣይውንኑን።} [ፋጢር፡13]
ሓደኳ ካብ ፍጡራት ንሩቡብያ(ዋንነት) ኣላህ ሱብሓነሁ ከምዝኸሓደ ኣይተፈልጠን፣ ንሓቂ ዝተጻረረን ነቲ ዝብሎ ዘይኣምነሉን እንተኾይኑ እምበር፣ ከም'ቲ ብፈርዖን ዘጋጠመ ንህዝቡ ክብሎም ከሎ፥ {"ኣነ እቲ ልዕል ጎይታኹም እየ" ድማ በለ24} [ኣ'ናዚዓት፡ 24]፣ ከምኡ'ውን ኢሉ:- {...ኦ መኳንንቲን መራሕትን፡ ንዓኻትኩም ብዘይካይ ካልእ ኣምላኽ ኣይፈልጠልኩምን ኢየ...} [ኣልቐሰስ፡38]፣ ግናኸ እዚ ካብ ዓቂዳ ኣይኮነን። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ብኣኣ(ትኣምራታት) ድማ ከሓዱ: ነፍሶም እናረጋገጸታ ከላ: ብበደልን ትዕቢትን...} [ኣ'ነምል:14] ከምኡ'ውን ሙሳ፡ ከም'ቲ ኣላህ ብዛዕብኡ ዝዘንተዎ፡ ንፍርዖን ከም'ዚ በልዎ፥ {ብርግጽ ንስኻ፡ ነዚኣቶም ከም መብርህታት ጌሩ ዘውረዶም ጐይታ ሰማያትን ምድርን ጥራይ ምዃኑ ፈሊጥካ ኢኻ። ኣነ ድማ ኣንታ ፊርዖን፡ ብርግጽ ጥፉእ ከምዝኾንካ ይፈልጥ ኢየ።} ኣል ኢስራእ፡102፣ ስለ'ዚ ኸኣ እቶም ሙሽሪኪን ብዋንነት ናይ ረቢ የረጋግጹ ነይሮም፣ ኣብ ኣምልኾት ሽርኪ እናገበሩ። ከም'ቲ ረቢ ኣብ ቁርኣን ዝበሎ፥ (ንዓታቶም) "እዛ ምድርን ኣብኣ ዘለዉን ናይ መን እዮም፧ ትፈልጡ እንተኾንኩም" በሎም። (84) "ናይ ኣላህ እዩ" ክብሉ እዮም። "እሞ ኣይተስተንትኑንዶ፧" በሎም። (85) "ፈጣሪ ናይ'ተን ሸውዓተ ሰማያትን ፈጣሪ ናይ'ቲ ዓቢይ ዐርሽን (ዝፋን) መን እዩ፧" በሎም። (86) "ናይ ኣላህ እዩ" ክብሉ እዮም። "እሞ ኣይትፈርህዎንዶ፧" በሎም። (87) "ንግስነት ኩሉ ነገር ኣብ ኢዱ ዝኾነ፡ ንሱ ንዝደለዮ የዕቁብ ኣብ ልዕሊኡ ግን ዝዕቆብ ዘይብሉ መን እዩ፧ ትፈልጡ እንተኾንኩም" በሎም። (88) "ናይ ኣላህ እዩ" ክብሉ እዮም። "እሞ ከመይ ጌርኩም ትስሓሩ (ካብ ሓቂ ትዕዉሩ)፧" በሎም። (89) [ኣልሙእሚኑን፡84–89]
ከምኡ'ውን ልዑል ኣላህ ኢሉ: {ንዓኣቶም ድማ ንሰማያትን ምድርን መን ፈጢርዎም ኢልካ እንተ ሓቲትካዮም፡ ብርግጽ እቲ ሓያል፡ ኩሉ-ፈላጥ ዝኾነ ፈጢርዎም ክብሉ እዮም። 9} [ኣ'ዙኽሩፍ፡9]
እቲ ካብ ከሉ ጉድለት ንጹህ ዝኾነ ይብል: {ብሓቂ መን ከም ዝፈጠሮም እንተ ትሓቶም ብርግጽ ኣላህ ክብሉ እዮም፣ ከመይ ጌሮም ድኣ ናብ ካልእ ኣንፈትኩም ትገብሩ(87)} [ኣ'ዙኽሩፍ:87]
ትእዛዝ ኣላህ ሱብሓነሁ ንፍጥረታዊ ትእዛዝን ንሃይማኖታዊ ሕጊ ትእዛዝን ዘጠቓለለ እዩ። ከም'ቲ ጥበቡ ዝጠልቦ፡ ኣብ ኣድማስ ዝደለዮ ዝውስንን ኣመሓዳርን ዝኾነ፡ ከምኡ'ውን ንሱ፡ ከም'ቲ ጥበቡ ዝጠልቦ፡ ብሕጊ ኣምልኾታትን ብውሳኔታት ማሕበራዊ ኣነባብራን ገዛእን ፈራድን እዩ። ስለ'ዚ ምስ ልዑል ኣላህ ኣብ ጉዳይ ኣምልኾት ከም ሕጊ ሰራዒ፡ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ከም ፈራዲ ዝወሰደ፡ ብርግጽ ምስኡ ኣሻሪኹ እዩ፡ ንእምነት ድማ ኣየረጋገጸን።
ሳልሳይ ካብ'ቲ ብኣላህ ምእማን ዘጠቓልሎ፡ ብኣምልኾቱ ምእማን እዩ። እዚ ማለት ድማ ንሱ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ምዃኑን መሻርኽቲ ዘይብሉ ምዃኑን ምእማን እዩ። ትርጉም ናይ (ኢላህ) ድማ (ኣል-መእሉህ) እዩ፡ እዚ ኸኣ ብፍቕርን ብኽብርን (እቲ ዝምለኽ) ማለት እዩ።
ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ጎይታኹም ሓደ ጎይታ እዩ፤ ብጀክኡ ብሓቂ ኣምልኾ ዝግበኦ ጎይታ የለን፤ ንሱ እቲ ፍጹም ርህሩህ እቲ ኣዝዩ ራህራህን እዩ። 163} [ኣልበቐራ:163] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ኣላህ፡ ብፍትሒ ቀዋሚ ኰይኑ፡ ብዘይካኡ ብሓቂ መግዛእቲ ዝግቦኦ ኣምላኽ ከምዘየለ መስኪሩ። መላእኽትን ሰብ ፍልጠትን እውን። ብዘይካኡ ብሓቂ መግዛእቲ ዝግቦኦ ኣምላኽ የለን። ንሱ ሁሉን ስዓርን ጥበበኛን እዩ።18} [ኣለ ዒምራን፡18]፡ ዝኾነ ምስ ኣላህ ኣሕቢሩ ካልእ ኣምላኽ ዘምለኸ፡ ኣምላኽነቱ ሓሶት እዩ። ልዑል ኣላህ በለ: {እዚ ምኽንያቱ፡ ኣላህ ንሱ እቲ ብሓቂ ዝምለኽ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ብጀካኡ ዘምልኽዎ ኸኣ ንሱ ከንቱ ስለ ዝኾነ፡ ኣላህ ድማ ንሱ ልዑልን ዓቢን እዩ። 62} [ኣልሓጅ፡62]። ኣማልኽቲ ተባሂለን ምጽዋዐን ናይ ብሓቂ ኣምላኽነት ኣይህበንን ኢዩ፣ ኣላህ ተዓላ ብዛዕባ (ኣ'ላት፡ ወልዑዛ፡ ወመናት) ከም'ዚ በለ፦ {ንሳቶምን ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዝሰመይኩሞም ኣስማት እምበር ካልእ ኣይኮኑን፡ ኣላህ ብዛዕባኦም ዝኾነ መርትዖ ኣየውረደን።} [ኣ'ነጅም፡23]
ከምኡ'ውን ነብይ ሁድ ዓለይሂ ሰላም ንህዝቦም ከም'ዚ በልዎም: «...ብዛዕባ እተን ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዝሰመይኩሞም፡ ኣላህ ድማ ብዛዕባአን ዝኾነ መርትዖ ዘየውረደለን ኣስማት ዲኹም ትካራኸሩኒ፧...» [ኣል ኣዕራፍ፡71]
ከምኡ'ውን ነብይ ዩሱፍ ዓለይሂ ሰላም ነቶም ክልተ ናይ ቤት ማእሰርቲ ብጾቱ ከም'ዚ በሎም: ﴾ኣቱም ናይ ቤት ማእሰርቲ ብጾትይ፣ ዝተፈላለዩ ኣማልኽቲ ድዮም ዝሕሹ ወይስ እቲ ሓደ ብኹሉ ዝሰዕር ኣላህ? እቲ ብዘይካኡ እትግዝእዎስ፡ ንስኻትኩምን ኣቦታትኩምን ዝሰመኹሞም፡ ኣላህ ብዛዕባኦም ዝኾነ መርትዖ ዘየውረደሎም ኣስማት ጥራሕ እዮም።...﴿ ዩሱፍ፡39-40
ስለ'ዚ ድማ እቶም ሉኡኻት -ዓለይሂሙ ኣልሶላቱ ወሰላም- ንህዝቦም ከም'ዚ ይብልዎም ነበሩ፡ {ንኣላህ ኣምልኹ፣ ብዘይካኡ ብሓቂ ኣምልኾ ዝግበኦ ኣምላኽ የብልኩምን} [ኣል ኣዕራፍ፡59] ግን እቶም ሙሽሪኩን ነዚ ኣበይዎ፣ ብዘይካ ኣላህ’ውን ምስኡ ሓቢሮም ዝግዝእዎም ኣማልኽቲ ሓዙ፣ ብኣኦም ድማ ዓወትን ሓገዝን ይሓቱ።
እቶም ሙሽሪኪን ነዞም ኣማልኽቲ ምምላኾም፡ ኣላህ ብኽልተ ብኣእምሮ ዘይሳሓት መርትዖታት ኣፍሪስዎ'ዩ፦
ቀዳማይ፡ ኣብ'ዞም ከም ኣማልኽቲ ዝወሰድዎም ካብ ባህርያት ኣምላኽነት ዋላ ሓደ የብሎምን። ንሳቶም ፍጡራት እዮም እምበር ኣይፈጥሩን፡ ንዘምልኽዎም ጥቕሚ ኣየምጸኡን፡ ጉድኣት ውን ካብኦም ኣይከላኸሉን፡ ህይወትን ሞትን ኣይውንኑሎምን፡ ካብ ሰማያት ዋላ ሓንቲ ነገር ኣይውንኑን፡ ኣብኡ ውን መሻርኽቲ ኣይኮኑን።
ኣላሁ ታዓላ ይብል፥ {ብዘይካኡ ኣማልኽቲ ሒዞም፡ ሓንቲ ነገር'ውን ኣይፈጥሩን ንሳቶም ባዕሎም ድማ ይፍጠሩ፡ ንነፍሶም ድማ ጉድኣትን ጥቕምን ኣይውንኑን፡ ሞትን ህይወትን ትንሳኤን'ውን ኣይውንኑን 3} [ኣል ፋርቃን፡3]።
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {በሎም፡ ነቶም ብዘይካ ኣላህ (ኣማልኽቲ እዮም ኢልኩም) እትምጎትሎም ጸውዕዎም)። ኣብ ሰማያትን ምድርን ናይ ክብደት ፍረ ኣድሪ ትኸውን እኳ ኣይውንኑን። ኣብ ክልቲኦም ድማ ምንም ተኻፋልነት የብሎምን። ንዕኡ (ንኣላህ) ድማ ካብኣቶም ሓጋዚ የብሉን። ኣብኡ ዘሎ ኣመላድነት ድማ ንሱ ንዝፈቐደሉ እንተዘይኮይኑ ኣይጠቅምን...﴿ [ሰባእ፡22-23] ልዑል ዝኾነ ኣላህ ድማ በለ፡ {ንሓደ ነገር ዘይፈጥር ዶ መሻርኽቲ ይገብሩ፧ የግዳስ ንሳቶም ባዕላቶም ዝፍጠሩ እዮም(191) ንዓኣቶም ክረድእዎም ውን ኣይክእሉን፡ ንነፍሶም'ውን ኣይረድኡን እዮም 192} [ኣል ኣዕራፍ፡191-192]
ኩነታት ናይ'ዞም ኣማልኽቲ እዚ ካብ ኮነ ድማ፡ ከም ኣማልኽቲ ምውሳዶም ካብ'ቲ ዝኸፍአ ዕሽነትን፡ ካብ'ቲ ዝዓበየ ጌጋን ሓሶትን እዩ።
ካልኣይ ድማ፡ እዞም ሙሽሪኪን እዚኦም፡ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ንሱ በይኑ ጐይታን ፈጣሪን ምዃኑ፡ እቲ ናይ ኩሉ ነገር ግዝኣት ኣብ ኢዱ ዝኾነ፡ ከምኡ’ውን ንሱ ዝከላኸል እምበር ኣብ ልዕሊኡ ዝከላኸል ከም ዘየልቦን ይኣምኑን ይቕበሉን ኔሮም፣ እዚ ድማ ከም'ቲ ብሩቡብያህ ሓድነቱ ዝኣመንሉ፡ ብኡሉህያህ ውን ንበይኑ ከምልኽዎ የገድዶም ኔሩ። ከምኡ 'ውን ልዑልኣላህ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፦ {ኦ ኣቱም ሰባት ንዝፈጠረኩም፣ብቅድሜኹም ዝነበሩ ውን(ዝፈጠረ) ጎይታኹም ተገዝኡ፤ምእንታን ፍርሒ ከተሕድሩ(21) እቲ ንዓኹም መሬት ምንጻፍ ዝገበረልኩም፡ ሰማይ ውን ብጹኑዕ ዝተሃንጸ ህንጻ ዝገበሮ፡ ካብ ሰማይ ማይ ዘውረደ ካብኡ ንዓኹም ናይ ፍረታት ሽሻይ ዘውጸኣልኩም እዩ'ሞ፡ ስለ'ዚ ንሰኻትኩም እናፈለጥኩም ንኣላህ መሻርኽቲ ኣይትግበሩ። (22)﴿ [ኣልበቐራ፡21-22]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ብሓቂ ንዓኦም መን ከምዝፈጠሮም እንተ ትሓቶም፡ ኣላህ እዮም ዝብሉ፣ እሞ ከመይ ድኣ ኣንፈቶም ናብ ካልእ ዝገብሩ (87)} [ኣ'ዙኽሩፍ:87]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {በል፣ “ካብ ሰማይን ምድርን ሽሻይ ዝህበኩም መን እዩ? ወይስ ምስማዕን ምርኣይን ዝውንን መን እዩ? ካብ ምዉት ህያው ዘውጽእን፡ ካብ ህይወታዊ ድማ ምዉት ዘውጽእን፡ ነገራት ዘመሓድርን'ከ መን እዩ?” ንሳቶም ድማ “ኣላህ” ክብሉ እዮም። “እሞ ኣይትፈርሑዎን ዲኹም?” በሎም። (31) እቲ ሓቀኛ ጎይታኹም ኣላህ ንሱ እዩ። ድሕሪ ሓቂኸ ጥፍኣት እንበር ካልእ እንታይ ኣሎ? ከመይ ኢልኩም'ከ (ካብ ሓቂ) ናብ ካልእ ገጽኩም ትገብሩ? (32)} [ዩኑስ:31-32]።
ራብዓይ ካብ'ቲ እምነት ብኣላህ ዘጠቓልሎ፦ በኣስማቱን መግለጺታቱን ምእማን እዩ።
ማለት፡ ነቲ ኣላህ ንነብሱ ኣብ መጽሓፉ፡ ወይ ብልሳን መልእኽተኛኡ ሙሓመድ [ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም] ዘረጋገጾም ኣስማትን መግለጺታትን፡ በቲ ንዕኡ ዝበቅዕ መገዲ፡ ትርጉሙ ብዘይ ምጥምዛዝ(ትርጉሙ ምቕያር)፡ ዝግባኦ ትርጉሙ ብዘይ ምኽላእ፡ ብኸመይነቱ ብዘይ ምግላጽ፡ ከምኡ'ውን ምስ ኻሊእ ብዘይ ምምስሳል ምርግጋጽ እዩ። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ {ንኣላህ ጽቡቓት ኣስማት ኣለዉዎ፡ በኣኣቶም ድማ ጸውዕዎ። ነቶም ኣብ ኣስማቱ ካብ ሓቂ ዝወጹ ግደፍዎም፤ በቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ድማ መቅጻዕቶም ክረኽቡ እዮም።} [ኣል ኣዕራፍ፡180] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ንዑኡ ድማ ኣብ ሰማያትን ምድርን ዝለዓለ ባህሪ ኣለዎ፡ ንሱ ድማ ዕዙዝ ሓያልን ጥበበኛን እዩ።} [ኣ'ሩም፡27] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {...ዋላ ሓደ ንዑኡ ዝመስል የለን፡ ንሱ ድማ ንኩሉ ሰማዒ ንኩሉ ረኣዪ እዩ}። [ኣሽሹራ፡11]።
ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ክልተ ወገናት ጠፊኦም እዮም፥
እታ ሓንቲ ጉጅለ፡ (ኣል-ሙዓጢላ) ኮይና፡ ንሳቶም ነቲ ኣስማትን መግለጺታትን ኩሉ ወይ ንገሊኡ ዝነጸጉ እዮም፣ እዚ ድማ ነዚ ንኣላህ ምርግጋጹ ንዕኡ ምስ ፍጡራቱ ምምስሳል የስዕብ እዩ ዝብል ናይ ሓሶት ግምት ብምሓዝ እዩ። እዚ ግምቶም ድማ ብብዙሕ ምኽንያታት ሓሶት ኮይኑ ይርከብ፡ ገለ ካብኡ:
