ልኡኽ ናይ እስልምና ሙሓመድ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]
መጽሓፍ "ልኡኽ ናይ እስልምና ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም " ብዛዕባ ህይወት ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ትዉልዱን ኣተዓባብይኡን ክሳብ ዝተባረኸ መርዕኡን መፈለምታ ዋሕይን በታ መዛዘሚት ዝኾነት መልእኽቱ ኣጀማምራኣን ይገልጽ። ከምኡ'ውን ምልክታት ናይ መልእኽቱን ምልክታት ሓቅነቱን የብርህ፡ ነቲ ዝመጸሉ ሸሪዓን (ሕጋታቱን) ኣብ ምሕላው መሰልን ክብርን ደቂ-ሰባት ዘለዎ ተራን ይገልጽ። ከምኡ'ውን እቶም ዝጻረርዎ ዝነበሩ ኣብ ልዕሊኡ ዝገበሩዎ ምስክርነቶም የርኢ፡ ኣተኲሩ ድማ ነቲ ንሰባት ኣብነት ዝገበሮን ናብ ተውሒድ ፈጣሪ ጻዉዒትን ጽቡቕ ስነ-ምግባሩ ድማ የብርህ።
These files are generated automatically from the book's text; their layout may differ from the printed edition.
ልኡኽ ናይ እስልምና ሙሓመድ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]
ፍልጠታዊ ኮሚቴ ብመሪሕነት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ኣብ መስጂድ ኣል-ሓራምን መስጂድ ኣንነበዊን
ብስም ኣላህ እቲ ፍጹም ርህሩህ እቲ ኣዝዩ ራህራሂ (ንባበይ እጅምር) ብሕጽር ዝበለ ብዛዕባ ልኡኽ (ረሱል) ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ስሙን ትዉልዱን ዓዱን ኣንስቱን ከምኡ'ውን መልእኽቱን ፡ናብ'ቲ ዝሰብኮ ዝነበረን፡ ምልክታት ናይ ነቢ ምዃኑን፡ ሸሪዓኡን (ሕጋታቱን)፡ መርገጺ ተቓወምቱ ኣብ ልዕሊኡን ዘጠቓለለ ኢዩ።
1- ስሙን ሓረግ ወለዱኡን ተወሊዱ ዝዓበየሉ ዓዱን
ልኡኽ ናይ እስልምና ድማ ሙሓመድ ወዲ ዓብዲላህ ወዲ ዓብዱልሙጠሊብ ወዲ ሃሺም ካብ ወለዶ ናይ ኢስማዒል ወዲ ኢብራሂም [ሰላምታ ይኹኖም] ይበሃል።
እዚ ድማ ኢብራሂም [ሰላምታ ይኹኖ] ካብ ሻም ንሱን ሰበይቱ ሃጀርን ወዱ ኢስማዒልን ኣብ ሕቕፎ ኣዲኡ እንከሎ ብመልአኽቲ ናይ ኣላህ ናብ ማካ ምስ መጽኡ ብትእዛዝ ናይ ኣላህ (ዓዛ ወጀል) ድማ ንሰበይቱን ወዱን ኣብ ማካ ከምዝነብሩ ሓቢርዎም ተመልሰ። እቲ ቈልዓ ኣብ ጉብዝና ምስ በጸሐ ነቢ ኢብራሂም [ሰላምታ ይኹኖ] ናብ ማካ ተመልሰ።ንሱን ወዱን ኮይናም ድማ ካዕባ (በይተል ሓራም) ሰረሕዋ ኣብ ከባቢ ካዕባ ድማ ሰባት ክባዘሑ ጀመሩ ከምኡ'ውን ንኣላህ ጎይቶ ዓለም ዝኾነ ክግዘኦ ዝደለየ ወይ ንሓጅ ክገበር ዝደለየ ማካ ከም መአከት ኮይና ደቂ ሰባት ድማ ኣብ ሓደነት ናይ ኣላህን ንዑኡ ብንጽህና ምግዘኣእን በቲ ኢብራሂም[ሰላምታ ይኹኖ]ሒዝዎ ዝመጸ መልእኽቲ ንኣማኢት ዓመታት ይቕጽል ነበረ።