ቀዳማይ፡ ከም ኣብ ቃል ኣላህ ሱብሓነሁ ዝርከብ ምቅራን ዝኣመሰሉ ምግርጫዉ ሳዕቤናት የስዕብ ፣ እዚ ድማ፡ ኣላህ ንነብሱ ኣስማትን መግለጺታትን ስለ ዘረጋገጸን፡ ንዕኡ ዝመስል ብፍጹም ከምዘየለ'ውን ስለ ዝነጸገን እዩ። ምርግጋጻ ምምሳል ዘስዕብ እንተዝኸውን ነይሩ፤ ኣብ ቃላት ኣላህ ምግርጫውን ነንሕድሕዱ ምሕስሳውን መስዓበ ነይሩ።
2ይ፡ ክልተ ነገራት ብሓደ ስም ወይ ባህሪ ዝሰማምዑሉ፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ተመሳሰልቲ እዮም ማለት ኣይኮነን፣ ንኣብነት ክልተ ሰባት ነፍሲ ወከፎም ሰብ፡ ሰማዒ፡ ረኣዪን፡ ተዛራባይን ኣብ ምዃን ይሰማምዑ፣ ካብዚ ዝተላዕለ ግን፡ ኣብ ሰብኣዊ ባህርያት፡ ምስማዕን፡ ምርኣይን፡ ምዝራብን ክመሳሰሉ ግድን ኣይኮነን።
ንእንስሳታት ውን ኣእዳውን፡ ኣእጋርን፡ ኣዒንትን ኣለዎም። እዚ ምምስሳሎም ግን፡ ናይ ነናቶም ኣእዳውን፡ ኣእጋርን፡ ኣዒንትን ተመሳሳሊ ክኸውን ኣይገደዶን።
ኣብቶም ፍጡራት፡ በቲ ዝሰማምዕሉ ኣስማት ይኹን ባህሪያት ፍልልይ ካብ ተራእየ፤ እቲ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘሎ ፍልልይ ድማ ዝበለጸን ንጹርን ዝዓበየን እዩ።
እታ ካልአይቲ ጉጅለ: (ሙሸቢሃ) እዚኣቶም ነቶም ኣስማትን ባህርያትን ዘጽደቑ፡ ምስኡ ከኣ ንኣላህ ምስ ፍጥረታቱ ዘመሳስሉ እዮም። እዚ ድማ ትሕዝቶ ናይቶም ጥቕስታት ዘመልክቶ እዩ ዝብል ግምት ኣለዎም፤ ምኽንያቱ ኣላህ ንባሮቱ በቲ ዝርድእዎ ነገር እዩ ዝዛረቦም። እዚ ግምት እዚ ግና ጌጋ እዩ፤ እዚ ድማ ብብዙሕ ምኽንያታት፡ ካብኣቶም:
ቀዳማይ፡ ኣላህ ንፍጡራቱ ምምሳል ብዓቕልን ብሸሪዓን ዝተኾነነ ነገር ኮይኑ፡ ናይ ቑርኣንን ሱናን ጭብጥታት ድማ ጌጋ ነገር ክኸውን ኣይክእልን።
ካልኣይ፡ ኣላህ ንባሮቱ በቲ ብመሰረታዊ ትርጉሙ ዝርድእዎ ነገር ተዛሪብዎም እዩ። እቲ ሓቅን ትኽክለኛ መንነትን ናይ'ቲ ትርጉም ግን ብዛዕባ ህላውኡን ባህርያቱን ዝምልከት ካብ'ቲ ልዑል ኣላህ ፍልጠቱ ንበይኑ ዝሓዞ እዩ።
ኣላህ ንነፍሱ ሰማዒ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ፤ ምስማዕ ብመሰረታዊ ትርጉሙ (ንሱ ድማ ድምጽታት ምስትውዓል እዩ) ፍሉጥ እዩ። ግን ሓቀኛ ባህሪኡ ብዝምልከት ምስማዕ ልዑል ኣላህ ግን ፍሉጥ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሓቀኛ ባህሪ ምስማዕ ኣብ ፍጡራት እኳ ስለዝፈላለ እዩ፤ ስለዚ እቲ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘሎ ፍልልይ ዝያዳ ግሉጽን ዝዓበየን እዩ።
ኣላህ ተዓላ ብዛዕባ ነፍሱ ኣብ ልዕሊ ዓርሹ(ዝፋን) ሓፍ(ኣብ ልዕሊኡ ምዅን)ከም ዝበለ ምስ ሓበረ፤ እቲ ሓፍ ምባል ከም መሰረታዊ ትርጉሙ ፍሉጥ እዩ፣ ግና ሓቀኛ ባህሪ ናይ'ቲ ኣላህ ኣብ ልዕሊ ዓርሹ ሓፍ ዝበለሉ ኣገባብ ንዓና ፍሉጥ ኣይኮነን፤ ምኽንያቱ ሓቀኛ ባህሪ ናይ ሓፍ ምባል ኣብ ናይ ፍጡር ዝተፈላለየ ስለዝኾነ። ኣብ ጽኑዕ መንበር ሓፍ ምባል፡ ከም ኣብ ኳረሳ ናይ ሓደ ዘሸግርን ዘንፈርፍርን ዝኾነ ገመል ሓፍ ምባል ኣይኮነን። እዚ ኣብ ጉዳይ ፍጡር ዝተፈላለየ ካብ ኮነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘሎ ፍልልይ ደኣ እሞ ዝያዳ ግሉጽን ዝዓበየን እዩ።
ከም'ዚ ዝገለጽናዮ ብልዑል ኣላህ ምእማን ንኣመንቲ፡ ብዙሓት ዓበይቲ ፍረታት የፍርየሎም፡ ካብኣ'ቶም ድማ፦
ቀዳማይ፡ ንተውሒድ ልዑል ኣላህ ምርግጋጽ፣ እዚ ድማ ተስፋን ፍርሕን ብዘይካኡ ኣብ ካልእ ከይተኣሳሰር፣ ብዘይካኡ ንኻልእ'ውን ከየምልኽ ምግባር ኢዩ።
ካልኣይቲ: ብመሰረት ጽቡቓት ኣስማቱን ላዕለዎት ባህሪያቱን ንኣላህ ምሉእ ብምሉእ ምፍቃርን ምኽባርን።
ሳልሳይ፡ ዒባዳኡ(ኣምልኾቱ) ምርግጋጽ(ሙሉእ ምግባር)፡ ዝኣዘዞ ብምትግባርን ዝኸልከሎ ብምርሓቅን።
*
ብመልኣኽቲ ምእማን
መላእኽቲ: ኣብ ስውር ዓለም ዝነብሩ ፍጡራት ኮይኖም፣ ንልዑል ኣላህ ዘምልኹ እዮም። ካብ ባህርያት ጐይትነትን ኣምላኽነትን ድማ ዋላ ሓንቲ ነገር የብሎምን። ልዑል ኣላህ ካብ ብርሃን ፈጢርዎም፣ ንትእዛዙ ምሉእ ተኣዛዝነትን ንኸተግብርዎ ዝኸውን ሓይሊን ድማ ለጊሱሎም። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ በለ፡ «እቶም ኣብኡ ዘለዉ ድማ ካብ ምምላኹ ኣይዕበዩን፡ ኣይደኽሙን’ውን። ለይትን መዓልትን ከየቋረጹ ይውድስዎ።» [ኣልኣንቢያእ:19-20]።
ንሳቶም ኣዝዮም ብዙሓት ኮይኖም፡ ቁጽሮም ብዘይካ ልዑል ኣላህ ዝፈልጦ የለን። ኣብ ሰሒሐይን ካብ'ቲ ብዛዕባ ሚዕራጅ ካብ ኣነስ ረዲየላሁ ዓንሁ ዝበጸሓና ሓዲስ ከምዝተረጋገጸ፡ ንነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ ሰማይ ዝርከብ ቤት ኣል-ማዕሙር ተገሊጹሉ። ኣብኡ ድማ መዓልታዊ ሰብዓ ሺሕ መላእኽቲ ይሰግዱ፡ ካብኡ ምስ ወጹ ድማ ዳግም ናብኡ ኣይይምለሱን።
እምነት ብመልኣኽቲ ድማ ኣርባዕተ ነገራት ይሓቁፍ፡
ቀዳማይ፡እምነት ብህላዉነቶም
ካልኣይ፡ ነቶም ካብኣቶም ስሞም ዝፈለጥናዮም ብስሞም (ከም ጅብሪል) ክንኣምን፣ ነቶም ስሞም ዘይንፈልጦም ድማ ብሓፈሻ ክንኣምን።
ሳልሳይ፡ በቶም ካብ ባህርያቶም ዝፈለጥናዮም ምእማን እዩ። ንኣብነት ባህሪ ናይ (ጂብሪል)፡ ነብዪ[ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም] ከምዝገለጽዎ፡ ንዕኡ በቲ ዝተፈጥረሉ ባህርያቱ ከምዝረኣይዎ እዩ። ንሱ ድማ ነቲ ኣድማስ ዝሸፈነ ሽዱሽተ ሚእቲ ክንፊ ኣለዎ።
እቲ መልኣኽ'ውን ብትእዛዝ ኣላህ ናብ ቅርጺ ሰብኣይ ክልወጥ ይኽእል'ዩ፣ ከም'ቲ ኣላሁ (ታዓላ) ንጅብሪል ናብ መርየም ክልእኮ እንከሎ ዘጋጠመ እዩ፡ ንዓኣ ብመልክዕ ምሉእ ሰብ ተመሲሉ ተገሊጹላ። ከምኡ’ውን ናብ ነብዪ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምስ ሰዓብቶም ኮፍ ኢሎም እንከለዉ ክመጽእ ከሎ፡ ብመልክዕ ናይ ሓደ ክዳኑ ኣዝዩ ጻዕዳ፡ ጸጉሩ ድማ ኣዝዩ ጸሊም ዝኾነ፡ ምልክት መገሻ ዘይረኣየሉ፡ ካብ ሰዓብቶም ውን ሓደ'ኳ ዘይፈልጦ ሰብኣይ መጺእዎም። ናብ ነብዪ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ቀሪቡ ድማ ኮፍ በለ፡ ኣብራኹ ናብ ኣብራኾም ኣደጊፉ፡ ክልቲኡ ኣእዳዉ ድማ ኣብ ሰለፉ ኣንቢሩ። ንነብዪ ሰዓወ ድማ ብዛዕባ እስልምና፡ ኢማን፡ ኢሕሳን፡ ከምኡ’ውን ብዛዕባ እታ ሰዓትን ምልክታታን ሓተቶም። ነብዪ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ መለሱሉ፡ ንሱ ድማ ተሲኡ ከደ። ድሕሪኡ ነብዪ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ በሉ: «እዚ ጅብሪል እዩ፤ መጺኡኩም ዲንኩም(ሃይማኖትኩም) ክምህረኩም»[8]. [8] ሙስሊም ዝሰነድዎ: መጽሓፍ ኢማን፣ ባብ መግለጺ ኢማን፡ ኢስላምን ኢሕሳንን ከምኡ'ውን ቀደር ኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ብምጽዳቕ ምእማን ግዴታ ምዃኑ፣ ቁጽሪ (8)።
ከምኡውን እቶም ልዑል ኣላህ ናብ ኢብራሂምን ሉጥን ዝለኣኾም መላእኽቲ፡ ብቅርጺ ሰብኡት ነበሩ።
ራብዓይ ካብ'ቲ ብመልኣኽቲ ምእማን ዘጠቕልል፥ በቲ ብትእዛዝ ኣላህ ታዓላ ዝፍጽምዎ ካብ ስራሓቶም ዝፈለጥናዮ ምእማን እዩ፤ ከም ለይትን መዓልትን ብዘይ ምስልቻውን ድኻምን ንዑኡ ምውዳሶምን ምምላኾምን እዩ።
ንገሊኦም ድማ ፍሉይ ዝኾነ ስራሕ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ንኣብነት: ኣብ ዋሕይ (ራእዪ) ልዑል ኣላህ እሙን ዝኾነ ጅብሪል፣ ኣላህ ብእኡ ናብ ነብያትን ልኡኻትን ይልእኮ።
ኣብነት ድማ ሚካኢል፡ ብዝናብን ኣትክልትን ዝተወከለ።
ከምኡ'ውን ኣብነት፡ ኢስራፊል፡ እቲ ኣብ እዋን ምቋም ሰዓትን ትንሳኤ ፍጡራትን ኣብ ቀርኒ ብምንፋሕ ዝተወከለ።
ንኣብነት፡ መልኣኽ ናይ ሞት፡ እቲ ኣብ ግዜ ሞት ህይወት ብምውሳድ ዝተወከለ’ዩ።
ከምኡ'ውን ከም፡ ማሊክ ድማ፦ ንሱ ብሓዊ እሳት ዝተወከለ ኮይኑ፡ ሓላዊ ናይ እሳት እዩ።
ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ማህጸን ብዛዕባ ዕሸላት ዝተወከሉ መላእኽቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምስ ኣማልአ፡ ልዑል ኣላህ ሓደ መልኣኽ ናብኡ ይልእኽ እሞ፡ ርዝቁን፡ ዕድሚኡን፡ ተግባሩን፡ ሕሱም ወይስ ሩሑስ ምዃኑን ክጽሕፍ ይእዝዞ።
ከምቶም ተግባራት ደቂ ሰባት ዓቂቦም ዝጽሕፉ መልኣኽታት፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ክልተ መልኣኽታት ኣለዉዎ፡ እቲ ሓደ ብየማን፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብጸጋም።
ከም ኣብነት፡ ሓደ ምውት ኣብ ቀብሩ ምስ ተቀመጠ፡ ክልተ መላእኽቲ ይመጽዎ እሞ፡ ብዛዕባ ጎይትኡን፡ ሃይማኖቱን፡ ነቢዩን ይሓትዎ።
ብመላእኽቲ ምእማን ብዙሓት ዓበይቲ ጥቕምታት ኣለዎ፡ ካብኡ ከኣ፡-
ቀዳማይ:- ብዕቤትን ሓይልን ስልጣንን ኣላህ ንጹህን ልዑልን ዝኾነ ምፍላጥ ኮይኑ፡ ዕቤት ናይ ፍጡር ንዕቤት ናይ ፈጣሪ ስለ ዘመልክት እዩ።
ካልኣይቲ፡ ኣላህ፡ በቲ ንደቂ ኣዳም ዝገብረሎም ሓልዮት ምምስጋን፣ ከመይሲ ካብዞም መልኣኽቲ፡ ዝሕልውዎም፡ ተግባራቶም ዝጽሕፉ፡ ከምኡ’ውን ካልእ ጥቕምታቶም ዝከታተሉ ወኪሉሎም እዩ።
ሳልሳይ፡ ንመልኣኽቲ በቲ ዝፍጽምዎ ናይ ኣላህ ዒባዳ(ኣምልኾት) ምፍቃር።
ካብቶም ካብ ቅኑዕ መንገዲ ዝሰሓቱ(ዝሃውተቱ) ገለ ሰባት መላእኽቲ ኣካላት ምዃኖም ክሒዶም እዮም። ንሳቶም ኣብ ፍጡራት ዝተሰወረ ናይ ጽቡቕ ሓይልታት መግለጺ እዮም`ውን ኢሎም። እዚ ድማ ንመጽሓፍ ልዑል ኣላህን፡ ሱና ናይ መልእኽተኛኡ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)ን፡ ሓባራዊ ስምምዕ ሙስሊሚንን ምሕሳው እዩ።
ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ምስጋና ን ኣላህ ነቲ ሰማያትን ምድሪን፤ክልተ፡ሰለስተ፡ ኣርባዕተ፡ ኣኽናፍ ዝውንኑ መላእኽቲ ዝለኣኸን ዝፈጠረን ይኹን...} [ፋጢር፡1]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {መላእኽቲ ነቶም ዝኸሓዱ፡ ገጾምን ዝባኖምን እናወቕዑ ነፍሶም ክወስዱ ከለዉ እንተትርኢ ኔርካ...} [ኣልኣንፋል፡50]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {...ንበደለኛታት ኣብ ስቓይ ሞት ከለዉ፡ መላእኽቲ ድማ ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ‘ነፍሳትኩም ኣውጽኡ’ ክብልዎም ከለዉ እንተትርኢ ኔርካ...} [ሱረቱል ኣንዓም፡93]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {...ካብ ልቦም ፍርሂ ኣብ ዝተወገደሉ እዋን፡ ይብሉ “ጎይታኹም እንታይ በለ፧”።ንሳቶም ከኣ “ሓቂ ኢሉ” ይብሉ። ንሱ (ኣላህ) ድማ እቲ ልዑልን ዓብይን እዩ።} [ሰባእ፡ 23]
ከምኡ'ውን ብዛዕባ ሰብ ጀና(ገነት) ይብል: {...መላኢካታት ድማ ብኹሉ ማዕጾ ናብኣቶም ይኣትዉ እሞ፡ "ብምኽንያት እቲ ዝተዓገስኩሞ ሰላም ኣብ ልዕሊኹም ይኹን። መወዳእታ ናይ'ታ መወዳእታ (ጀና) ክንደይ ዝጸበቐት እያ!" ይብልዎም።} [ኣ'ራዕድ፡23-24].
ከምኡ'ውን ኣብ ሰሒሕ ቡኻሪ ዝተሰነደ ካብ ኣቡ ሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ ዝበጸሓና ሓዲስ ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሎም ይብሉ፥ «ኣላህ ንሓደ ባርያ ምስ ዝፈተዎ: ንጅብሪል ይጽውዖ'ሞ: ‘ኣላህ ንእገሌ ፈትዩዎ ኣሎ'ሞ ፍተዎ’ ይብሎ። ጅብሪል ድማ ይፈትዎ። ድሕሪኡ ጅብሪል ነቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ይጽውዖም'ሞ: ‘ኣላህ ንእገሌ ፈትዩዎ ኣሎ'ሞ ንስኻትኩም'ውን ፍተዉዎ’ ይብሎም። እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ ድማ ይፈትዉዎ፣ ድሕሪኡ ኣብ ምድሪ ተቐባልነት ይግበረሉ»[9]. [9] ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ በድእ ኣል-ኸልቅ (መጽሓፍ መጀመርታ ፍጥረት)፡ ባብ ዚክር ኣል-መላኢካ (ምዕራፍ ዝኽሪ መላእኽቲ)፡ ቁጽሪ (3037)። ሙስሊምን: ኪታብ ኣል-ቢር ወስ-ሲላ ወል-ኣዳብ (መጽሓፍ በጎነት፡ ዝምድናን ስነ-ምግባርን)፡ ባብ ኢዛ ኣሓበ-ላሁ ዐብደን ሓበበሁ ኢላ ዒባዲህ (ኣላህ ንሓደ ባርያ ምስ ኣፍቀሮ፡ ኣብ ባሮቱ ፍቁር ይገብሮ)፡ ቁጽሪ (2637)።
ከምኡ'ውን ካብ ኣቡ ሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ: ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሎም ይብሉ፥ «ጁምዓ መዓልቲ ምስ ኮነ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ደገ ናይ መስጊድ መላኢካታት ይኾኑ፡ ቀዳማይ ንዝመጸ ቀጺሉ ነቲ ዝስዕቦ እናጸሓፉ። ኢማም ምስ ኮፍ ምስ በለ፡ ነቲ መዝገብ ይዓጽውዎ፡ ነቲ ምኽሪ ንምስማዕ ድማ ይመጹ»[10]. [10] ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ጁሙዓ፣ ባብ ኣል-ኢስቲማዕ ኢላ ኣል-ኹጥባ፣ ቑጽሪ (887)፣ ሙስሊም'ውን: ኪታብ ኣል-ጁሙዓ፣ ባብ ፈድል ኣት-ተህጂር የውም ኣል-ጁሙዓ፣ ቑጽሪ (850)።
እዞም መርትዖታት እዚኦም፡ መላእኽቲ፡ ከም'ቲ እቶም ጡፍኣት ዝብልዎ መንፈሳዊ ሓይልታት ዘይኮኑስ፡ ኣካላት ምዃኖም ብንጹር የረድኡ። ሙስሊሙን ድማ በዚ መሰረት ተሰማሚዖምሉ።
*
እምነት ብመጻሕፍቲ
መጻሕፍቲ: ናይ (መጽሓፍ) ብዙሕ ቍጽሪ ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ (ጽሑፍ) እዩ።
ኣብ'ዚ ዝተደልየ ትርጉም ድማ፡ እተን ልዑል ኣላህ ንፍጡራት ከም ምሕረትን ንዐኦም ድማ ከም መምርሒን ገይሩ፡ በኣኣተን ኣቢሎም ኣብ ኣዱንያን ኣኼራን ናብ ሓጎሶም ምእንቲ ክበጽሑ፡ ኣብ ልዕሊ ልኡኻቱ ዘውረደን መጻሕፍቲ እየን።
እምነት ብመጻሕፍቲ ድማ ኣርባዕተ ነገራት ይሓቁፍ፡
ቀዳማይ፡ ምውራድ መጻሕፍቲ ካብ ኣላህ ሓቂ ከምዝኾነ ምእማን።
ካልኣይ፡ ካብኣተን ስመን ዝፈለጥናየን ብፍላይ ብስመን ምእማን፡ ከም እቲ ኣብ ልዕሊ መሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ) ዝወረደ ቑርኣንን፡ እታ ኣብ ልዕሊ ሙሳ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ዝወረደት ተውራትን። ኣብ ልዕሊ ዒሳ [ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ] ዝወረደ ኢንጂልን ከምኡ’ውን ነቲ ንዳውድ [ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም] ዝተዋህቦ ዘቡር፡ ነቲ ስሙ ዘይንፈልጦ እንተኾነ ድማ ብሓፈሻ ንኣምነሉ።
ሳልሳይ፡ ነቲ ጽሩይ ዝኾነ ዜናታተን ሓቅነቱ ምርግጋጽ፣ ከም ዜናታት ቑርኣንን፡ ካብቶም ዝሓለፉ መጻሕፍቲ እቲ ዘይተለወጠን ዘይተበርዓነን ዜናታትን።
ራብዓይ፡ በቲ ካብኣተን ዘይተተክአ ሕግታት ምስራሕ፡ ጥበቡ(ምኽንያቱ) እንተተረድኣና ይኹን እንተዘይተረድኣና ብእኡ ምዕጋብን ምቕባልን፡ ኩለን እተን ዝሓለፋ መጻሕፍቲ ድማ ብቁርኣን ኣልዓዚም ከምዝተተክኣ ምእማን። ኣላሁ ታዓላ ከም'ዚ ይብል፥ {ናብኻ ነቲ መጽሓፍ (ቁርኣን)፡ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መጽሓፍ ዘረጋግጽን ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ሓላውን ምስክርን ኮይኑ ብሓቂ ኣውሪድናዮ...} [ኣል ማኢዳህ፡48] እዚ ማለት፡ ኣብኡ ገዛኢ ምዃኑ።
በዚ መሰረት፡ ብዝኾነ ይኹን ሕጊ ካብ ሕግታት ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መጽሓፍቲ ምስራሕ ኣይፍቀድን፣ ብጀካ እቲ ካብኡ ትኽክል ዝኾነን ቁርኣን ዘረጋገጾን።
ብመጻሕፍቲ ምእማን ድማ ዓበይቲ ጥቕምታት የፍሪ፡ካብኡ ድማ:
ቀዳማይ፡ እቲ ኣላህ ንባሮቱ ዝገብረሎም ሓልዮት ምፍላጥ እዩ፤ ከመይሲ ንኹሉ ህዝቢ ዝመርሖም መጽሓፍ ኣውሪዱሎም እዩ።
ካልኣይቲ፡ ኣብቲ ሕጊ ኣላህ ዘሎ ጥበብ ምፍላጥ፤ ምኽንያቱ ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ነቲ ኩነታቶም ዝሰማማዕ ስለ ዝሰርዓሎም እዩ። ከምኡ'ውን ኣላሁ ታዓላ ይብል፥ "{...ንነፍሲ ወከፍ ህዝቢ ካባኻትኩም ፍሉይ ሕግን ንጹር መንገዲን ሰሪዕና...}" [ኣል ማኢዳህ፡48]
ሳልሰይቲ፡ በዚ ንዘሎ ጸጋ ኣላህ ምምስጋን።
*
እምነት ብልኡኻት
ሩሱል፡ ናይ (ረሱል) ሓባራዊ ስም ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ (ሙርሰል)፡ ማለት፡ ሓደ ነገር ንምብጻሕ ዝተላኣኸ ማለት እዩ።
ትርጉሙ ከኣ፡ ካብ ደቂ ሰባት ኮይኑ፡ ሸሪዓ ዝተዋህቦን ከብጽሖ'ውን ዝተኣዘዘን እዩ።
ቀዳማይ ናይ ልኡኻት ነብዪ ኑሕ ዓለይሂ'ሰላም ኢዩ፡ መወዳእትኦም ድማ ነብዪ ሙሓመድ (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ኢዩ።
ኣላሁ ታዓላ ከም'ዚ ይብል፥ {ንሕና ናባኻ፡ ከም'ቲ ናብ ኑሕን ናብቶም ድሕሪኡ ዝነበሩ ነብያትን ዘውረድናዮ፡ (ዋሕይ) ኣውሪድና ኢና...}። [ኣልኒሳእ፡163]
ከምኡውን ኣብ ሰሒሕ ቡኻሪ፡ ካብ ኣነስ ኢብኑ ማሊክ -ኣላህ ይፍተወሎም- ኣብቲ ናይ ሸፋዓ ሓዲስ ከምዝተወርየ፡ ነብይና (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም)፡ «ሰባት ምእንትኦም ከማልደሎም ናብ ኣዳም ከምዝመጹ ተጠቒሱ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ምኽንያት ሂቡ ከም'ዚ ይብል፥ "ናብ ኑሕ፡ እቲ ቀዳማይ ረቢ ዝለኣኾ ልኡኽ፡ ኪዱ።"» መመላእታ ናይ'ቲ ሓዲስ'ውን ተገሊጹ ኣሎ[11]። [11] ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣተውሒድ፣ ባብ ቃል ኣላህ ተዓላ: (لِمَا خَلَقۡتُ بِيَدَيَّۖ)፣ ቁጽሪ (7410)، ሙስሊምን'ውን: ኪታብ ኣል-ኢማን፣ ባብ ዝተሓተ ደረጃ ሰብ ጀና፣ ቁጽሪ (193)።
ኣላህ ታዓላ ድማ ብዛዕባ መሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም' ዚ ይብል፥ {ሙሓመድ ኣቦ ናይ ሓዲኹም ኣይኮነን ግን ልኡኽ ናይ ኣላህን ናይ ነብይታት መወዳእታን'ዩ}። [ኣልኣሕዛብ]።
ኣብ ዝኾነ ህዝቢ(ሕብረተሰብ)፡ ልዑል ኣላህ ናብ ህዝቡ ብፍሉይ ሕጊ ዝልእኾ ልኡኽ፡ ወይ ድማ ነቲ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕጊ ንኽሐድሶ ዋሕዪ ዝወርዶ ነብዪ ኣይተሳእነን። ልዑል ኣላህ ድማ ከም'ዚ ይብል፡ {ናብ ነፍሲ ወከፍ ሕብረተሰብ ዝለኣኽናዮ ልኡኽ፡ካብ ጣኦት ርሒቖም ንኣላህ በይኑ ንኸምልኹዎ ኢዩ...} [ኣልናሕል፡36]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {...ሓደ ሕብረተሰብ እኳ ተኾነ፡ኣጠንቃቒ ዘይሓለፎ የለን} [ፋጢር፡24]
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ንሕና ብርግጽ ተውራት ኣውሪድና ኢና፡ ኣብ ውሽጣ መምርሕን ብርሃንን ኣሎ። እቶም ንኣላህ እምነቶም ዘወፈዩ ነብያት ነቶም ኣይሁድ ብኣኣ ይፈርዱ ነበሩ...} [ኣል ማኢዳህ:44]
እቶም ሉኡኻት ፍጡራት ዝኾኑ ደቂ ሰባት ኮይኖም፡ ናይ ጎይታ መዓርግ ዘይብሎም ወይ ነቲ ንረቢ ጥራይ ዝግባእ ኣምልኾት ዘይምልከቶም እዮም። ልዑል ኣላህ ድማ ብዛዕባ ነብዩ ሙሓመድ፡ እቲ ዝላዓለ ክብሪ ዘለዎ ካብ ኩሎም ሉኡኻት ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ኣላህ ዝዓበየ መዓርግ ዘለዎን፡ ከም'ዚ ይብል፡ {በል፦ "ንነብሰይ፡ ብዘይካ እቲ ኣላህ ዝደለዮ፡ ጥቕሚ ኮነ ጉድኣት ኣይውንንን።ናይ መጻኢ ዝፈልጥ እንተትኸውን ነይረ ኸኣ፡ ካብ ኸይር መብዛሕኩ ነይረ፡ ክፉእ ነገር ውን ኣይምተንከፈንን። ኣነ ንዝኣምኑ ህዝቢታት ኣጠንቃቕን ኣበሳርን እንበር ካልእ ኣይኮንኩን።"} [ኣል ኣዕራፍ፡188] ።
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {በል)፡ ንዓኻትኩም ዝኾነ ጉድኣት ወላ ቕኑዕ መንገዲ ምምራሕ ኣይውንነልኩምን እየ። 21 (በል)፡ ካብ ኣላህ (ካብ መቕጻዕቱ) ሓደ'ኳ ከዕቁበኒ ኣይክእልን፣ ብጀካኡ'ውን መዕቆቢ ኣይክረክብን እየ 22} [ኣልጂን:21-22]።
ሰብኣዊ ባህርያት ድማ ይወርዶም እዩ፥ ከም ሕማም፡ ሞት፡ ናይ መግቢን መስተን ድሌትን ካልእን፣ ኣላህ ተዓላ'ውን ብዛዕባ ነብዪ ኢብራሂም ዓለይሂ ኣ'ሰላም ንጎይትኡ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን ከም'ዚ ይብል፦ {እቲ ንሱ ዝምግበንን፡ ዘስትየንን፡ ምስ ሓመምኩ ድማ ንሱ የሕውየኒ፡ እቲ ኣሚቱ ድሕሪኡ ድማ ህይወት ዝህበንን} [ኣ'ሹዓራእ:79-81]
ከምኡ'ውን ነብይ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ይብሉ፥ «ኣነ ልክዕ ከማኹም ሰብ እየ፣ ከም'ቲ ትርስዕዎ እርስዕ'የ፣ ስለ'ዚ እንተ ረሲዐ ኣዘክሩኒ»[12]። [12] ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኣብዋብ ኣል-ቂብላ፣ ባብ: ናብ ቂብላ ምዝዋር ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታ፣ ቁጽሪ (392)፣ ወሙስሊም: ኪታብ መስጊዳትን ናይ ሶላት ቦታታትን፣ ባብ: ኣብ ሶላት ምዝንጋዕን ንዕኡ ዝግበር ሱጁድን፣ ቁጽሪ (572)።
ኣላህ ድማ ንዑኡ ባሮት ብምዃኖም፡ ኣብ'ቲ ዝለዓለ ደረጃኦምን ኣብ'ቲ ዝውደሱሉ ኣጋጣሚን ገሊጽዎም እዩ። ኣላህ ታዓላ ብዛዕባ ኑሕ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ይብል: {...ንሱ ብሓቂ ኣመስጋኒ ባርያ ነበረ} [ኣል ኢስራእ:3] ከምኡ'ውን ብዛዕባ ነቢይ መሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሎም: {እቲ ንዓለማት መጠንቀቒ ንክኸውን ኣብ ልዕሊ ባርይኡ ፉርቃን ዘውረደ (ኣላህ) ክብሩ ልዑል ይኹን} 1 [ኣል ፉርቃን፡1]
ከምኡ'ውን ብዛዕባ ነብዪ ኢብራሂምን፡ ነብዪ ኢስሓቅን፡ ነብዪ ያዕቆብን -ዓለይሂሙ'ሰላም- ከም'ዚ ይብል፥ {ንባሮትና ኢብራሂምን ኢስሓቅን ያዕቁብን እቶም ባዓል ጽንዓትን(ሓይልን) ልቦናን ዝነበሩ ዘክር (45) ንሕና ብርግጽ ብፍልይ ዝበለ ጸጋ ኣጽሪናዮም፡ ንሱ ድማ ንመወዳእታ ዓለም ምዝካር እዩ። (46) ንሳቶም ድማ ኣባና ካብቶም ሕሩያትን ቡሉጻትን እዮም።47} [ሳድ:45-47]
ከምኡ'ውን ብዛዕባ ዒሳ ወዳ ንመርየም ከም'ዚ ይብል: {(ዒሳ)፡ ንሱ ጸጋና ዝለገስናሉ፡ ንደቂ እስራኤል ድማ ምሳሌ ዝገበርናዮ ባርያ እምበር፡ ካልእ ኣይኮነን 59}። [ኣ'ዙኽሩፍ፡59]