ብድሕርዚ ደቂ ሰባት ካብ መንገዶም ክስሕቱ ጀሚሮም እታ ደሴት ናይ ዓረብ ትበሃል ልክዕ ከም'ቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝረአ ዝነበረ ንጣኦት ምምላኽን ንቖልዓ ብሂወታ ምቕባርን ንደቂ ኣንስትዮ ጉበአን ንኸይወስዳ ምዕማጽን ንዘወዓልካዮ ሓሲኻ ምምስካርን መስተ ዘስክር ምስታይን ጽዩፍ ነገራት ምግባርን ናይ ዘኽታን ገንዘብን ሓረጣን ምብላዕን ወዘተ ከዘውትሩ ጀሚሮም።
ኣብዚ ከም'ዚ ዝመስል ቦታንሕብረተሰብን ድማ ልኡኽ ናይ እስላም ዝኾነ ሙሓመድ ወዲ ዓብዲላህ ካብ ወሎዶ ናይ ኢስማዒል ወዲ ኢብራሂም [ሰላምታ ይኹኖ] ተወሊዱ።ኣብ 571 ድሕሪ ልደት ድማ ኣቡኡ ቅድሚ ምዉላዱ ሞይቱ ብድሕርዚ ድማ ኣዲኡ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ምስ ኮኑ ሞይታ ቀጺሉ ድማ ሓወቡኡ ኣቡጣሊብ ናቢይዎ ድኻን ዘኽታምን ኰይኑ ብራሃጹ እናሰረሐ ድማ ይነብር ነበረ።
ዝተባረኸ ቃል ኪዳን ምስ ዝታበረኸት በዓልቲ ቤቱ ዝነበረ ኣፈጻጽማ ስነስርዓት መርዓ
ዕድሚኡ ዕስራን ሓሙሽተን ምስ ኮነ ድማ ካብ ኣንስቲ ማካ ወይዘሮ ኸዲጃ ጓል ኹወይሊድ [ረቢ ይፍተወላ] ትበሃል ተመርዓወ።ካብኣ ድማ ኣርባዕተ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን ወሊዱ እቶም ኣወዳት ቆልዑት እንከለው ሞይቶም።ምስ ስድርኡን ሰበይቱን ድማ ብፍቕርን ስኒትን እናሰነየ ብጣዕሚ ዝበለጸ ናብራ ይነብሩ ከምዝነበሩ ይዝከር።ነዚ ዝተዓዘበት በዓልቲ ቤቱ ኸዲጃ ቡዙሕ ኣፍቂራቶ ንሱ ዉን ቡዙሕ ኣፍቂርዋ ወላ ዉን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምማታ ኣይረሰዓን።ስጋብ ሕሩድ ሓሪዱ ናብ ማሓዙት ኸዲጃ[ረቢ ይፍተወላ] ሰደቓ(ሰናይ ግብሪ) ንኽብረት ንዐአን ነቲ ዝነበረ ፍቕረን ምሕላዉን ኢሉ ይሰደለን ነበረ።
ዋሒ(መለኮታዊ ሓይሊ)ዝጀመረሉ
ልኡኽ ሙሓመድ ድማ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ካብ ኣላህ ዝፈጠሮ ኣትሒዙ ቡሉጽ ዝኾነ ጠባይ ነይርዎ።እቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ሕብረተሰብ ድማ ብሓቀኗን ኡሙንን ኢሎም ይጽዉዕዎ ነበሩ።ምስቲ ዝነረ ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ኩሉ ጽቡቕ ነገራት ሕውስን ተሳታፍነትን ከምዝነበሮ ኣብ'ቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ሕማቅ ስራሕ ድሑር ዝኾነ ናይ ምምላኽ ጣኦትን ንዑኡ ተመሳሳልን ክኸዉን ከሎ ግን ካብኦም ይግለል ከምዝነበረ ወይ ከምዘይሳተፍን ዝዝከር ኢዩ።