እምነት ብልኡኻት ድማ ኣርባዕተ ነገራት የጠቓልል፦
ቀዳማይ: መልእኽቶም ካብ'ቲ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ሓቂ ምዃኑ ምእማን፣ ስለ'ዚ ብናይ ሓደ መልእኽቲ ዝኸሓደ ሰብ ብኹሎም ከም ዝኸሓደ እዩ፣ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ህዝቢ ኑሕ ንልኡኻት ክሒዶሞም (105)} [ኣልሹዓራእ:105] ኣላህ ንኹሎም ልኡኻት ከም ዘሓሰዉ ጌሩዎም፡ ኣብ'ቲ ንዕኡ ዘሓሰዉሉ እዋን ብጀክኡ ካሊእ ልኡኽ እኳ እንተዘይነበረ፣ በዚ መሰረት እምበኣር፡ እቶም ንሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝኸሓድዎን ዘይተኸተልዎን ክርስትያን፡ ንሳቶም ንመሲሕ ወዲ መርየም`ውን ከም ዝኻሓዱ ኮይኖም፡ ሰዓብቱ'ውን ኣይኮኑን። ብፍላይ ንሱ ብዛዕባ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብስራት ሂብዎም እንከሎ፡ ናይ'ዚ ብስራት'ዚ ትርጉም ድማ፡ ኣላህ ብኡኡ ገይሩ ካብ ጥፍኣት ዘድሕነሎምን ናብ ቕኑዕ መንገዲ ዝመርሓሎምን ናብኣቶም ዝተላእኸ ልኡኽ ምዃኑ እምበር ካልእ ኣይኮነን።
ካልኣይ፡ ካብ'ቶም ስሞም ዝፈለጥናዮም ከም በዓል ሙሓመድ፡ ኢብራሂም፡ ሙሳ፡ ዒሳን ኑሕን -ዓለይሁም'ሰላም ይኹን- ብፍሉይ በብስሞም ምእማን። እዞም ሓሙሽተ ካብ'ቶም ሉኡኻት ሰብ ጽኑዓት መትከል ዝበሃሉ ኮይኖም፡ ልዑል ኣላህ ድማ ኣብ ክልተ ቦታታት ናይ ቁርኣን ኣብ'ቲ ቃሉ ጠቒስዎም ኣሎ፦ {ንሕና ካብ ነቢያት ቃል(መብጽዓ) ፡ ካባኻን ካብ ኑሕን፡ ኢብራሂምን፡ ሙሳን ዒሳ ወዲ መርየምን ኣብ ዝወሰድናሉ ግዜ፡ ካብኣቶም ጽኑዕ ቃል ወሲድና ኢና7} [ኣልኣሕዛብ፡7] ከምኡ'ውን ኢሉ:- {ንዓኹም ካብ ሃይማኖት፡ ነቲ ንኑሕ ዝኣዘዞን፡ ነቲ ናባኻ ዘውረድናዮ(ዋሕይ)፡ ከምኡ'ውን ነቲ ንኢብራሂምን ሙሳን ዒሳን፡ 'ሃይማኖት ብግቡእ ሓዝውዎ ኣብኡ ድማ ኣይትፈላለዩ' ብምባል ዝኣዘዝናዮም ሓጊግልኩም እዩ። እቲ ናብኡ(ተውሒድ) ትጽውዕዎም ዘለኹም ኣብ ልዕሊ ሙሽሪኪን ከቢዱ እዩ። ኣላህ ንዝደለዮ ይመርጽ፡ ናብኡ ንዝተመለሰ ድማ ናብ (ምንሳሕ) ይመርሖ። 13} [ኣ'ሹራ፡13]።
እቶም ካብኣቶም ስሞም ዘይፈለጥናዮም ድማ ብሓፈሻ ንኣምነሎም። ኣላህ ተዓላ ድማ ከም'ዚ ይብል፦ {ብርግጽ ቅድሜኻ ልኡኻት ሊኢኽና፤ ካብኣቶም ዘዘንተናልካ ኣለዉ፡ ካብኣቶም ድማ ዘየዘንተናልካ ኣለዉ።...} [ቓፊር፡78]
ሳልሳይ:- ነቲ ካብኦም ዝተረጋገጸ ዜናኦም ሓቀነቱ ምርግጋጽ(ምእማን)።
ራብዓይ: በቲ ካብኣቶም ናባና ዝተለኣኸ መምርሒ ምስራሕ፣ ንሱ ኸኣ መዛዘሚኦምን ናብ ኩሎም ሰባት ዝተለኣኸን ሙሓመድ -ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም እዩ። ልዑል ዝኾነ ኣላህ ከም'ዚ በለ: {ኣይፋልን፡ ብጎይታኻ እምሕል፡ ኣብ'ቲ ኣብ መንጎኦም ዝተኻትዑሉ ነገር ንዓኻ ፈራዲ ክሳብ ዝገብሩኻ፡ ድሕሪኡ ድማ ካብ'ቲ ዝፈረድካዮ ውሳነ ኣብ ነፍሳቶም ዝኾነ ዓቅሊ ጽበትን ጥርጣረን ከይረኸቡ፡ ፍጹም ምእዛዝ’ውን ክሳብ ዝእዘዙ፡ ኣይኣምኑን እዮም።} [ኣ'ኒሳእ፡65]
ብልኡኻት ምእማን ዓበይቲ ፍረታት ኣለዎ፡ ካብኡ ከኣ፡-
ቀዳማይ:- ብዛዕባ ምሕረት ኣላህን ንባሮቱ ዘለዎ ሓልዮትን ምፍላጥ እዩ፤ እዚ ድማ ናብ መገዲ ኣላህ ንኽመርሕዎምን ንኣላህ ብኸመይ ከም ዘምልኽዎ ንኸረድእዎምን ናብኦም ልኡኻት ብምልኣኹ እዩ፤ ምኽንያቱ ሰብኣዊ ኣእምሮ ነዚ ብበይኑ ክፈልጦ ስለዘይክእል እዩ።
ካልኣይ- ኣብ ልዕሊ'ዛ ዓባይ ጸጋ'ዚኣ ንኣላህ ምምስጋን።
ሳልሳይ፡ ንልኡኻት (ሰላምን ሰላትን ኣብ ልዕሊኦም ይኹን) ምፍታውን ምኽባሮምን፣ በቲ ዝግብኦም ምሙጋስን እዩ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም ልኡኻት ናይ'ቲ ልዑል ኣላህ እዮም፣ንዑኡ ስለ ዘምልኹን፣ መልእኽቱ ስለ ዘብጽሑን፣ ንባሮቱ ስለ ዝመዓዱን።
እቶም ተጻረርቲ ንልኡኻቶም፡ ልኡኻት ናይ ኣላህ ታዓላ ካብ ደቂ ሰባት ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም! ብዝብል ግጉይ ሓሳብ ሓሰውቲ ኢሎሞም። ኣላህ ታዓላ ድማ ነዚ ሓሳቦም ጠቒሱ፡ ከም'ዚ ዚስዕብ ብምባል ኣፍሪስዎ ኣሎ፥ {ቅኑዕ መገዲ ምስ መጾም ንሰባት ካብ ምእማን ዝኸልከሎም ነገር፡ "ኣላህ ሰብ ልኡኽ ገይሩ ልኢኹ ድዩ፧" ምባሎም ጥራሕ'ዩ። 94 በሎም፡ ኣብ ምድሪ ብርግኣት ዝመላለሱ መላኢካታት እንተዝነብሩ፡ ብርግጽ ካብ ሰማይ መልኣኽ ልኡኽ ጌርና መዉረድናሎም ኔና። 95} [ኣል ኢስራእ:94-95]
ኣላህ ነዚ ግጉይ ሓሳብ'ዚ፡ ልኡኽ ግድን ካብ ደቂ ሰባት ክኸውን ከምዘለዎ ብምግላጽ ኣፍረሶ። ንምንታይሲ፡ ናብ ነበርቲ ምድሪ ዝኾኑ ደቂ ሰባት እዩ ዝለኣኽ። ነበርቲ ምድሪ መልኣኽቲ እንተዝኾኑ ኔሮም ድማ፡ ኣላህ ከምኦም ምእንቲ ክኾኑ ካብ ሰማይ ልኡኽ ዝኾነ መልኣኽ መዉረደሎም ነይሩ። ከምኡ ድማ ኣላህ ታዓላ ብዛዕባ እቶም ንልኡኻት ዘሓሰዉ ከም'ዚ ይብል፥ {...ንስኻትኩም ከማና ሰባት ኢኹም እምበር ካልእ ኣይኮንኩምን። ኣቦታትና ይግዝኡዎ ካብ ዝነበሩ ክትዓግቱና ትደልዩ ኣለኹም። እምበኣር ንጹር መረዳእታ ኣምጽኡልና}። ልኡኻቶም ድማ በልዎም፦ {ንሕና ከማኹም ሰባት ኢና እምበር ካልእ ኣይኮናን፣ እንተኾነ ግን ኣላህ ካብ ባሮቱ ንዝደለዮ ጸግኡ ይልግሰሉ። ብፍቓድ ኣላህ እንተኾነ እምበር መረዳእታ ከነምጽኣልኩም ኣይግባኣናን...}። [ኢብራሂም:10-11]።
*
ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን
ናይ መወዳእታ መዓልቲ: ሰባት ንሕሳብን ክፍሊትን ዝትንስእሉ መዓልቲ ትንሳኤ እዩ።
ከምኡ ተባሂሉ ዝተሰመየ ድሕሪኡ መዓልቲ ስለዘይህሉ እዩ፤ ኣብኡ ድማ ናይ ጀና ሰባት ኣብ ገዛውቶም፡ ሰብ ሓዊ ገሃነም ከኣ ኣብ መዕረፊኦም ዝኾኑሉ ኢዩ።
እቲ ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን ድማ፡ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል፡
ቀዳማይ፡ ብትንሳኤ ምእማን፡ እዚ ድማ ኣብ ቀርኒ እቲ ካልኣይ ምንፋሕ ምስ ተነፍሐ ካብ ሞት ዝትንስእሉ ኢዩ፡ ሰባት ድማ ንጎይታ ዓለማት ጥራይ እግሮም፡ ዕሩቓትን ዘይተከንሸቡን ኮይኖም ዝትንስኡሉ እዩ። ኣላህ ተዓላ በለ፡ {...ከም'ቲ መጀመርታ ዝፈጠርናዮ ንመልሶ ኢና፡ እዚ ኣባና ዘሎ መብጽዓ እዩ፡ ንሕና ብርግጽ ፈጸምቱ ኢና} [ኣልኣንቢያእ:104]።
ትንሳኤ ድማ፡ ብቁርኣንን ሱናን ብኢጅማዕ(ስምምዕ) ሙስሊሚንን ዝተረጋገጸ ሓቂ እዩ።
ከምኡ'ውን ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ: «ኣብ መዓልቲ ትንሳኤ ሰባት ጥራይ እግሮም፡ ዕሩቓትን ከይተከንሸቡን ክእከቡ ኢዩም»[13]። (ቡኻሪን ሙስሊምን ዘውረይዎ)። [13] ሙስሊም ዝሰነድዎ፣ መጽሓፍ ገነትን መግለጺ ጸጋኣን ሰባን፣ ምዕራፍ ጥፍኣት ዱንያን መግለጺ ሓሽሪ(ትንሳኤ) ኣብ መዓልቲ ቂያማን፣ ቁጽሪ (2859)።
ሙስሊሚን ኣብ ርግጽነቱ ስምምዕ ገይሮምሉ ኣለዉ፣ እዚ ድማ ጥበብ ዝጠልቦ እዩ፤ ምኽንያቱ ልዑል ኣላህ ነዞም ፍጡራት፡ በቲ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ዝሰርዓሎም ሕጊ መሰረት ዋግኦም ዝህበሉ መምለሲ መዓልቲ ክገብረሎም ይግባእ። ልዑል ኣላህ ድማ ከም'ዚ ይብል፦ {ዝፈጠርናኩም ብጽወታ(ብኸንቱ)ን ናባና ዘይትምለሱ ዶ ይመስለኩም 115} [ኣልሙእሚኑን:115] ከምኡ'ውን ንነብዩ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ በሎም፥ {ብርግጽ እቲ ቁርኣን ኣብ ልዕሌኻ ግዴታ ዝገበረ፡ ናብ መምለሲኻ ክመልሰካ እዩ}። [ኣልቀሰስ:85]
ካልኣይ፡ እምነት ብሕሳብን ክፍሊትን፡ እዚ ድማ ባርያ ብተግባሩ ዝሕተተሉን፡ በቲ ዝገበሮ`ውን ክፍሊት ዝረኽበሉን እዩ። ነዚ ድማ ቁርኣንን፡ ሱናን፡ ከምኡ`ውን ስምምዕ ሙስሊሚንን የረጋግጽዎ።
ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ብርግጽ ምስ ሞቱ ምምላሶም ናባና እዩ።25 ብድሕሪኡ'ውን ብርግጽ ሕሳቦም ናባና እዩ።26} [ኣልቃሺያህ፡25-26] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ሰናይ ስራሕ ሒዙ ዝመጸ፡ ዓሰርተ ዕጽፊ ዓስቢ ኣለዎ። ሕሱም ስራሕ ሒዙ ዝመጸ ድማ፡ ከምኣ ጥራሕ እዩ ዝኽፈል፡ ንሳቶም ድማ ኣይብደሉን።} [ኣልኣንዓም፡160] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ንመዓልቲ ቂያማ ድማ ትኽክለኛ ሚዛናት ነቐውም፣ ሓንቲ ነፍሲ እኳ ምንም ኣይትብደልን። ክብደታ ክንዲ ፍረ ኣድሪ ዝኾነት እንተነበረት'ውን ነምጽኣ ኢና፡ ንሕና ድማ እኹል ተሓሳሰብትን ቆጸርትን ኢና።} [ኣልኣንቢያእ:47]
ካብ ዓብደላህ ቢን ዑመር ኣብ ዝተወረየ ኣላህ ይፍተወሎም ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወዓላ ኣሊሂ ወሰለም ኢሎም : «ብርግጽ ኣላህ ን ሙእሚን የቕርቦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ከነፉ (ማለት ይሰትሮ) የንብር እሞ ይሰትሮ፡ ድሕሪኡ ከኣ፡ ‘ከም'ዚ ዝበለ ሓጥያት ትፈልጦዶ? ከም'ዚ ዝበለ ሓጥያት ትፈልጦዶ?’ ይብሎ። ንሱ ድማ: ‘እወ ኦ ጎይታይ’ ይብል። ብሓጥያታቱ ምስ ኣእመኖን እቲ ሙእሚን ድማ ኣብ ነፍሱ ከምዝጠፍአ ምስ ረኣየን፡ (ኣላህ) ‘ኣብ ምድረ ዓለም ሸፊነልካ(ሰቲረካ)ነይረ: ሎሚ ከኣ ይቕረ ክብለልካ እየ’ ይብሎ። ሽዑ መዝገብ ጹቡቕ ተግባራቱ ይወሃብ። ንከሓድቲን መናፍቓንን ግን ኣብ ቅድሚ ኩሎም ፍጡራት ከም'ዚ ተባሂሉ ይእወጀሎም: ‘እዚኣቶም እቶም ኣብ ልዕሊ ጎይትኦም ዝሓሰው እዮም። ኣስተውዕሉ! መርገም ኣላህ ኣብ ልዕሊ እቶም በደለኛታት ይኹን።’»[14] (ቡኻሪን ሙስሊምን ዘዉረይዎ)። [14] ቡኻሪ ዝሰነድዎ፡ መጽሓፍ በደላት፣ ምዕራፍ « ኣላ ለዕነቱላሂ ዓለ'ዛሊሚን»፣ ቁጽሪ (2309)፣ ከምኡ’ውን ሙስሊም፡ መጽሓፍ ተውባ፣ ምዕራፍ ተቐባልነት ተውባ ናይ ቀታሊ፡ ብዙሕ ቀቲሉ እኳ እንተኾነ፣ ቁጽሪ (2768)።
ከምኡ'ውን ካብ ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም ዝተረጋገጸ፥ «ሓደ ሰብ ሰናይ ስራሕ ክፍጽም ሓሲቡ ምስ ዝፍጽሞ፡ ኣላህ ዓሰርተ ዓስቢ ይጽሕፈሉ፡ ክሳብ ሸውዓተ ሚእቲ ዕጽፊ፡ ክሳብ ብዙሓት ዕጽፍታት፡ ከምኡ'ውን ሓደ ሰብ እከይ ስራሕ ክፍጽም ሓሲቡ ምስ ዝፍጽሞ ድማ፡ ኣላህ ሓንቲ እከይ ስራሕ ገይሩ ይጽሕፋ»[15]. [15] ሙስሊም ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣል-ኢማን፣ ባብ ሓደ ባርያ ሰናይ ነገር ክገብር እንተሓሲቡ ይጻሓፈሉ፡ ሕማቕ ነገር ክገብር እንተሓሲቡ ድማ ኣይጸሓፍን፣ ቁጽሪ (131)።
ሙስሊሚን ኣብ ልዕሊ ተግባራት ሕሳብን ክፍሊትን ከምዘሎ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም እዮም፡ እዚ ድማ መሰረት ጥበብ እዩ፤ ምኽንያቱ ኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ መጻሕፍቲ ኣውሪዱ፡ ልኡኻቱ ሊኢኹ፡ ኣብ ልዕሊ ባሮቱ ድማ ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ንኽቕበልዎን ካብኡ ውን ነቲ ግዴታዊ ዝኾነ ንኸትግብርዎን ኣገዲድዎም፡ ነቶም ዝቃወምዎ ምውጋእ ድማ ግዴታ ገይሩ፡ ደሞምን፡ ዘርኦምን፡ ኣንስቶምን፡ ንብረቶምን ድማ ሓላል ገይሩ እዩ። ሕሳብን ክፍሊትን እንተዘይህሉ ኔሩ፡ እዚ ነቲ ጥበበኛ ዝኾነ ረቢ ዘይበቅዖ ከንቱ ነገር ምኾነ። ልዑል ኣላህ ከኣ ናብ'ዚ ነገር'ዚ ከም'ዚ ብምባል ኣመልኪቱ ኣሎ፦ {ነቶም ናብኣቶም ዝተላእኩሎም ብርግጽ ክንሓቶም ኢና፣ ንልኡኻት’ውን ብርግጽ ክንሓቶም ኢና። 6 ብፍልጠት ድማ ኣብ ልዕሊኦም ብርግጽ ክንዝርዝረሎም(ከነዘንትወሎም) ኢና። ንሕና ኸኣ ስዉራት ኣይኮንናን። 7} [ኣል ኣዕራፍ:6-7]