ዕድሚኡ ኣርባዓ ምስ በጽሐ ኣብ ማካ እንከሎ ኣላህ ልኡኽ ንክኸዉን መሪጽዎ።መልኣከ ጂብሪል (ገብሪኤል) ዝበሃል [ሰላምታ ይኹኖ] በታ ቀዳመይቲ ዓንቀጽ ዝወረደት ካብ ቑርኣን ዘረባ ናይ ረቢ ሒዙ መጽዪዎ ንሳ ድማ
ንወዲ ሰብ ካብ ርጉእ ደም ጌሩ ዝፈጠረ(2)
ንወዲ-ሰብ ዘይፈልጦ ዝነበረ ዘፍለጠ (5)
ብድሕርዚ እዛ ዓንቀጽ ምስ ሰምዐ ናብ ሰበይቱ ኸዲጃ [ረቢ ይፍተወላ] መጺኡ ልቡ ብቡርቱዕ ህርመት ፈጥፈጥ እናበለ እቲ ኩሉ ዘጋጠሞ ነገራት ምስ ነገራ ኣጆኻ ኢላ ኣራጋጊኣ ናብ ወዲ ሓወቦኣ ወረቃ ቢን ነዉፈል ዝበሃል ኣብ እምነት ክርስትና ዝነበረ ኮይኑ ከምኡ'ዉን መጽሓፍ ተዉራትን ኢንጂልን ኣንቢብዎ ከምዝነበረ ስለዝፈለጠት ናዉኡ ወሰደቶ። ብድሕርዚ ኸዲጃ ንወዲ ሓወቦኣ ስምዓዮ ንወዲ ሓዉኻ እንታይ ይብል ከምዘሎ በለቶ ንሱ ድማ እንታይ ሪኢኻ ?ወዲ ሓወይ ኢሉ ሓተቶ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ድማ ኩሉ እቲ ዝራኣዮ ምስ ነገሮ ወረቃ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ:
(እዚ ዝራኣኻዮ እቲ ናብ ሙሳ ዓለይሂ ሰላም ዝወረደ ኢዩ፡ ብኻ ሓያል መንእሰይ ኔረ፡ ብኻ ብህይወተይ ጸኒሐ ኔረ ህዝብኻ ካብ ዓድኻ ከውጹኡኻ እንከለው፡ ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ድማ "ህዝበይ ከውጹኒ ድዮም" በሉ፡ እወ ማንም ሰብ እዚ ሒዝካዮ ዝመጸኻ መልአኽቲ ሒዙ ዝመጸ ህዝቡ ይጻረርዎ ኢዮም፡ ብህይወተይ እንተጸኒሐ ክሳብ ሽዕኡ ብዘለኒ ሓይሊ ክሕግዘካን ከዐውተካን ኢየ)።
ኣብ መካ ድማ ጂብሪል [ሰላምታ ናይ ረቢ ንዕኡ ይኹኖ]ካብ'ቲ ናይ ኩሉ ዓለም ጎይታ ዝኾነ ኣላህ ቑርኣን ሓደ ብሓደ እናበለ ከም'ቲ ብስፍሕ ዝበለ ዝርዝር ናይ መልእኽቲ የዉርደሎም ነበረ።
እቶም ህዝቡ ድማ ነጺገሞን ተጻሪረሞን፡እዚ ከይኣኽሎም "እንተደኣ ካብ'ዚ ትጽወዖ ዘለኻ ነገር ገዲፍካዮ ገንዘብን ንግስነትን ክንህበካ ኢና" ኢሎም ከም መከሓሐሲ ዝተሃራርፍ ዓለማዊ ረብሓ ምርጫ ኣቕሪበምሉ።ንሱ ግን ነቲ ኩሉ ግፍዒ እናተጻወረ ምርጫኦም ከይተቐበለ ናብ ዝተለኣኸሉ ዕላማ ናብ እስልምና ጻዊዒቱ ከየቋረጸ ይቕጽል ነበረ። ከም'ቲ ኩሎም ኣህዛብ ንቅድሚኡ ዝነበሩ ልኡኻት ዝበልዎም ጠንቋላይ፡ብሓሶት እናጠቀኑ እናኣጨነቕዎን፡ ብማህረምቲ እናሃሰዩን፡ ነቶም ተኸተልቲ ዉን እናጋፍዑ ዉን የሳቕይዎም ነበሩ።
ነቢ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም] በቲ ዝወረዶ ግፍዒ ከይተዳህለ ኣብ ተልእኾኡ ብምጽናዕ፡ኣብ መካ ኣብ ግዜ ሓጅን ዕዳጋታትን ንህዝቢ ይሰብኽን ናብ ኣላህ ይጽዉዕን ነበረ። ነዚ ክገበር እንከሎ ግን ዘብለጭልጭ ናይ ምድራዊት ዓለም ጥቕምታት ወይ ንግስነት ቁሊሕ ከይበለ ብዘይ ጎነጽን ምፍርራህን ንህዝቡ ይጽዉዕ ነበረ።ተራ ሰብ ኽንሱ በቲ ጻዊዒት ድማ ሰሓባ[ሰዓብትን ኣዕሩኽትን]- ረቢ ይፍተወሎም-ክኣምኑ ጀሚሮም። ነቢ ሙሓመድ-ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም- በቲ ዓቢ ቑርኣን ድማ ከምኡ ዓይነት ተኣምር ዝኽዕነ ቃል ኣላህ ከምዘየቕርቡ ብምእማን።ነቶም ተጻባእቱ በዲህዎም።
ኣብ መካ ድማ በቲ ዓቢ ዝኾነ ተኣምራት ኢስራእን ሚዕራጅን[ካብ መካ ናብ ቤተልመቕድስ ኣብ ፍልስጤን ዝርከብ] ካብ ቤተልመቕድስ ድማ ናብ ሰማይ በጺሕካ ናይ ምምላስን፡ኣብ ሓደ ለይትን እሞ ድማ ንሓጺር እዋን ዝተገበረ ተኣምራታዊ ጉዕዞ ተኻይዱ።ከም ዝፍለጥ ዉን ወላ ኣብ ክርስትና ኣላህ ንነቢ ኢልያስን ዒሳን ናብ ሰማይ ከምዘዕረጎም ተዘኪሩ ይርከብ።
ኣብ ሰማይ ድማ ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም] ትእዛዝ ናይ ስግዳን ተቐቢሉ ንሱ ድማ እታ ሓሙሸተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ዝኾነ ኣስላማይ ዝሰግዳ እያ።ካብ'ቲ ዓበይቲ ተኣምራት ሓደ፡ ኣብ መካ ናይ ወርሒ ኣብ ክልተ ምጭዳድ ምምቃል ወላ እቶም ብኣላህ ዝኸሓዱ ዝረኣይዎ ኣጋጢሙ ኔሩ።
እቶም ንእስልምና ዝኽሕዱ ናይ ህዝቢ ቑሬሽ ድማ ብኹሉ ዝከኣሎም ብዝተፈላለይ ዓይነት ኣገባብ ንእስልምና ኣትሪሮም ይጻረርዎ ነበሩ። ምእንቲ ነቲ ካልእ ሰብ እስልምና ከይቅበል ክኣ ክብድህዎን ንኸፍሽልዎን፡ተወዳዳሪ ተኣምርት ይጠልቡ ነበሩ። ካብቶም ኣየሁዳዉያን ዝነበሩ ዉን ንእስልምና ንኸይቅበሉ ብዝኾነ መርትዖ ኢሎም ዝኣምንሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ንሰብ ካብ እስልምና ከርሕቕዎም ንኽሕግዝዎም ይሓትዎም ነበሩ።
እቲ መግፋዕቲ ናይ ህዝቢ ቑሬሽ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ እስልምና እናቐጸለ ምስ ከደ ድማ። ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም]ነቶም ሰዓብቶም ናብ መሬት ሓበሻ ክስደዱ ኣፍቂደሙሎም ኣዘዝዎም።ዝሃብዎም ሓበሬታን ትእዛዝን ከኣ ከም'ዚ ዝስዕብ ኢሎም ኣፋነዉዎም።"ኣብ'ቲ መሬት ሓበሻ ሓደ ፍትሓዊ፡ፍጹም ዘይዕምጽ ዝኾነ ንጉስ ኣሎ እሞ ናብኡ ኪዱ"።እቲ ንጉስ ድማ ኣብ እምነት ናይ ክርስትና ነበረ ኣብ ክልተ ጉጅለ ኮይኖም ድማ ናብ መሬት ሓበሻ ተሰደዱ። ኣብኡ ምስ በጽሑ ድማ ነቲ ነጋሺ ዝስሙ ንጉስ ፡እቲ እስልምና ዝብሎ ካብ ልኡኽ ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም] ዝተልኣኸ መምርሒ ሃይማኖት ካብቶም ስደተኛታት ጽን ኢሉ ምስ ሰምዐ ከም'ዚ ኢሉ መሓለ፦" ብፈጣሪ እምሕል ልክዕ እቲ ሙሳ[ሰላምታ ካብ ረቢ ይኹኖ]ሒዝዎ ዝመጸ መልእኽትን እዚ ናትኩም መልእኽትን ካብ ሓደ እዩ ዝወጽእ" ኢሉ በቲ ዝሰምዖ ተመሲጡ እስልምና ተቐበለ።