ሳልሳይ፡ ብገነትን ገሃነምን፡ ንሳተን ድማ ናይ ፍጡራት ዘልኣለማዊ መንበሪ ከምዝኾና ክንኣምን።
ጀና፡ እታ ኣላህ ነቶም በቲ ኣላህ ክኣምኑሉ ግዴታ ዝገበረሎም ነገር ዝኣመኑ፡ ንኣላህን ንሉኡኹን ዝተማእዘዙ፡ ተግባራቶም ብንጽህና ንኣላህ ጥራሕ ጌሮም ንሉኡኹ ዝተኸተሉ ዝኾኑ ንኣመንትን ፈራህቲ ኣላህን ዘዳለዋ ናይ ሽሽይ ቦታ እያ፣ ኣብ ውሽጣ ድማ ዝተፈላለየ ዓይነት ጸጋታት ኣሎ። «ዓይኒ ፈጺማ ዘይረኣየቶ፡ እዝኒ ፈጺማ ዘይሰምዓቶ፡ ኣብ ልቢ ሓደ ሰብ’ውን ተሓሲቡ ዘይፈልጥ»[16]፣ ኣላሁ ታዓላ ከም'ዚ ይብል፥ {ብርግጽ እቶም ዝኣመኑን፡ ሰናይ ግብሪ ዝፈጸሙን፡ እቶም ዝበለጹ ፍጡራት እዮም። ዓስቦም እቲ ምስ ጎይታኦም ዘሎ ብትሕቲ ኣግራቡን ክፍልታቱን ወሓዚ ዝውሕዝ ጀናታት(ገነታት) ዓድን ንዘልኣለም ንኽነብሩሉ እዩ። ኣላህ ረድዩሎም እዩ: ንሳቶም'ውን በቲ ኣላህ ዝሃቦም ዓጊቦም ረድዮምሉ እዮም፡ እዚ ከኣ ነቶም ንጎይታኦም ዝፈርሁ ዝነበሩ ጥራይ እዩ።} [ኣል-በይናህ፥7-8] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ሓንቲ ነብሲ እኳ በቲ ዝሰርሑዎ ዝነበሩ ጽቡቕ ግብሪ ሽልማት ዝኸውን ካብ'ቲ ዓይኒ ዘሐጉስ ጸጋ እንታይ ከምዝተሓብአላ ኣይትፈልጥን} [ኣ'ሰጅዳ፡17] [16] ኣልቡኻሪ ዝሰነድዎ፡ ኪታብ ኣ'ተፍሲር፣ ባብ ቃሉ: ﴿فَلَا تَعۡلَمُ نَفۡسٞ مَّآ أُخۡفِيَ لَهُم مِّن قُرَّةِ أَعۡيُنٖ﴾፣ ረቀም (4501)፡ ን ሙስሊም: ኪታብ ኣልጀና ወሲፈት ነዒሚሃ ወኣህሊሃ፣ ረቅም (2824)።
እሳት ድማ፡ እታ ኣላህ ተዓላ ነቶም ብእኡ ዝኸሓዱን ንልኡኻቱ ዝዓመጹን ዝኾኑ በደለኛታት ከሓድቲ ዘዳለዋ ናይ ስቓይ ገዛ እ ኮይና፣ ኣብ ውሽጣ ኣብ ኣእምሮ ዘይስኣል ዓይነት ስቓይን መቕጻዕትን ኣሎ። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ንከሓድቲ ዝተዳለወት እሳት ፍርሁ 131} [ኣለ ዒምራን:131] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {በል፦ እቲ ሓቂ ካብ ጎይታኹም እዩ። ዝደለየ ይእመን፣ ዝደለየ ድማ ይክሓድ። ንሕና ነቶም በደለኛታት መናድቑ ዝኸበቦም ሓዊ እሳት ኣዳሊናሎም ኣለና። ረድኤት እንተለመኑ ድማ፡ ንገጽ ከም ዝጠብስ ዝመኸኸ ነሓሲ ወይ ከም ዝቃጸል ዘይቲ ማይ ክወሃቦም ኢዩ። እቲ መስተ ክንደይ ዝኸፍአ እዩ! መዕረፊኣ ድማ ክንደይ ዝኸፍአት እያ!} [ኣልካህፍ፡29] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ብሓቂ ኣላህ ንከሓድቲ ረጊምዎም እዩ፣ ንዓኣቶም ድማ ሰዒር(ዝነድድ ሓዊ፡ ኣዝዩ ዉዑይ) ኣዳሊሉሎም ኣሎ (64) ኣብኣ ንዘልኣለም ነበርቲ ኮይኖም። ረዳእን ሓጋዝን ድማ ኣይረኽቡን እዮም (65) በታ ገጾም ኣብ ሓዊ እትግልበጠላ መዓልቲ “ወይልና! ንኣላህን ነቲ ልኡኽን እንተንእዘዝ ነይርና” ክብሉ እዮም (66)} [ኣልኣሕዛብ፡64-66]
ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን ዓበይቲ ፍረታት ኣለዎ፡ ካብኡ ከኣ፥
ቀዳመይቲ፥ ዓስቢ ናይ'ታ መዓልቲ ተስፋ ብምግባር፡ ንኣላህ ንምእዛዝ ድሌትን ተገዳስነትን ምሕዳር።
ካልኣይቲ: ካብ ዓመጽ ምግባርን ብኡ ምሕጓስን ምፍራሕ: እዚ ድማ ንመቕጻዕቲ ናይ'ታ መዓልቲ ብምፍራሕ'ዩ።
ሳልሳይ፡ ንምእመን በቲ ካብ ጸጋ ኣኼራን ዓስባን ዝጽበዮ፡ ካብ'ቲ ምድረ ዓለም(ኣዱንያ) ዝሓልፎ ምጽንናዕ።
ከሓድቲ ነቲ ድሕሪ ሞት ዘሎ ትንሳኤ፡ ዘይከኣል እዩ ብምባል ክሒዶሞ።
እዚ ሞጎት እዚ ፉሩስ(ንጹግ) ኮይኑ፡ብመርትዖ ሸሪዓን፡ ሓዋሳትን፡ ኣእምሮን ድማ የፍርሶ።
ብመሰረት ሸሪዓ፡ ኣለሁ ታዓላ ከም'ዚ ይብል: {እቶም ዝኸሓዱ ካብ ሞት ኣይንትንስእን ኢና'በሉ።"ኣይፋልን! ብጎይታይ እባ እምሕል ብርግጽ ካብ ሞት ከም እትትንስኡ፥ ብድሕሪኡ'ውን እቲ ኩሉ ኣብ ኣዱንያ እትገብርዎ ዝነበርኩም ከምእትንገሩ፡ እዚ'ውን ኣላህ ንኽገብሮ ቀሊል ነገር እዩ" በሎም።} [ኣተቓቡን:7] ኩሎም ሰማያውያን መጻሕፍቲ ድማ ኣብኡ ተሰማሚዖም እዮም።
ብኣካል ዝረአ መርትዖ እንተኾነ ድማ፡ ኣላህ ንባሮቱ ኣብ'ዛ ኣዱንያ እዚኣ ሙዉታት ከምዘሕዊ ብርግጽ ኣርእይዎም እዩ። ኣብ ዓንቀጽ ኣልበቐራ ድማ ነዚ ዝምልከት ሓሙሽተ ኣብነታት ይርከብ፡ ንሳቶም ድማ፡
ቀዳማይ ኣብነት: ህዝቢ ናይ ነብዪ ሙሳ ከም'ዚ ክብልዎ ከለዉ፡ {...ንኣላህ ብግልጺ ክሳብ ዘይረኣናዮ ፈጺምና ኣይንኣምነካን ኢና...} [ኣልበቐራ:55] ኣላህ ተዓላ ድማ ኣሚትዎም፡ ብድሕሪኡ ህይወት ኣልቢስዎም፣ ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ ኸኣ ኣላሁ ታዓላ ን ደቂ ኢስራኢል ከም'ዚ ይብሎም: {እቲ፡ “ኦ ሙሳ! ንኣላህ ብግልጺ ክሳብ እንርእዮ ብፍጹም ኣይንኣምነካን ኢና” ዝበልኩምሉ እዋን፡ ንስኻትኩም እናረኣኹም ከለኹም በርቂ ሒዛትኩም። 55 ድሕሪኡ ካብ ድሕሪ ሞትኩም ምእንታን ክተመስግኑ ኣተንሳእናኩም። 56} [ኣልበቐራ:55-56]
ካልኣይ ኣብነት: ኣብ ዛንታ እቲ ደቂ ኢስራኢል ዝተኻሰሱሉ ዝተቐትለ ሰብ፣ ኣላህ (ተዓላ) ሓንቲ ላም ክሓርዱን ብገለ ካብኣ ድማ ነቲ ዝተቐትለ ክወቅዕዎን ኣዘዞም፤ እዚ ድማ መን ከምዝቐተሎ ምእንቲ ክነግሮም እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ኣላህ (ተዓላ) ከም'ዚ ይብል: {ሓንቲ ነፍሲ ምስ ቀተልኩም ኣብኣ'ውን ንሓድሕድኩም ተኻቲዕኩምን ተኸሳሲስኩምን፥ ኣላህ ግና ነቲ ትሓብእዎ ዝነበርኩም ገላጽዎ ነበረ። ብገለ ክፋላ ውቕዕዎ ኢልና። ልክዕ ከምኡ ድማ ኣላህ ንምዉታት ህይወት ይገብረሎም፥ ምእንቲ ከተኣስተውዕሉ ኢሉ'ውን ተኣምራቱ የርእየኩም።} [ኣልበቐራ:72-73]
ሳልሳይ ምሳሌ: ታሪኽ ናይ'ቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ክንሶም ሞት ፈሪሖም ካብ ኣባይቶም ዝወጹ ህዝቢ፤ ኣላህ ተዓላ ኣሚትዎም፡ ድሕሪኡ ድማ ህይወት መሊስሎም። ብዛዕባ እዚ ድማ ኣላህ ተዓላ ከም'ዚ ይብል፥ {ናብቶም ሞት ፈሪሖም ብኣሽሓት ኮይኖም ካብ ኣባይቶም ዝወጹ ዶ ኣይረኣኻን፣ ኣላህ ድማ ንዐኦም ሙቱ በሎም፡ ብድሕሪኡ ህይወት መሊስሎም። ኣላህ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣዚዩ በዓል ልግሲ እዩ፣ እንተኾነ ግን መብዛሕቲኦም ሰባት ኣየመስግኑን} [ኣልበቀራህ:243].
ራብዓይ ኣብነት፦ ታሪኽ ናይቲ ብሓንቲ ዝሞተት ዓዲ ዝሓለፈ ሰብ ክጥቀስ እንከሎ፡ ኣላህ ህይወት ከምዝገብረላ ዘይኽእል መሲሉዎ ነበረ። በዚ ድማ ኣላህ ንሚእቲ ዓመት ኣሚትዎ፡ ድሕሪኡ ህይወት መሊስሉ። ብዛዕባ'ዚ ድማ ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ {ወይስ ከም'ቲ ብሓንቲ ዓዲ ዝሓለፈ፡ ንሳ ድማ ናሕሳኣ ኣብ ልዕሊኣ ተደፊኡ ዝዓነወት ኮይና ከላ፡ “ኣላህ ነዚኣ ድሕሪ ሞታ ከመይ ጌሩ ህይወት ክህባ እዩ” ዝበለ። ኣላህ ድማ ንሚእቲ ዓመት ኣሞቶ ድሕሪኡ ኣተንሰኦ። “ክንደይ ጸኒሕካ?” በሎ። “ሓደ መዓልቲ ወይ ድማ ገለ ክፋል መዓልቲ ጸኒሐ” በለ። “ኣይፋልካን፡ ሚእቲ ዓመት ጸኒሕካ። ናብ መግብኻን መስተኻን ተመልከት፡ ኣይተበላሸወን። ናብ ኣድግኻ'ውን ተመልከት። ንሰባት ድማ ተኣምር ክንገብረካ ኢና። ናብ'ቲ ኣዕጽምቲ ከመይ ጌርና ከም እነተንስኦ ድሕሪኡ ድማ ስጋ ከም እነልብሶ ተመልከት” በሎ። እቲ ነገር ምስ ተገለጸሉ ድማ፡ “ኣላህ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ክኢላ ምዃኑ ፈሊጠ ኣለኹ” በለ። 259} [ኣልበቀራህ:259]
ሓሙሻይ ኣብነት: ኣብ ዛንታ ኢብራሂም ኣል-ኸሊል፣ ንልዑል ዝኾነ ኣላህ ንምዉታት ከመይ ገይሩ ህይወት ከምዝገብረሎም ከርእዮ ምስ ሓተቶ፤ ልዑል ዝኾነ ኣላህ፡ ኣርባዕተ ኣዕዋፍ ሓሪዱ ኣካላተን መቓቒሉ ኣብ'ቲ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ኣኽራናት ከንብረን፡ ድሕሪኡ ኸኣ ክጽውዐን ኣዘዞ። እቲ ዝተበታተነ ኣካላተን ድማ ነንሓድሕዱ ተጋጣጢሙ እናጎየያ ናብ ኢብራሂም መጻ። ብዛዕባ እዚ ድማ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ {ነብዪ ኢብራሂም «ጎይታይ፡ ንምዉታት ከመይ ጌርካ ህይወት ከም እትገብረሎም ኣርእየኒ» ኣብ ዝበለሉ፡ (ኣላህ) «ኣይኣመንካን'ዶ?» በሎ። ንሱ ድማ «ኣይፋልን! ኣሚነ'የ፡ እንተኾነ ግን ልበይ ምእንቲ ክረግእ ኢለ'የ» በለ። (ኣላህ) «ኣርባዕተ ኣዕዋፍ ሒዝካ ናባኻ ኣኻኽበን፡ ድሕሪኡ ቆራርጸን። ቀጺልካ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጎቦ ካብኣተን ክፋል ኣንብር። ድሕሪኡ ጸውዐን፡ እናጎየያ ክመጻኻ እየን። ኣላህ ሓያልን ጥበበኛን ምዃኑ ድማ ፍለጥ» በለ።} [ኣልበቐራ:260]
እዚኣቶም ድማ ንሙታት ህይወት ምሃብ ከምዝከኣል ዘርእዩ ተግባራውን ሓቀኛን ኣብነታት እዮም። ከም'ቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቀሰ፡ እቲ ኣላህ ንዒሳ ወዳ ን መርየም ካብ ዝሃቦ ተኣምራት ሓደ፡ ንሙዉታት ህይወት ምሃብን ካብ ቀብርታቶም ምውጻእን እዩ -ብፍቓድ ኣላህ።
ኣእምሮኣዊ መረዳእታ ድማ ብክልተ ሸነኽ እዩ፥
እቲ ሓደ፦ ኣላህ ታዓላ ንሰማያትን ምድርን ኣብ ውሽጦም ዘሎን ኹሉ ካብ መጀመርታ ዝፈጠሮም እዩ፣ እቲ ንፍጥረት ካብ መጀመርታ ክፈጥር ዝኸኣለ ድማ እንደገና ንምምላሱ ኣይብርትዖን እዩ። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦ {ንሱ እዩ እቲ ንፍጥረት ዝጅምሮ፡ ድሕሪኡ ድማ ዝመልሶ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐለለ እዩ...} [ኣልሩም፡27] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {...ከም'ቲ ቀዳማይ ፍጥረት ዝጀመርናዮ ንመልሶ ኢና፡ ኣብ ልዕሌና ዝኣተናዮ ቃል እዩ፡ ንሕና ብሓቂ ፈጸምቱ ኢና} [ኣልኣንቢያእ:104] ንሱ ረቢ ድማ ነቶም ንኣዕጽምቲ ዝበለየ ምዉት ህይወት ከምዝገብረልሎም ዝኸሓዱ፡ ምላሽ ክወሃቦም እናኣዘዘ ከም'ዚ በለ፥ {በል፡ ህይወት ዝመልስ እቲ ንፈለማ እዋን ዝፈጠራ እዩ። ንሱ ድማ ብኹሉ ፍጥረት ፈላጥ እዩ 79} [ያሲን:79]
ካልኣይ፡ መሬት ምውትትን ንቕጽትን ኮይና፡ ሓንቲ ልምዕቲ ኦም እኳ ዘይብላ እንትትኸውን፡ ኣብኣ ዝናብ ብምዉራድ። ሽዑ ህያውት ዘልለዋ ልምዕትን ኮይና ትነቓነቕ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ደስ ዘብል ጽምዲ ድማ ተብቁል። እቲ ድሕሪ ሞታ ከሕውያ ዝኸኣለ፡ ንሙታት'ውን ከሕዊ ይኽእል እዩ። ኣላህ ተዓላ ድማ ከም'ዚ በለ፡ {ካብ ምልክታቱ ውን፡ ንስኻ ንመሬት ዝነቐጸት ኮይና ትርእያ፣ ኣብኣ ማይ ምስ ኣውረድናላ ግና ትነቓነቕን ለምለም ትኸዉንን። ብርግጽ እቲ ንዓኣ ህይወት ዝሃባ ንሙዉታት'ውን ህይወት ክገብረሎም እዩ። ብርግጽ ንሱ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ከኣሊ እዩ። 39} [ፉ'ሲለት፡39] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ካብ ሰማይ ዝተባረኸ ማይ ኣውሪድና፡ ብእኡ ጌርና ድማ ጀራዲንን ዝዕጸድ እኽልን ኣብቈልና (9) ከምኡ'ውን ነተን ዝተደራረበ ቆፎ ዘለወን ነዋሕቲ ኣግራብ ተምሪ (10) ንባሮት ሽሻይ ክኸውን፡ ብእኡ ድማ ንምውት ምድሪ ህይወት ገበርና። ካብ መቓብር ምውጻእ'ውን ከምኡ ኢዩ (11)።} [ቃፍ፡9-11]