ካብ'ቲ ሰብ ዝእከበሉ ዝነበረ ኣጋጣሚታት ኣብ መካ ካብ መዲና ወይ ቅድሚ እስልምና ምምጻእ የስሪብ ተባሂላ ትጽዋዕ ዝነበረት ዓዲ ዝመጹ ህዝቢ ኣሚኖምን ኣብ መዲና ምስ ዝመጽእ ዉን ከምዝተሓጋገዝዎን መብጽዓ ኣተዉ።ብድሕር'ዚ ነቶም ኣብ መካ ዝተረፉ ኣመንቲ ናብ መዲና ንኽስደዱ ድማ ኣፍቀዱሎም።ናብኡ ምስ ተሰደዱ ድማ እስልምና ኣብ መዲና ኣስፋሕፊሑ ።ዳርጋ ኣብ ኩሉ ገዛ እስልምና ዘይኣተዎ ኣይነበረን።
ብድሕር'ዚ ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ውዳሰን ምሕረትን ይኹኖም] ኣብ መካ ዓሰርተ ሰለስተ ዓመት ኣብ ጻዊዒት ናብ ኣላህ ምስ ጸንሐ ኣላህ ናብ መዲና ክስደድ ኣፍቀደሉ። ነቢ ሙሓመድ ድማ ኣብ መዲና እቲ መልእኽቱ ቀጸሎ። ሓደ ብሓደ እናበለ ድማ ሕግታት ናይ እስልምና ይወርድ ነበረ።ብድሕር'ዚ ድማ ልኡኻት እናለኣኸ ናብ ኩሎም ሓለፍቲ ናይ ቀቢላታትን ንጉሳትን መልእኽቲ ናይ እስልምና ክሰደሎም ጀሚሩ።ገለ ካብቶም መልእኽቲ ዝሰደደሎም ንጉሳዉያን ድማ ንጉስ ናይ ሮማን ፉርስን ግብጽን ኔሮም።
ካብ መዓልታት ሓደ ግዜ ግርደት ናይ ጸሓይ ምስ ኣጋጠመ፡ ህዝቢ ብዙሕ ፈሪሁን ርዒዱን።ብኣጋጣሚ ድማ ኣብታ መዓልቲ ሞት ናይ ኢብራሂም ወዶም ንነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም]ኣጋጢሙ ነበረ። እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ ዘጋጠመ ግርደት ብሰንኪ ሞት ናይ ኢብራሂም እዩ ኢሎም ሓሲበም። ነዚ ምስ ተገንዘቡ ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም] "
(ጸሓይን ወርሕን እኮ ብምኽንያት ሞት ወይ ህይወት ናይ ዝኾነ ሰብ ግርደት የጋጥመን ማለት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ኣላህ ንባረቱ ከም መፈራርሒ ኢዩ ዝጥቀመለን)[1]።
ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም]ሓሳዊ እንተዝነብሩ ነቲ ዘጋጠመ ግርደት ናይ ጽሓይ እዚ ክስተት'ዚ ብሞት ናይ ወደይ እዩ ኣጋጢሙ፡እንተዘይኣመንኩም ድማ ካብኡ ንላዕሊ ከጋጥም ይኽእል እዩ ኢሎም ክፈራርሆም ምኸኣለ ኔሩ።
[1] ሰሒሕ ሙስሊም (901)
ኣላህ ድማ ንነቢ ሙሓመድ ብዝበለጸን ዝዓበየን ጠባይ ሂቡ ብኸም'ዚ ዝስዕብ ድማ ወዲስዎ፦
እቲ ኩሉ ዓይነት ጽቡቕ ናይ ጠባያት መግለጺታት ዝበሃል ድማ ከም ሓቅነት፡ንጽህና፡ትብዓት፡ፍትሒ፡ኣብ ቃልካ ምጽናዕ ወላ'ዉን ምስ ጸላእቱ፡ብፍታዉ ምልጋስ ንሱኡናት፡ሽጉራትን፡ሓያማትን፡መበለትን ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሖም ምጽዓርን፡ብንዕቐት ዘይምርኣዮምን ይግለጽ ነሩ።ካብ'ቲ ዝያዳ ትሕትንኡ ድማ ዘይፈልጦ ሰብ ካብቶም ሰሓባ[ሰዓብቱን ኣዕሩኽቱን]ከይፈለየ መን እዩ ካባኹም ሙሓመድ? ኢሉ ክሳብ ዝሓትት ያኸዉን፡ብፍሉይ ከለልዮ ኣይክእልን ነበረ።