ምስ'ቲ ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን ዝተኣሳሰረ ድማ፡ ብኹሉ እቲ ድሕሪ ሞት ዝኸውን ምእማን እዩ፣ ከም፡
(ሀ) ፈተነ ቀብሪ፡ ንሱ ድማ ሓደ ምዉት ድሕሪ ምቕባሩ ብዛዕባ ኣምላኹን፡ ሃይማኖቱን፡ ነቢ ናቱን ዝሕተቶ ሕቶ እዩ። ኣላህ ድማ ነቶም ዝኣመኑ ብጽኑዕ ቃል የጽንዖም፡ እቲ ሙእሚን ድማ ከም'ዚ ኢሉ ይምልስ፡ 'ኣምላኸይ ኣላህ እዩ፡ ሃይማኖተይ እስልምና እዩ፡ ነቢየይ ድማ መሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም እዩ።' «ኣላህ ንበደለኛታት የጥፍኦም እሞ እቲ ከሓዲ «ሃህ፡ ሃህ፡ ኣይፈልጥን እየ» ክብል እንከሎ፡ እቲ መናፍቕ ወይ እቲ ተጠራጣሪ ድማ «ኣይፈልጥን እየ፡ ሰባት ሓደ ነገር ክብሉ ሰሚዐዮም ኣነ'ውን ኢለዮ» ይብል።»
(ب) ቅጽዓት ቀብርን ጸጋታቱን፡ እዚ ድማ ነቶም ካብ መናፍቃንን ከሓድቲን ዝኾኑ በደለኛታት እዩ። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ {...ንበደለኛታት ኣብ ስቓይ ሞት ከለዉ፡ መላኢካታት ድማ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ‹ነፍስኹም ኣውጽኡ፤ ሎሚ በቲ ኣብ ልዕሊ ኣላህ ሓቂ ዘይኮነ ትብልዎ ዝነበርኩምን ካብ ዓንቀጻቱ እትዕበዩ ብምንባርኩምን መዋረዲ መቕጻዕቲ ትኽፈሉ ኢኹም› ክብልዎም ከለዉ እንተ ትርእዮም ኔርካ።} [ሱረቱ ኣል-ኣንዓም:93]
ከምኡ'ውን ረቢ ብዛዕባ ህዝቢ ፈርዖን ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {እሳት፣ ንግሆን ምሸትን ኣብኣ ይቐርቡ። እታ ሰዓት (ትንሳኤ) ኣብ እትኾነሉ መዓልቲ ድማ "ንሰዓብቲ ፊርዖን ናብ'ቲ ዝበረተዐ መቕጻዕቲ ኣእትውዎም" (ይበሃል)። (46)} [ቓፊር፡46]
ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም ካብ ዘይድ ኢብን ሳቢት ረዲየላሁ ዓንሁ ኣብ ዝተሓበረ ሓዲስ፡ ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሎም ይብሉ፡ «ንሓድሕድኩም ምቕባር ከይትገድፉ እምበር፡ ነቲ ኣነ ዝሰምዖ ዘለኹ ስቃይ ቀብሪ ከስምዓኩም ንኣላህ ምለመንክዎ ኔረ» ድሕሪኡ ገጾም ሂሎም ከም'ዚ በሉ፥ «ካብ መቕጻዕቲ ሓዊ ብኣላህ ተሓለዉ(ተዓቆቡ)» በሉ፥ ብኣላህ ካብ መቕጻዕቲ እሳት ንዕቆብ፣ በለ፥ «ብኣላህ ካብ ስቃይ ቀብሪ ተዓወዙ» ንሶም: ካብ ስቃይ ቀብሪ ብኣላህ ንዕቆብ (በሉ)፣ ነቢይ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ ከም'ዚ ይብሉ: «ካብ'ቲ ግሉጽን ስዉርን ዝኾነ ፈተናታት ብኣላህ ተዓቆቡ» በሉ፥ ካብ ፊትናታት ካብ'ቲ ዝተጋህደን ዝተሰወረን ብኣላህ ንዕቀብ። በለ፡ «ካብ ፊተና ደጃል ብኣላህ ተዓቀቡ» በሉ: «ነዑዙ ቢላሂ ሚን ፊትነቲ ኣደጃል»[17]። [17] ሙስሊም ዝሰነድዎ፡ መጽሓፍ ጀናን መግለጺ ጸጋታታን ነበርታን፣ ምዕራፍ፡ ንምዉት ኣብ ጀና ወይ ኣብ ሓዊ ዘለዎ ቦታ ምርኣይ፡ ቅጽዓት ቀብሪ ምርግጋጽን ካብኡ ምዕቆቢ ምሕታትን፣ ቁጽሪ (2867)።
እቲ ናይ ቀብሪ ጸጋ ድማ፡ ንሓቀኛታት ሙእሚኒን እዩ። ኣላሁ ታዓላ ድማ ከም'ዚ ይብል፦ {ብርግጽ እቶም "ጐይታና ኣላህ እዩ" ዝበሉ፣ ድሕሪኡ ድማ ዝጸንዑ፣ ኣብ ልዕሊኦም መላኢካታት ይወርዱ: "ኣይትፍርሑን ኣይትሕዘኑን፣ በታ ቃል ተኣትዩልኩም ዝነበረት ጀና ድማ ተበሰሩ።" 30} [ፉ'ሲለት፡30]።
ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {እሞ ነፍሲ ናብ ጐረሮ ምስ በጽሐት ደኣ፧ 83 ንስኻትኩም ከኣ በቲ ግዜ’ቲ ትርእዩ ኣለኹም። 84 ንሕና ድማ ካባኻትኩም ንላዕሊ ናብኡ ዝቐረብና ኢና። ግናኸ ንስኻትኩም ኣይትርእዩን ኢኹም። 85 እሞ ዘይትፍረዱ እንተ ዄንኩም ደኣ፧ 86 ሓቀኛታት እንተ ዄንኩም፡ (ነታ ነፍሲ) ስለምንታይ ዘይትመልስዋ፧ 87 እቲ (ዝሞተ) ካብ'ቶም (ናብ ኣላህ) ዝተቐረቡ እንተ ዀይኑ ግና፡ 88 ዕረፍትን ጽቡቕ ዕረፍትን (ሽቶን) ገነት ጸጋን ኣለዎ። 89} [ኣልዋቂዓ:83-89]
ከምኡ'ውን ካብ ኣል-በራእ ቢን ዓዚብ ረዲየላሁ ዓንሁ ከም ዝተወረየ፡ ነብይ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ እቲ ሙእሚን ኣብ ቀብሩ ንክልተ መላእኽቲ ምስ መለሰሎም ከም'ዚ ኢሎም ይብሉ፥ «ካብ ሰማይ ሓደ ጸዋዒ ይእውጅ: ባርያይ ሓቂ ተዛሪቡ እዩ፡ ካብ ጀና ኣንጽፉሉ፡ ካብ ጀና ድማ ኣልብስዎ፡ ናብ ጀና ዝወስድ መዓጾ'ውን ክፈቱሉ። በለ: ሽዑ ካብ'ቲ ጥዑም መኣዛኣን ሽታኣን ናይ ጀና ይመጽኦ፡ ቀብሩ ድማ ክሳብ ዝነወሐ ቦታ ብዓይኑ ዝርእዮ ርሕቀት ይሰፍሓሉ(ይገፍሓሉ)።» ኣሕመድን ኣቡ ዳውድን ኣብ ነዊሕ ሓዲስ ዘውረዩዎ[18] [18] ኣቡ ዳውድ ዝሰነድዎ፡ ኣብ ኪታብ ኣሱና፡ ምዕራፍ ብዛዕባ ሕቶን መቕጻዕትን ኣብ ቀብሪ፡ ቁጽሪ (4753)፡ ከምኡ'ዉን ኣሕመድ፡ ኣብ ሙስነድ ኣል-ኩፊዪን፡ ሓዲስ ኣል-በራእ ኢብኑ ዓዚብ፡ ቁጽሪ (18534)።
ገሊኦም ካብ'ቶም ሰባት ጥፍኣት ዝኾኑ ህዝቢ ጠፊኦም፡ ነቲ ኣብ ቀብሪ ዘሎ መቕጻዕትን ሽሻይን፡ ንዝረአ ሓቂ ስለዝጻረር ዘይከኣል እዩ ብምባል ከሒዶሞ። ከም'ዚ ድማ በሉ፦ ብሓቂ እቲ ምዉት ኣብ ቀብሩ እንተዝኽፈት ከም'ቲ ዝነበሮ ኮይኑ ምተረኽበ፣ እቲ ቀብሪ'ውን ብስፍሓት ኮነ ብምጽባብ ኣይተለወጠን።
እዚ ኣባሃህላ'ዚ ብሸሪዓ፡ ብተርእዮን(ብምድህሳስ) ብኣእምሮን ጌጋ እዩ፦
ብሸሪዓዊ መዳይ እንተኾነ ድማ፡ ንህልውና መቕጻዕቲ ቀብርን ኣብኡ ዝርከብ ጸጋታትን ዘረጋግጹ ጽሑፋት ኣቀዲሞም ሓሊፎም እዮም።
ኣብ ሰሒሕ ቡኻሪ ካብ ሓዲስ ኢብኒ ዓባስ - ካብ ክልቲኦም ዝተረኸበ ኣላህ ይፍተወሎም - ከም ዝበጸሓና፡ ነብይና {ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም} ካብ ሓደ ካብ'ቶም ኣታኽልቲ(ግራት) መዲና ወጺኦም፤ ድምጺ ክልተ ሰባት ኣብ መቓብሮም ክሳቐዩ ከለዉ ሰሚዖም። ነቲ ሓዲስ ድማ ጠቒሶም፣ ኣብኡ ድማ፡ «ሓዲኦም ካብ ሽንቱ ኣይጥንቀቕን ነበረ» ከምኡ'ው-ን ነቢይ ሙ-ሓመድቌ ኣብ ካልእ ሪዋያ: «ካብ ሽንቱ» «እቲ ካልእ ድማ ብነሚማህ(ዘረባ የመሓላልፍ ኣብ ሞንጎ ሰባት ንከባእስ )ይኸይድ ነበረ» ከምኡ'ውን ኢማም ሙስሊም ኣብ ካልእ ሓዲስ: «ላ የስተንዚሁ ሚነልበውሊ»[19]. [19] ቡኻሪ ዝሰነድዎ: ኪታብ ውዱእ፣ ባብ ብዛዕባ ምሕጻብ ሽንቲ፣ ቁጽሪ (215)።
ብዛዕባ ስምዒት ከኣ፡ እቲ ደቂሱ ዘሎ ሰብ ኣብ ሕልሙ፡ ኣብ ሓደ ሰፊሕን ዘሐጉስን ቦታ ኮይኑ ከምዝተዓንገለ፡ ወይ'ውን ኣብ ሓደ ጸቢብን ዘፍርሕን ቦታ ኮይኑ ከምዝተሳቐየ ይርኢ። ምናልባት ድማ ሓሓሊፉ ካብ'ቲ ዝረኣዮ ዝተላዕለ ካብ ድቃሱ ይበራበር። ንሱ ግን ኣብ ክፍሉ ኣብ ዓራቱ ከም ዘለዎ እዩ ዝህሉ። ድቃስ ድማ ሓው ሞት እዩ፤ ስለ'ዚ ድማ እዩ ልዑል ኣላህ፡ ወፋት(ሞት) ኢሉ ዝሰመዮ። ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡- {ኣላህ ንነፍሳት ኣብ እዋን ሞተን ይወስደን፣ ነተን ዘይሞታ ድማ ኣብ ድቃሰን። ነታ ሞት ዝተፈርደትላ ይሕዛ፣ ነታ ኻልእ ድማ ክሳብ ዝተወሰነ እዋን ይልእካ...} [ኣ'ዙማር፡42]።
ብዛዕባ ኣእምሮ እንተኾነ ድማ፡ ሓደ ዝደቀሰ ሰብ ኣብ ድቃሱ ምስ ሓቂ ዝሰማማዕ ሓቀኛ ሕልሚ ይርኢ፣ ምናልባት'ዉን ንነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብሓቀኛ መልክዖም ይርኢ፣ ንዐኦም ብሓቀኛ መልክዖም ዝረኣዮም ሰብ ድማ፡ ብርግጽ ርእይዎም እዩ። ምስ'ዚ ኩሉ ግን፡ እቲ ዝደቀሰ ሰብ ኣብ ክፍሉ ኣብ ዓራቱ ኮይኑ፡ ግን ካብ'ቲ ዝረኣዮ ነገር ርሑቕ እዩ። እምበኣር፡ እዚ ኣብ ጉዳያት ኣዱንያ ዝከኣል ካብ ኮነ፡ ኣብ ጉዳያት ኣኼራዶ ኣይከኣልን እዩ!?
እቲ ንሳቶም ዝሞግትሉን ዝምርኮስሉን ነገር ከኣ፡ ሓደ ምውት ቐብሩ እንተዝኽፈት ከም'ቲ ዝነበሮ ኮይኑ ከምዝርከብ፡ እቲ ቐብሪ ውን ብስፍሓት ኮነ ብጸቢቡ ኣይልወጥን እዩ። መልሲ ናይ'ዚ ኸኣ ብብዙሕ መዳያት ኮይኑ፡ገለ ካብኡ፥
ቀዳማይ፡ ብሸሪዓ ዝመጸ ነገር፡ ብኸም'ዚ ዝኣመሰለ ፋሹል ዝኾነ ጥርጣረታት ምቅዋም ኣይፍቀድን እዩ፣ እቲ ተቓዋሚ ነቲ ብሸሪዓ ዝመጸ ሓቀኛ ምስትንታን እንተዝገብረሉ፡ ፍሽለት ናይ'ዚ ጥርጣረታት ምፈለጦ ነይሩ። ከምዝተባህለ ድማ፡
ክንደይ'ከ ኣሎ ንቕኑዕ ቃል ዘቋናጹቡ
ጸገሙ ድማ ካብ'ቲ ጥዑይ ዘይኮነ ካብ ኣረዳድኣ እዩ።
ካልኣይ፡ ኩነታት ናይ በርዘኽ ካብ'ቶም ብሓዋሳት ዘይድህሰሱ ናይ ቀይብ(ስውራት ነገራት) ጉዳያት እዩ። ብሓዋሳት ዝድህሰስ እንተዝኸውን ነይሩ፡ እቲ ጥቕሚ ናይ ብ ቀይብ ምእማን ምጠፍአ፣ እቶም ብ ቀይብ ዝኣምኑ ሙእሚንን እቶም ከሓድትን'ውን ኣብ ምርግጋጹ ማዕረ ምኾኑ ነይሮም።
ሳልሳይ: እቲ መቕጻዕትን ጸጋታትን፡ ከምኡ'ውን ስፍሓት ቀብርን ምጽባቡን፡ እቲ ምዉት ባዕሉ ጥራሕ እዩ ዘስተውዕሎ እምበር ካልእ ኣይኮነን። እዚ ድማ ልክዕ ከም'ቲ ደቂሱ ዘሎ ሰብ ኣብ ሕልሙ ኣብ ጸቢብን ዘስካሕክሕን ቦታ፡ ወይ ድማ ኣብ ሰፊሕን ዘሐጉስን ቦታ ከምዘሎ ኮይኑ ዝስምዖ፡ እቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ግና ነዚ ዘይርእይዎን ዘይስምዖምን ምዃኑ እዩ። ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ መንጎ ሰዓብቶም ከለዉ ራእዪ ይውረዶም ነበረ፤ ንሶም ነቲ ራእዪ ይሰምዕዎ፡ እቶም ሰሓባ ግና ኣይሰምዕዎን ነበሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ድማ እቲ መልኣኽ ብኣምሳል ሰብኣይ ተመሲሉ የዘራርቦም ነበረ፡ እቶም ሰሓባ ግና ነቲ መልኣኽ ኣይርእይዎን ወይ ድማ ኣይሰምዕዎን ነበሩ።
ራብዓይ፡ ናይ ፍጡራት ምስተውዕሎ፡ በቲ ኣላህ ዝሃቦም ከስተውዕልዎ ዘኽኣሎም ጥራሕ ዝተወሰነ እዩ፣ ንኹሉ ዘሎ ነገር ከስተውዕሉ ድማ ኣይክእሉን። እቶም ሸውዓተ ሰማያትን ምድርን ኣብ ውሽጦም ዘለዉን ኵሉ ነገርን፡ ንኣላህ ብምስጋና ሓቀኛ ውዳሰ ይውድስዎ፣ ነዚ ውዳሰ እዚ ድማ ኣላህ ካብ ፍጥረታቱ ንዝደለዮ ሓሓሊፉ የስምዖ። ምስ'ዚ ሓቢሩ ድማ ንሱ ካባና ተጋሪዱ'ዩ። ኣላህ'ውን ከም'ዚ ይብል: {ሸውዓተ ሰማያትን ምድርን ኣብ ውሽጠን ዘሎ ኩሉን ንዕኡ ይውድስዎ እዮም። ዝኾነ ነገር ምስጋናኡ ዘየውድሶ የለን፤ ንስኻትኩም ግን ነቲ ውዳሰኦም ኣይትረድእዎን ኢኹም...} [ኣል ኢስራእ:44] ከምኡ ድማ ሰይጣዉንትን ኣጋንንትን ኣብ ምድሪ ይመላለሱ። ኣጋንንቲ ድማ ናብ ልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም መጺኦም፡ ነቲ ንባቡ(ቑርኣን) ጽን ኢሎም ምስ ሰምዑ፡ ናብ ህዝቦም ኣጠንቀቕቲ ኮይኖም ተመሊሶም። ምስ'ዚ ኩሉ ግን ካባና ተሰዊሮም እዮም። ብዛዕባ'ዚ ድማ እቲ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ኣንቱም ደቂ ኣዳም፡ ሸይጣን ከም'ቲ ንክልቲኦም ወለድኹም ክዳኖም ካብኦም እናኣልገሰ ሕፍረቶም ከርእዮም ካብ ገነት ዘውጽኦም፡ ኣይፈታትነኩም። ንሱ ምስ ሰዓብቱን ይርእየኩም ንስኻትኩም ግን ኣይትርእይዎምን ኢኹም። ንሕና ንሰይጣዉንቲ ነቶም ዘይኣምኑ ኣዕሩኽ ጌርናዮም ኢና።} [ኣል ኣዕራፍ፡27] ፍጡራት ንኹሉ ዘሎ ነገር ዘይርድኡ(ዘይበጽሕዎ) ካብ ኮኑ፡ ነቲ ዝተረጋገጸ ናይ ስዉር ነገር፡ ወላ'ኳ እንተዘይተረድእዎ ክኽሕድዎ ኣይግባእን።
*
እምነት ብቐደር
ቀደር (ጽሕፍቶ)፦ ልዑል ኣላህ፡ በቲ ዝቐደመ ፍልጠቱን ጥበቡን መሰረት ንፍጡራቱ ዝወሰኖ ውሳነ እዩ።
እምነት ብቀደር ኸኣ ኣርባዕተ ጉዳያት የጠቓልል፣ ንሳቶም ድማ፦
ቀዳማይ፡ ብኣላህ ንጹህን ልዑልን ዝኾነ፡ ምስ ተግባራቱ ይኹን ምስ ተግባራት ባሮቱ ዝተኣሳሰር ኩሉ ነገር፡ ብሓፈሽኡን ብዝርዝርን፡ ካብ ጥንቲ ንዘልኣለም ዝፈልጥ ምዃኑ ምእማን።
ካልኣይ፡ ኣላህ ነዚ ኣብቲ ሕሉው ዝኾነ መዝገቡ ከምዝጸሓፎ ምእማን እዩ። ኣብዞም ክልተ ጉዳያት እዚኦም ድማ ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ {ኣላህ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ከምዝፈልጥ ኣይትፈልጥን'ዶ፡ እዚ ኣብ መጽሓፍ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ ብርግጽ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣላህ ቀሊል እዩ} [ኣል ሓጅ:70]
ከምኡ'ውን ኣብ ሰሒሕ ሙስሊም ካብ ዓብደላህ ኢብን ዓምሩ ኢብን ኣል-ዓስ (ረዲየላሁ ዓንሁማ) ኣብ ዝተወረየ ሓዲስ ከም'ዚ ኢሎም፡ ንረሱል (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ክብሉ ሰሚዐዮም፡ «ኣላህ ንውሳኔታት ፍጡራት፡ ሰማያትን ምድርን ቅድሚ ምፍጣሩ ብሓምሳ ሽሕ ዓመት ወሲኑዎ።»[20]. [20] ሙስሊም ዝሰነድዎ ኣብ ኪታብ ኣል-ቀደር፣ ባብ ክርክር ነብዪ ኣደምን ነብዪ ሙሳን፣ ቁጽሪ (2653) ።
ሳልሳይ፡ ኩሎም ፍጡራት ብድሌት ናይ ልዑል ዝኾነ ኣላህ እንተኾነ እምበር ብዘይ ድሌቱ ከምዘይከውኑ ምእማን፣ እዚ ድማ ብናቱ ግብሪ ዝተኣሳሰር ይኹን ወይ ብግብሪ ናይ ፍጡራት ዝተኣሳሰር፣ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ብዛዕባ እቲ ናቱ ግብሪ ዝምልከት ከም'ዚ በለ፡ {ጎይታኻ ዝደለዮ ይፈጥርን ይመርጽን...} [ኣል ቀሰስ:68] ከምኡ'ውን ኢሉ:- [...ኣላህ ድማ ዝደለዮ ይገብር} [ኢብራሂም፡27] ከምኡ'ውን ኢሉ:- {ንሱ እቲ ኣብ ውሽጢ ማህጸናት ከም ዝደለዮ ዝቀርጸኩም እዩ...} [ኣለ ዒምራን:6] ከምኡ'ዉን ረቢ ብዛዕባ ተግባር ፍጡራት ይብል: {...ኣላህ እንተዝደሊ ነይሩ፡ ኣብ ልዕሌኹም ምሰ'ለጦም እሞ ምተዋግኡኹም ነይሮም...} [ኣልኒሳእ፡90] ከምኡ'ውን ኢሉ:- ﴾...ጎይታኻ እንተዝደሊ፡ ነዚ ኣይምገበርዎን ነይሮም። ንዓታቶምን ነቲ ሓሶት ዝኣልሙዎን ድማ ግደፎም﴿ [ሱረቱል-ኣንዓም:112]
ራብዐይቲ: ኣብ ሰማይን ምድርን ዘለዋ ነገራት ኩለን፡ ብኣካለንን፡ ባህሪአንን፡ ምንቅስቃሰንን፡ ንኣላህ ልዑል ዝተፈጥራ ምዃነን ምእማን።ልዑል ኣላህ ድማ ከም'ዚ በለ: {ኣላህ ናይ ኩሉ ነገር ፈጣሪ እዩ፤ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ሓላዊ እዩ} [ኣ'ዙመር:62] እቲ ካብ ኩሉ ጎደሎ ኑጻ ዝኾነ ይብል: {...ንኹሉ ነገር ፈጢሩ፡ ብልክዕ መለክዒኡ ድማ ወሲንዎ} [ኣል ፉርቃን:2] ብዛዕባ ነብዪኡ ኢብራሂም ዓለይሂ ኣልሶላቱ ወሰላም ድማ ንህዝቡ ከም'ዚ በሎም ኢሉ ገሊጹ: {ኣላህ ንዓኹምን ትሰርሑዎ ነገርን ዝፈጠረ ኢዩ።} [ኣ'ሳፋት:96]
ከም'ቲ ዝገለጽናዮ ብውሳነ(ጽሕፍቶ) ኣላህ ምእማን፡ ወዲ ሰብ ኣብቶም ብምርጫኡ ዝፍጽሞም ተግባራት ድሌትን ኣብ ልዕሊኦም ድማ ክእለትን ከም ዘለዎ ኣይጋራጨዉን እዩ፤ ምኽንያቱ ሸሪዓን እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅን ነዚ ስለ ዘረጋግጹ እዮም።
ብሸሪዓዊ መዳይ ድማ፡ ኣላህ'ውን ብዛዕባ መሺኣ(ድሌት) ይብል: {... ዝደለየ ናብ ጎይትኡ መምለሲ ይግበር} [ኣ'ነባእ :39]። ከምኡ'ውን ኢሉ:- {...ግራትኩም ብዝደለኽሞ ምጽዎ...} [ኣልበቐራ፡223] ብዛዕባ ኣልቁድራ(ክእለት) ውን ኢሉ: {ንኣላህ ብዝከኣለኩም መጠን ፍርሕዎ፡ ስምዑን ተኣዘዙን...} [ኣ'ተቃቡን:16] ከምኡ'ውን ኢሉ:- {ኣላህ ንሓንቲ ነብሲ ዓቕማ ዝኣክል እምበር ዘይዓቕማ ኣይጽዕናን ኢዩ፣ ዝሰርሓቶ ንዓኣ እዩ፣ ዝፈጸመቶ ድማ ኣብ ልዕሊኣ እዩ...} [ኣልበቐራ:286]።
ኣብ ክውንነት ዘሎ ነገር እንተኾነ፡ ኩሉ ሰብ ድሌትን ክእለትን ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ፡ ብኣኣቶም ድማ ይገብርን ይሓድግን። ኣብ መንጎ እቲ ብድሌቱ ዘጋጥም ከም ምኻድ ዝኣመሰለን፡ እቲ ብዘይ ድሌቱ ዘጋጥም ድማ ከም ምንቅጥቃጥ ዝኣመሰለን ድማ ይፈላልዮ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ድሌትን ክእለትን ናይ'ቲ ባርያ፡ ብድሌትን ክእለትን ናይ ልዑል ኣላህ ኢዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ስለ ዝበለ ኢዩ፡ {እንተደኣ ካባኹም ቅኑዕ መገዲ ሓቅን ኢማንን ክኽተል ዝደሊ ኣሎ ኮይኑ።28 ዝደለኽሞ ናይ ቅንዕና ነገር'ውን ካብ ድልየት ኣላህ ጎይታ ዓለም ኣይወጽእን እዩ። 29 } [ኣ'ተክዊር:28-29] ኩሉ ፍጥረት ግዝኣት ናይ ልዑል ኣላህ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ግዝኣቱ ብዘይ ፍልጠቱን ፍቓዱን ዝኸውን ነገር የልቦን።
እምነት ብቀደር ከኣ -ከም'ቲ ዝገለጽናዮ- ንባርያ፡ ኣብ'ቲ ዝገደፎ ግዴታታት ወይ ዝፈጸሞ ሓጢያታት መመኽኔታ ኣይህብን እዩ። በዚ መሰረት እዚ፡ ብኡ ምምኽናዩ ድማ ብብዙሕ ገጻት ፋሽል እዩ።
ቀዳማይ: ኣላሁ ታዓላ ኢሉ:- {እቶም ዘሻርኹ፡ "ኣላህ እንተዝደሊ ኔሩ ንሕናን ኣቦታትናን መሻርኽቲ ኣይምገበርናን፡ ዝኾነ ነገር'ውን ሓራም ኣይምገበርናን" ክብሉ እዮም። ከም'ዚ ኢሎም እዮም እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ንነብያቶም ክሒደሞም ክሳብ መቕጻዕትና ዝጥዕሙ ኮይኖም። ኣንታ ነብዪ በሎም፡ "ንዓና እተውጽእልና ፍልጠት'ዶ ኣሎኩም፧ ንስኻትኩም ብዘይካ ግምት ካልእ ኣይትኽተሉን ኢኹም፡ ንስኻትኩም'ውን ትሕስዉ ጥራሕ ኢኹም"።} [ኣል ኣንዓም:148] ብቀደር መርትዖ ተዝህልዎም ነይሩ፡ ኣላህ መቕጻዕትኡ ኣይመጥዓሞምን ነይሩ።
ካልኣይ- ኣላህ ታዓላ ይብል:- {ኣበሰርትን ኣጠንቀቕትን ዝኾኑ ልኡኻት፡ ብድሕሪኦም ንሰባት ኣብ ልዕሊ ኣላህ ዝኾነ መርትዖ ምእንቲ ከይህልዎም። ኣላህ ድማ ሓያልን ጥበበኛን እዩ።} [ኣ'ኒሳእ፡165] ቀደር ንጠሓስቲ(ኣንጻር) መመኽነይታ እንተዝኸውን ኔሩ፡ ልኡኻት ምልኣኽ ዋጋ ኣይምሃለዎን፤ ምኽንያቱ እቲ ድሕሪ ምልኣኾም ዝፍጽም ምጥሓስ እውን ብቀደር ልዑል ኣላህ እዩ ዝኸውን።
ሳልሳይ: ዓሊ ኢብኑ ኣቢ ጣሊብ ረቢ ይፍተውሎም ኣብ ዘውረዩዎን ቡኻርን ሙስሊምን ኣብ ዝሰነድዎ ሓዲስ (ኣዘራርባኡ ናይ ቡኻሪ ኮይኑ): ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሎም: «ካባኹም ቦትኡ ካብ ሓዊ ወይ ካብ ጀና ዘይተጻሕፈሉ ሓደ እኳ የለን» ሓደ ሰብኣይ ካብ'ቶም ህዝቢ፡ “ኣንታ ልኡኽ ኣላህ፡ ኣይንውከልን'ዶ፧” በለ። ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ በሉ፥ «ኣይፋል፣ ስርሑ፣ ኩሉ ነቲ ዝተፈጥረሉ ንኽፍጽሞ ይቕለለሉ እዩ» ኢሎም። ከምኡ'ውን ኣንበቡ: {እቲ ዝሃበን ዝፈረሐን ድማ 5} [ኣ'ለይል፡5] ኣብ ካልእ ሓዲስ ናይ ሙስሊም ዝሰነድዎ: «ኩሉ ነቲ ዝተፈጥረሉ ይቐልለሉ»[21] ነብይና (ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም) ብስራሕ ኣዚዞም፣ ኣብ ቀደር ምውካል(ምጽጋዕ) ድማ ከልኪሎም እዮም። [21] ቡኻሪ ዝሰነድዎ፦ መጽሓፍ ጽሕፍቶ፣ ምዕራፍ “ትእዛዝ ኣላህ እተወሰነ ውሳነ እዩ”፣ ቁጽሪ (6605)፣ ሙስሊምን፦ መጽሓፍ ጽሕፍቶ፣ ምዕራፍ ኣፈጣጥራ ወዲ-ሰብ ኣብ ከብዲ ኣዲኡን፡ ጽሕፈት ርዚቑኡ፡ ዕድሚኡ፡ ተግባሩ፡ ሕሰሙን ርሕሰቱን፣ ቁጽሪ (2647)።
ራብዓይ፡ ኣላህ ንባርያኡ ኣዚዝዎን ከልኪልዎን እዩ፣ ዝኽእሎ ዘበለ እንበር ካልእ ዕዮ ኣይሃቦን፣ ልዑል ኣላህ ይብል፥ {ንኣላህ ከም ዝከኣልኩም መጠን ፍርሕዎ፡ ከምኡ'ዉን ስምዑ፡ ተኣዘዙ ...} [ኣ'ተቃቡን:16] ከምኡ'ውን ኢሉ:- {ኣላህ ንሓንቲ ነፍሲ ካብ ዓቕማ ንላዕሊ ኣየገድዳን ኢዩ...} [ኣልበቐራ፡286] ሓደ ባርያ ኣብ ተግባሩ ግዱድ(ብዘይ ድሌቱ ዝፍጽም) እንተዝኸውን፡ ካብኡ ክናገፍ ዘይክእል ሓላፍነት ምተሰከመ ኔሩ፣ እዚ ድማ ቅቡል ኣይኮነን። ስለ'ዚ ሓደ ሰብ ብዘይፍላጥ፡ ብዘይ ፍላጥ፡ ወይ ብምርሳዕ ሓጥያት እንተፈጺሙ፡ ሓጥያት የብሉን፤ ምኽንያቱ ይሕደገሉ በዓል ምኽንያት ስለዝኾነ።
ሓሙሻይ: ጽሕፍቶ ናይ ልዑል ኣላህ፡ እቲ እተወሰነ ነገር ምስ ኣጋጠመ እንበር ዘይፍለጥ ሕቡእ ምስጢር ምዃኑ እዩ። ድሌት ናይ ሓደ ባርያ ነቲ ዝገብሮ ተግባር ድሌቱ ይቕድም። ስለ'ዚ፡ እቲ ንሓደ ተግባር ዝህልዎ ድሌት፡ ብዛዕባ ጽሕፍቶ ኣላህ ካብ ዘለዎ ፍልጠት ዝተበገሰ ኣይኮነን። በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ብጽሕፍቶ ዘቕርቦ መርትዖኡ ውዱቕ ይኸውን፣ ከመይሲ ንሓደ ሰብ ኣብ ዘይፈልጦ ነገር መርትዖ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።
ሻድሻይ፡ ወድ ሰብ ኣብ ኣዱንያዊ ጉዳያቱ፡ ንዝሰማምዖ ነገር ክሳብ ዝረኽቦ ይጓየየሉ፣ ካብኡ ናብ'ቲ ዘይሰማምዖ ድማ ኣይግዕዝን ኢዩ። እምበኣርከስ ስለምንታይ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያቱ ካብ'ቲ ዝጠቕሞ ናብ'ቲ ዝጎድኦ ዝግዕዝ፣ ድሕሪኡ ኸኣ ብቀደር የመኽኒ፧ ጉዳይ ናይ'ዞም ክልቲኦም ነገርስ ሓደ'ዶ ኣይኮነን፧
ናይ'ዚ መብርሂ ዝኸውን ምሳሌ ድማ:
ሓደ ወዲ ሰብ ኣብ ቅድሚኡ ክልተ መገድታት እንተዝህልውዎ፡ ሓዲኦም ናብ ሓንቲ ብዕግርግር ዝተመልአት፡ ቅትለትን ምዝራፍን ምጥሓስ ክብረትን ፍርሕን ጥሜትን ዝበዝሓ ዓዲ ዘብጽሕ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ፡ ናብ ሓንቲ ስርዓት ዝሰፈና፡ ዝተረጋግአ ኣማንን፡ ምቹእ ናብራን፡ ንነፍስን ክብረትን ገንዘብን ኣኽብሮት ዝህሉዋ ዓዲ ዘብጽሕ እዩ። ካብ'ዞም ክልተ መገድታት ናበየናይ ምኸደ?
ንሱ ነታ ናብ ሃገር ስርዓትን ሰላምን እትወስድ ካልኣይቲ መገዲ ክስዕብ እዩ፡ ዝኾነ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ድማ ፈጺሙ ነታ ናብ ሃገር ህውከትን ፍርሕን እትወስድ መገዲ ክስዕብን ብቀደር ክመኽንን ኣይከኣልን እዩ። ስለምንታይ ደኣ ኣብ ጉዳይ ኣኼራ ንመገዲ ጀና ገዲፉ ናይ ሓዊ እሳት መገዲ ይስዕብ፡ ብቐደር ከኣ የመኽኒ?
ከም ካልእ ኣብነት: ሓደ ሕሙም፡ ነብሱ እናጸልኣቶ መድሃኒት ክሰቲ ይእዘዝ እሞ ይሰትዮ። ነብሱ እናበሀገቶ ድማ ካብ ዝጎድኦ መግቢ ይኽልከል ይገድፎ። እዚ ኩሉ ዝገብሮ፡ ሽፋእን ጥዕናን ንምርካብ ኢሉ'ዩ። ስለ'ዚ ድማ፡ መድሃኒት ካብ ምስታይ ክቑጠብ ወይ ዝጎድኦ ነገር ክበልዕ፡ ቀደር እዩ ኢሉ ከመኻኒ ኣይከኣልን'ዩ። ስለምንታይ እዩ ወድ ሰብ እቲ ኣላህን መልእክተኛኡን ዝኣዘዝዎ ዝገድፎ፡ ወይ ድማ እቲ ዝኸልከልዎ ዝገብሮ፡ ድሕሪኡ ድማ ብጽሕፍቶ ምኽንያት ዝገብር?
ሻውዓይ: እቲ ዝገደፎ ግዴታታትን ወይ ዝፈጸሞ ሓጥያትን ብቀደር ዘመኽኒ ሰብ፡ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊኡ በደል ፈጺሙ ገንዘቡ እንተዝወስዶ፡ ወይ ክብርነቱ እንተዝደፍሮ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ‘በደለይ ብቀደር ኣላህ ስለዝኾነ ኣይትውቐሰኒ’ ኢሉ ብቀደር እንተዘመኽኒ፡ መርትዖኡ ኣይምተቐበሎን ነይሩ፡ ብኸመይ እዩ ንበደል ካልኦት ኣብ ልዕሊኡ ብቐደር ምምኽናይ ዘይቅበል፡ ንበደል ርእሱ ኣብ ልዕሊ ሓቂ ኣላህ ተዓላ ግን በኡኡ ዝምኽነየሉ?!