ታሪኽ ህይወቱ ድማ ምሉእ ጎደሎ ዘይብሉ ብተኣምር ዝተመልአ፡ኣብ መልእኽቱ ይኹን ኣብ ሂወቱ ምስ ሰዓብቱን ዘይሰዓብቱን፡ምስ ዓቢን ንእሽቶን ወዲ ተባዕታይ ይኹን ጓል ኣንስተይቲ፡ከምኡኡ'ዉን ምስ ዝተፈላለየ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ኮታስ ምስ ኩሉ ፍጡር ብዝላዕለ ጠባይ ተሳንዩን ተፈትዩን ይነብር ነበረ።
ኣላህ እቲ መልእኽቲ ኩሉ ምስ ኣዛዘመሉ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም]ድማ ነቲ ኩሉ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ብግቡእ ኣብጸሐ ኣብ መበል ሱሳን ሰለስተን ዕድሚኡ ምስ በጽሐ ካብዛዓለም ተፈልዩ።ብህይወት ካብ ዝነበረሉ ዓመታት እተን ኣርበዓ ዓመት ቅድሚ ነቢ ምዃኑ ኮይኑ፡ ዕስራን ሰለስተን ዓመት ድማ ነቢን ልኡኽን ምስ ኮነ ዝነበረለን እየን።
ኣብ መዲና ኣነበዊያ ድማ ተቐቢሮም ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ካብ ውርሻ ወልሓንቲ ኣይገደፉን ብዘይካ ዝግልገለላ ዝነበረ ጻዕዳ በቕሊን ንሰደቃ(ሰናይ ግብሪ)ኢሎም ዝገደፍዎ መሬትን ካልእ ወላሓንቲ ኣይገደፉን።[2]
[2] ሰሒሕ ኣልቡኻሪ (4461) 6/15
ብሓፈሻ ቁጽሪ እቶም እስልምና ዝተቀበሉን በቲ መልእኽቲ ዘምጽኦ ዝኣመኑሉን ዝተኸተሉዎን ብዙሓት ህዝቢ ኔሮም።ኣብታሓጀቱል ወዳዕ [ናይ መፋነዊት ሓጅ] ተባሂላ እትፍለጥ ምስኡ ሓጅ ዝፈጸሙ ካብ ሚእቲ ሽሕ ንላዕሊ ሰባት ኔሮም።እዚ ፍጻመ'ዚ ድማ ዳርጋ ሰለስተ ወርሒ ቅድሚ ምማቱ ኔሩ።እዚ ተርእዮ ዘመሓላልፈና መልእኽቲ እንተሎ፡ ማዕረ ክንደይ ኣላህ ንእስልምና ከምዘስፋፍሕ ጌርዎ።ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖም] ድማ ንሰዓብቱን ብጾቱን (ሰሓባ) በቲ ጽቡቕ ነገራት ናይ እስልምና ጌሩ ምሂርዎም ኢዩ።ኣብ ህይወቶም ከኣ ፍትሓዉያንን፡ንእስልምና ድማ ዉፉያት ነይሮም።
ካብ'ቶም ሰሓባ-ረቢ ይርደየሎም-ኣብ እምነቶምን ፍልጠቶምን ንጽህነቶምን ንጽህነኦምን ከምኡ'ዉን ኣብ ልግሲ ትብዓትን ብኣብነትን ብቐዳምነትን ዝልለዩ፦ኣቡበከር ኣሲዲቕ፡ዑመር ኢብኑልኸጣብ፡ዑስማን ኢብኑዓፋን፡ዓሊኢብኑኣቢጣሊብ(ረቢ ይርደየሎም) ይጥቀሱ።ከምኡ'ዉን ካብቶም ቀዳሞት ዝኣመኑን ብሓቅነቱ ዝመስከሩሉን ብድሕሪ ምት ናይ ነቢ ሙሓመድ ድማ ተመራሪሖም በብተራ ሓለፍቲ ኮይኖም ንእስልምና ዝመርሑን ዝነበሩ ኢዮም።እዚ ክንብል እንከሎና ግን፡ካብ'ቲ ናይ ነቢያዊ ጠባያት ዝኾነ ፍሉይ ተዉህቦ ኣይነበሮምን።