ናብ ኣሚር ኣል-ሙእሚኒን ዑመር ወዲ ኸጣብ (ካብኦም ዝተረኸበ ኣላህ ይፍተወሎም) ሓደ ምቑራጽ ኢድ ዝግብኦ ሰራቒ ምስ ቀረበ፡ ኢዱ ክትቁረጽ ከም ዝኣዘዙ ይዝከር። እቲ ሰራቒ ኸኣ፡ 'ሓንሳብ ኦ ኣሚር ኣል-ሙእሚኒን፡ ኣነስ ዝሰረቕኩ ብቀደር ኣላህ እዩ' በለ። ዑመር ድማ፡ 'ንሕና ውን እንቆርጻ ዘለናስ ብቀደር ኣላህ እዩ' በሎ።
ንእምነት ብቀደር [ጽሕፍቶ] ድማ ዓበይቲ ፍረታት ኣለዉዎ፡ ንሳተን ውን፦
ቀዳመይቲ: ኣብ ምፍጻም ሰበባት ኣብ'ቲ ሰበብ ባዕሉ ዘይኮነስ ኣብ ልዕል ኣላህ ምጽጋዕ፡ ምኽንያቱ ኩሉ ነገር ብቀደር ኣላህ ስለዝኾነ ።
ካልኣይቲ፡ ሓደ ሰብ ዝደለዮ ምስ ዝረክብ ብነፍሱ ከይድነቕ፤ ምኽንያቱ እቲ ምርካቡ፡ በቲ ኣላህ ዝጸሓፎ ናይ ኸይርን ዓወትን ሰበባት ዝመጸ ካብኡ ዝተዋህበ ጸጋ ስለዝኾነ፡ ብነፍሱ ምድናቑ ድማ ነቲ ጸጋ ምምስጋን ከምዝርስዕ ይገብሮ።
ሳልሳይ፡ በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ጽሕፍቶ ናይ ልዑል ኣላህ ርግኣትን ሩፍታ ናይ ነፍስን ይረክብ፤ ስለ'ዚ ዝፈትዎ ነገር ምስዝሓልፎ ወይ'ውን ዘይፈትዎ ነገር ምስዘጋጥሞ ኣይጭነቕን፤ ምኽንያቱ እዚ ብቀደር ናይ'ቲ ንግስነት ሰማያትን ምድርን ናቱ ዝኾነ ኣላህ ዝተወሰነ ኮይኑ፡ ካብ ምዃን ድማ ዘይተርፍ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦ {ኣብ ምድሪ ይኹን ኣብ ነፍስኹም ዝኾነ ዘጋጠመ መከራ፡ ንሱ ቅድሚ ፍጡራት ምፍጣሩ ኣብ መዝገብ (ለውሑል ማሕፉዝ) ተጻሒፉ ኮይኑ። ብርግጽ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣላህ ቀሊል እዩ። ኣብ'ቲ ዝሓለፈኩም ነገር ምእንቲ ከይትጉህዩ፡ በቲ ዝሃበኩም ጸጋ ድማ (ብትዕቢት) ከይትሕጎሱ እዩ። ኣላህ ድማ ንኹሉ ትዕቢተኛን ሙኩሑን ኣይፈትዎን ኢዩ።} [ኣልሓዲድ:22-23]፣ ከምኡ'ውን ነብይና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ይብሉ: «ነገር ሙእሚን ዘገርም እዩ! ብርግጽ ኩሉ ነገሩ ጽቡቕ እዩ። እዚ ድማ ንሙእሚን እንተዘይኮይኑ ንሓደ'ኳ ኣይኮነን። ጸጋ ምስ ረኸበ የመስግን፣ እዚ ድማ ንዑኡ ጽቡቕ ይኾነሉ። መከራ ምስ ኣጋጠሞ ድማ ይዕገስ፣ እዚ ድማ ንዑኡ ጽቡቕ ይኾነሉ።»[22]. [22] ሙስሊም ዝሰነድዎ: ኪታብ ኣዙህድ ወኣረቓኢቕ፣ ባብ ጉዳይ ሙእሚን ኩሉ ኸይሪ እዩ፣ ቁጽሪ (2999)።
ብዛዕባ ውሳነ(ጽሕፍቶ) ዝጠፍኡ ክልተ ወገናት ኣለዉ:
ቀዳመይቲ– ኣል-ጀብሪያ: እቶም «ሓደ ባርያ ኣብ ተግባሩ ዝተገደደ እዩ፣ ኣብኡ`ውን ፍቓድን ክእለትን የብሉን» ዝበሉ።
ካልኣይቲ፡ እቶም ቀደርያ ዝበሃሉ፡ ባርያ ብተግባሩ ኣብ ድሌትን ዓቕምን ናጻ ከም ዝኾነ፡ ኣብኡ ድማ ንድሌትን ዓቕምን ኣላህ ዝኾነ ይኹን ኣሰር ከም ዘይብሉ ዝበሉ እዮም።
ነታ ቀዳመይቲ ጉጅለ (ጀብሪያ) ብሸሪዓን ዋቂዕን(ክውንነት) መልሲ ምምላስ:
ብሸሪዓዊ መዳይ እንተኾይኑ ድማ፡ ኣላህ ንባርያ ፍቓድን ድሌትን ከምዘለዎ ኣረጋጊጹ'ዩ፡ ንስርሑ'ውን ናብኡ ኣተሓሒዝዎ'ሎ።ሎኡል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {...ካባኹም ኘዛ ዱንያ ዝደሊ ኣሎ፡ ካባኹም ዉን ነታ ኣኺራ ዝደሊ ኣሎ...} [ኣለ ዒምራን፡152] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ሓቂ ካብ ጎይታኹም እዩ፣ ስለ'ዚ ዝደለየ ይእመን፡ ዝደለየ ድማ ይክሓድ” በል። ንሕና ንበደለኛታት፡ ብሓጹር ዝኽበበት እሳት ኣዳሊናሎም ኣለና።} [ኣልካህፍ፡29] ከም'ኡውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {ሰናይ ዝገበረ ንነፍሱ እዩ፣ እከይ ዝገበረ ዉን ኣብ ልዕሊኣ እዩ። ጎይታኻ ድማ ንባሮቱ በዳሊ ኣይኮነን።} [ፉሲለት:46]
ኣብ ክውንነት እንተመጺእና ድማ፡ ኩሉ ሰብ ኣብ መንጎ እቲ ብምርጫኡን ድሌቱን ዝገብሮ ተግባራት ከም ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምሻጥን ምግዛእን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ እቲ ብዘይ ድሌቱ ዘጋጥሞ ከም ብረስኒ ምንቅጥቃጥን ካብ ላዕሊ ምውዳቕን ዘሎ ፍልልይ ይፈልጥ ኢዩ። ስለ'ዚ፡ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ብዘይ ዝኾነ ምግዳል ብድሌቱ ዝገብር መራጺ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ'ቲ ካልኣይ ግን ነቲ ዘጋጠሞ ነገር ዘይመረጾን ዘይደለዮን ኢዩ።
ነታ ካልአይቲ ጉጅለ(ቀደርያ) ብሸሪዓን ኣእምሮን ምምላስ፡
ብወገን ሸሪዓ እንተኾነ ድማ፡ ኣላህ ተዓላ ፈጣሪ ኩሉ ነገር እዩ፡ ኩሉ ነገር'ውን ብድልየቱ እዩ ዝኸውን። ኣላህ ተዓላ ኣብ መጽሓፉ፡ ተግባራት ባሮቱ'ውን ብድልየቱ ከምዝፍጸም ከም'ዚ ክብል ገሊጽዎ እዩ፡ {...ኣላህ እንተዝደሊ ኔሩ፡ እቶም ድሕሪኦም ዝመጹ፡ ንጹራት መርትዖታት ምስመጽኦም ኣይምተቓተሉን ኔሮም። ግናኸ ተፈላለዩ፡ ካብኣቶም ዝኣመነ ኣሎ፡ ካብኣቶም ድማ ዝኸሓደ ኣሎ። ኣላህ እንተዝደሊ ኔሩ ኣይምተቓተሉን ኔሮም። ግናኸ ኣላህ ዝደለዮ ይገብር።} [ኣልበቐራ፡253] ከምኡ'ውን ረቢ ኣብ ቁርኣን ከም'ዚ ይብል፥ {እንተ ንደሊ ኔርና፡ ንነፍሲ ወከፍ መምርሒኣ ምሃብናያ ኔርና። ይኹን እምበር፡"ንገሃነም ካብ ኣጋንንትን ሰባትን ብሓንሳብ ብርግጽ ክመልኣ እየ" ዝብል ቃለይ ተረጋጊጹ እዩ።} [ኣ'ሰጅዳ፡13]
ብኣእምራዊ መረዳእታ ድማ፡ ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጥረት ናይ ልዑል ኣላህ ዋንነት እዩ፣ ሰብ ድማ ሓደ ካብ'ዚ ፍጥረት እዩ፤ ስለ'ዚ ንሱ'ውን ናይ ልዑል ኣላህ ዋንነት እዩ። ንውኑን ድማ ኣብ ዋንነት ናይ ወናኒኡ ከካይድ ኣይከኣልን፡ ብፍቓዱን ብድልየቱን እንተኾነ እንበር።
*
ናይ እስላማዊ እምነት ዕላማታት
ኣል ሃዳፍ (ዕላማ) (ብቋንቋ)፦ ንብዙሓት ትርጉማት ክኸወኡን ከሎ፤ ካብኣቶም፥ (እቲ ኩሉ ንዝተደለየ ሸቶ ትሃርመሉ ዕላማ ኢዩ )።
ዕላማታት ናይ እስላማዊት ዓቂዳ፡ ማለት እቶም ብኣኣ ብምጽናዕ ዝርከቡ ሽቶታታን ክቡራት መዓላታታን፡ ብዙሓትን ዝተፈላለዩን እዮም, ካብኣቶም ድማ፡
ቀዳማይ፡ ኒያን ኣምልኾትን ንኣላህ በይኑ ምጽራይ፤ ምኽንያቱ ንሱ እቲ ፈጣሪን መሻርኺ ዘይብሉን ስለዝኾነ፣ ዕላማን ኣምልኾትን ንዕኡ በይኑ ክኸውን ግዴታ እዩ።
ካልኣይ: ዓቕልን ሓሳብን ካብ'ቲ፡ ቀልቢ ካብ'ዛ እምነት እዚኣ ጥራዩ ብምዃኑ ዝመንጨወ ህውኽታዊ ምዝንባዕ ነጻ ምውጻእ፣ ምኽንያቱ፡ ካብኣ ቀልቡ ነጻ ዝኾነ ሰብ፡ ወይ ካብ ኩሉ እምነት ቀልቡ ነጻ ኮይኑ ንፍርዳዊ ነገር ጥራይ ዘምልኽ እዩ፡ ወይ ድማ ኣብ ጥፍኣት እምነታትን ከንቱ ዛንታታትን ዝተደናገረ እዩ።
ሳልሳይ: ሩፍታ ነብስን ኣእምሮን እዩ፣ ስለ'ዚ ኣብ ነብሲ ጭንቀትን ኣብ ሓሳብ ድማ ምዝንባዕን የለን፤ ምኽንያቱ እዛ እምነት እዚኣ ነቲ ሙእሚን ምስ ፈጣሪኡ ተራኽቦ፤ በዚ ድማ ከም ኣመሓዳሪ ጎይትኡን ከም ሕጊ መውጽኢ ፈራዲኡን ይዓግበሉ፤ ልቡ ድማ ብቀደሩ ይረጋጋእ፡ ደረቱ ውን ንእስልምና ይገፍሓሉ፤ ካብኡ ድማ ካልእ መተካእታ ኣይደልን።
ራብዓይ፡ ኣብ ኣምልኾ ኣላህ ካብ ጉድለት ዝጸረየ ይኹን ኣብ ኣተሓሕዛ ፍጡራት፡ ዕላማን ተግባርን ካብ ምዝንባል ድሑን ምዃኑ እዩ። ምኽንያቱ ካብ መሰረታቱ ዝኾነ እምነት ብልኡኻት፡ ነቲ ኣብ ዕላማን ተግባርን ድሑን ዝኾነ መንገዶም ምኽታል ስለዘጠቓልል።
ሓሙሻይ፡ ኣብ ጉዳያት ጽንዓትን ትግሃትን ምሓዝ፣ ንዓስቢ ተስፋ ብምግባር ንዝኾነ ናይ ሰናይ ምግባር ዕድል ብምጥቃም፣ ካብ መቕጻዕቲ ድማ ብምፍራሕ ቦታ ሓጢያት ካብ ዝርአ ምርሓቕ፣ ምኽንያቱ ካብ መሰረታቱ እምነት ብትንሳኤን ክፍሊት ብ ግብርታትን ስለ ዝኾነ።
ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥ {ንነፍሲ ወከፍ በቲ ዝሰርሑዎ ደረጃታት ኣለዎም፡ ጎይታኻ ድማ ካብ'ቲ ዝሰርሑዎ ዙንጉዕ ኣይኮነን} [ኣልኣንዓም፡132] ነቢይ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሳለም ነዚ ዕላማ እዚ ኣተባቢዖሙሉልና: «ሓያል ዝኾነ ኣማኒ ካብ'ቲ ድኹም ኣማኒ ኣብ ጥቓ ኣላህ ዝበለጸን ዝተፈተወን ኢዩ፣ ኣብ ክልቲኦም ድማ ጹቡቅ ነገር ኣሎ። ኣብ ዝጠቕመካ ነገር ተገደስ፡ ብኣላህ ተሓገዝ፡ ኣይትዳኸም። ሓደ ነገር እንተ ኣጋጠመካ ኸኣ፡ ‘ከም'ዚ እንተዝገብር ኔረ፡ ከምኡ ምኾነ ኔሩ’ ኣይትበል። እንታይ ደኣ፡ ‘ቀደር ኣላህ እዩ፡ ዝደለዮ ድማ ገይሩ’ በል። ምኽንያቱ እታ ‘እንተ’ እትብል ቃል ናይ ሸይጣን ስራሕ ትኸፍት ኢያ» ኢማሙ ሙስሊም ኣውረሞ[23]። [23] ሙስሊም ዝሰነድዎ፡ መጽሓፍ ኣል-ቀደር፣ ምዕራፍ፡ ሓይሊ ምሓዝን፡ ስንፍና ምሕዳግን፡ ብኣላህ ምሕጋዝን፡ ውሳኔታት ንኣላህ ምውካልን፡ ቁጽሪ (2664)።
ሻድሻይ: ንሃይማኖታ ንምጽናዕን ንመሰረታቱ ንምድልዳልን፡ ኣብ'ዚ መንገዲ'ዚ ንዝወርዳ ነገር ምንም ከይተገደሰት ኩሉ ክቡርን ርኹስን እትወፊ ሓያል ኡማ ምህናጽ። ብዛዕባ'ዚ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፦ {ሙእሚኒን ዝበሃሉ እቶም ብኣላህን መልእኽተኛኡን ዝኣመኑ፡ ድሕሪኡ ድማ ዘይተጠራጠሩ፡ ብንብረቶምን ነፍሶምን ኣብ መንገዲ ኣላህ ዝተቓለሱን ጥራይ እዮም። እዚኣቶም እዮም እቶም ሓቀኛታት። 15} [ኣልሑጁራት:15]
ሻብዓይ፡ ውልቀ-ሰባትን ጉጅለታትን ብምምሕያሽ ናብ ታሕጓስ ናይ'ዛ ዘለናያ ዓለምን ናይ መወዳእታ ዓለምን ምብጻሕ፡ ከምኡ’ውን ሰዋብን(ዓስቢ) ክብሪታትን ምርካብ። ብዛዕባ እዚ ድማ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፡ {ካብ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ዝኣመነ ኮይኑ ሰናይ ዝሰርሐ ሰብ ብርግጽ ሰናይ ናብራ ክነንብሮ ኢና ዝሰርሑዎ ብዝነበሩ ብሰናዩ ውን ዓስቦም ክንከፍሎም ኢና97} [ኣልናሕል:97]
እዚ ገለ ካብ'ቲ ናይ እስላማዊት ዓቂዳ ዕላማታት እዩ፣ ንኣላህ ከኣ ንዓናን ንኹሎም ሙስሊሚንን ከረጋግጸልና(ድሌትና ክህበና) ንልምኖ፤ ንሱ ብሓቂ ለጋስን ክቡርን እዩ፣ ምስጋና ድማ ንናይ ዓለማት ጎይታ ዝኾነ ልዑል ኣላህ ዝተገበአ እዩ።
ሰላምን ምሕረትን ዉዳሰን ነቲ ክቡር ነቢ ናትና ከም'ኡ ዉን ንስድራቤቱን ሰዓብቱን ይኹን
ብብርዒ ኣዳላዊኣ ተፈጺማ።
ሙሓመድ ኣ'ሳሊሕ ኣልዑሰይሚን
Related books
All books
ሰለስተ መሰረታትን መርትዖታቱን73 languagesሰለስተ መሰረታትን መርትዖታቱን
እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ሓደ ሙስሊም ክመሃሮም ዝግባእ መሰረታዊ መትከላት ዝኾኑ ንኣላህ ምፍላጥ፡ ንሃይማኖት እስልምና ምፍላጥ፡ ከምኡ'ዉን ንነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ምፍላጥ ይገልጽ፡ ኣብ ናይ ቑርኣንን ሓዲስን መርትዖታት ተመርኲሱ ድማ ናይ'ዞም መትከላት እዚኦም ኣብ ምህናጽ እምነትን ሰናይ ግብርን ዘለዎም ኣገዳስነት የተኰር።
الإسلام دين رسل الله85 languagesدينالإسلام دين رسل الله
رسالة لطبفة توضح أن الإسلام هو الاستسلام لله خالق الكون والانقياد له محبة وتعظيماً، وهو دين جميع الأنبياء، يقوم على الإيمان بالله، ورسله، وملائكته، وكتبه، واليوم الآخر، والقدر خيره وشره. ويدعو إلى عبادة الله وحده، ويرى أن عيسى عبد الله ورسوله وليس ابن الله.
ኣገደስቲ ትምህርትታት ንሓፈሻዊ ህዝቢ ሙስሊም78 languagesኣገደስቲ ትምህርትታት ንሓፈሻዊ ህዝቢ ሙስሊም
መጽሓፍ "ኣገደስቲ ትምህርትታት ንሓፈሻዊ ኡማ" ናይ ሼኽ ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ባዝ (ኣላህ ይርሓመሎም)፡ ንሓፈሻዊ ሙስሊም ፍልጠታዊ ስንቂ ንክኸዉን በቲ ኢማም ዝተዳለወት ዓቢ ጠቅሚ ዘለዋ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ ኢያ። ኣብ'ዚ መጽሓፍ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሙስሊም ቅኑዕ እምነትን ኣምልኾትን ንምቕራብ፡ ካብ ቁርኣንን ሱናን ብዝተመስረተ ብቐሊልን ብንጹርን ኣገባብ፡ ካብ ተውሒድ፡ እምነትን እስልምናን ጀሚሩ ክሳብ ሕግታት ጠሃራን (ጽርየት) ሰላትን፡ ስነ-ምግባር እስልምናን፡ ከምኡ'ውን መጠንቀቕታታት ሺርክን ሓጢያትን ምግላጽን መብርሂ ምሃብን ብዛዕባ መሰረታትን ዓንድታትን ሃይማኖት ዝምልከት ይገልጽ።
ንሕጉስ ህይወት ጠቅሚ ዘለዎም መገድታት85 languagesንሕጉስ ህይወት ጠቅሚ ዘለዎም መገድታት
እዚ ናይ ሸኽ ዓብዱራሕማን ብን ናስር ኣ'ሳዕዲ ዝኾነ "ጠቅሚ ዘለዎ መንገድታት ን ሕጉስ ህይወት" ዝብል መጽሓፍ፡ ብዛዕባ ምኽንያታት ሓቀኛ ሓጎስ ካብ ዕሙቕ ዝበለ እምነታዊ ኣረኣእያ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ብመንገዲ እምነትን ጽቡቕ ግብርን፡ ዚክሪ ኣላህን፡ ዕግበትን፡ ኣብ ንዕማታት(ጸጋታት) ምስትንታንን፡ ኢሕሳንን(ሰናይ ምግባር)፡ ተወኩልን(ኣብ ኣላህ ምምርኳስ)፡ ሰብሪን(ትዕግስቲ)፡ ከምኡ'ውን ንነገራት ብግቡእ ብምግምጋምን ኣቢሉ ነቲ ዘንብብ ናብ ቅሳነት ልቢ ይመርሖ። ብጽቡቕ ኣገባብ ድማ፡ ተለዋዋጥነት ህይወት እናሃለወ ክነሱ፡ ንሓንቲ ቅስንቲ፡ ሚዛናዊትን ሕጉስቲን ህይወት ዝኸውን ካርታ ኣብ ኢድካ የንብር።