ኣላህ ድማ ንኪታቡ(ቑርኣን) ከምኡ'ዉን ሱናን ታሪኽን ናይ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] በቲ ዝዛረበሉ ቋንቈኡ ጌሩ ኢድ ሰብ ከይኣትዎ ዓቂብዎን ሓሊዎን።ኣብ ታሪኽ ከም ናይ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]ጌሩ ዝተጻሕፈን ዝተሰነደን መልእኽትታት የለን።ክሳብ ኣብ'ቲ ልሙድ መዓልታዊ ንጥፈታት ህይወቱን ንቡር ዕለታዊ ምንቅስቓሱን ከይተረፈ ንኣብነት፦ኣመጋግቡኡን፡ኣሰሓሕቑኡን፡ኣደቓቕስኡን፡
ምስ ስድርኡ ዘሕልፎ ዝነበረ ህይወት፡
ኮታስ ኩሉ ኩነታት ዝዓበየን ዝናኣሰን ንጥፈታት ህይወቱ ኣብ ታሪኽ ተጻሒፉን ተሰኒዱን ንረኽቦ።ነቢ ሙሓመድ ድማ ተራ ሰብ ዳኣምበር ናይ ጎይታ መዓርግ ዝተላበሰ ኣይኮነን።ንነብሱ ዉን ጽቡቕን ሕማቕን ዝወርዶ ዝወንንን ዝፈልጥን ኣይኮነን።
4-መልእኽቱ
ኣላህ ንሙሓመድ ኣብ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ኣብ ዝተለኣኸሉ ግዜ ኣብ መሬት ሽርክነትን ምስ ኣላህ፡ ክሕደትን ድንቁርናን ኣስፋሕፊሑ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኢዩ ኔሩ።ብንጽህና ብዘይሽርክነት ጌሩ ንኣላህ ንበይኑ ዝግዛእ ኣብዛ መሬት ብዘይካ ዉሑዳት ካብ ኣህሉልኪታብ [ሰብ መጽሓፍ] ካልእ ኣይነበረን።ኣላህ ድማ ንሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሐረትን ይኹኖ] ናይ መወዳእታ ነብን ልኡኽን ጌሩ፡ ናብ ጽቡቕ ዝመርሕ ናብ መልእ ዓለም ነቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ክሰብኽን፡ ንደቂ ሰባት ድማ ካብ ጸልማት መግዛእቲ ንጣኦትን ካብ ክሕደትን ድንቘርናን ኣዉጺኡ ናብ ብርሃን ዝኾነ ሓደነት ናይ ኣላህ እምነት ክጽዉዕ ልኢኽዎ።ነቶም ቅድሚኡ ዝተልኣኹ ነቢያት ነቢያት [ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ሒዘሞ ዝመጽኡ መልእኽቲ ከም መመላእታ ድማ ንነቢ ሙሓመድ ልኢኽዎ።
ልክዕ ከም'ቲ ኩሎም ነቢያትን ልኡኻትን[ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ከም በዓል ኑሕ፡ኢብራሂም፡ሙሳ፡ሱለይማን፡ዳውድ፡ዒሳ፡ዝጽዉዕዎ ዝነበሩ፡እስልምና ከም እምነት ብሓደ ኣላህ ምእማንን፡ንሱ ጥራይ ፈጣሪን ሽሻይ ወሃብን፡ከምኡ'ዉን ዘምዉትን ዘተንስእን ንጉስ ናይ ነገስታት፡ንኹሉ ነገር ዘካይድን ዘወሃህድን፡ ኣዝዩ ራህራህን ደንጋጽን ነቲ ኩሉ ኣብ ኣድማስ ዘሎ ንርእዮን ዘይንርእዮን ፈጣሪ ዝኾነ፡ብሓፈሻ ብዘይካኡ(ኣላህ) ኩሉ ነገር ፍጡር ከምዝኾነ ድማ ይጽዉዕ ነበረ።
ከምኡ'ዉን ናብ ኣላህ ብንጽል(ንዕኡ ጥራይ) ክንግዛእ፡ብዘይካ ንኣላህ ንካልእ ንከይነምልኽ፡ብንጹር ገሊጽልና።ኣላህ ድማ መሻርክቲ ዘይብሉ ምዃኑ ኣስተምሂሩ።ንኣላህ ክትግዘኦ እንከለኻ ይኹን ኣብ ንግስነቱን ኣፈጣጥርኡን፡ክንክተሎ ዘሎና ኣካይዳ እስላማዊ ስነስርዓትን ብምትኳር ፡ብዕምቆት ይሰብኽ ነበረ።ከምኡ'ዉን ኣላህ ሱብሓነህ [ካብ ኩሉ ጉድለታት ንጹህ ዝኾነ] ዘይወልድን ዘይዉለድን፡ንዕኡ ዝመስልን ዝዳረግን ዝወዳደርን ዝመዓራረይን ዝሻረኽን ወልሓደ ከምዘየለ ገሊጽልናን ብሰፊሕ ኣብሪህልናን።
በቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ናይ ኣላህ መጻሕፍቲ ከም ሱሑፍ ኢብራሂምን ሙሳን[ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ተባሂሉ ዝጽዋዕን ከም ተዉራትን፡ ዘቡርን፡ኢንጂልን ክንኣምን ከምኡ'ዉን ኣዚዙና። ብኹሎም ልኡኻት [ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ክንኣምንን ብሓደ ካብኣቶም(ካብ'ቶም ነብያት)እንተዘይ ኣሚና ድማ ብኩሎም ነቢያት ከምዝኸሓድና ከምዝቑጸር የተሓሳስበና።
ንኹሉ ደቂ ሰባት ድማ ብናብራ ዓለም ከይጭነቑ፡ኣላህ ኣካያዲን ኣወሃሃዲን ከምዝኾነ ብምዝካር፡ብራሕማ (ፍሉይ ርህራሄ) ኣበሲርዎም።ኣላህ ድማ ፍጹም ራህራሂ ምዃኑ ንሱ ንበይኑ ድማ ንኹሎም ደቂ ሰባት ካብ ሞት ኣተንሲኡ ኣብ ምጽኣተ ዓለም በብዝገበረዎ ከምዝሓቶምን ነቶም ኣመንቲ በቲ ጽቡቕ ተግባራቶም ኣብዚሑ ዝኽሕስ ጎይታ ምዃኑ ኣብሪህልና።ንሓንቲ ጽቡቕ ተግባር ብዓሰርተ የርብሓሎም፡ነታ ዝተፈጸመት ሓንቲ ሕማቕ ተግባር(ስራሕ) ግን በታ ሓንቲ መቕጻዕቲ ከየራብሐ ከምዝቐጽዖም ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዘልኣለማዊ ዘየቋርጽ ሽሻይ ከምዘንብሮም ነቶም ክሒዶም ሕማቕ ተግባራት ዝገበሩ ድማ ኣብ ምድረ ዓለምን ኣብ ምጽኣተ ዓለምን ዝግብኦም ከምዝፍደዩ ሓቢርና።
ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]ኣብ'ቲ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ዝመልእኽቲታት ናይ እስልምና፡ንቀቢሉኡን ዓዱን ወላ'ዉን ንክብርቲር ዝኾነት ነብሱ ከተዓባብይ ኣይተረኣየን። ንኣኣብነት ቑርኣን ኣልከሪም እንተርኢና፡ኣስማት ናይ ኑሕ ኢብራሂም ሙሳ ዒሳ[ካብ ረቢ ሰላም ይኹኖም] ኣስማቶም ካብ ስሙ ንላዕሊ ተዘኪሮም ንረኽቦ።ወላ ስም ኣዲኡን ኣስማት ኣንስቱን ኣብ ቑርኣን ኣልከሪም ኣይተዘከረን፡ብኣንጻርናይ'ዚ ግን ኣዲኡ ንሙሳ ካብ ሓደ ንላዕሊ ተዘኪራ ከምኡ'ዉን መርየም[ካብ ረቢ ሰላም ይኹና] 35 ግዜ ተዘኪራ ንረኽቦ።
ኣላህ ድማ ንነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ኣብ ተልእኾኡ ዘይጋገ ንመለኮታዊ ሕጊ ይኹን ንሓንጎል ወይ ተፈጥሮ ወድ ሰብ ሕማቕ ጽዩፍ ዝብሎ ነገር ጌሩ ፈጢርዎ።ንምንታይ'ሲ እቶም ኩሎም ነቢያት[ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ነቲ ካብ ኣላህ ናብ ደቂ ሰብ ዘብጽሕዎ ትእዛዛት ንኸይጋገዩ ኣላህ ሰለ ዝዓቀቦም።ነቢያት ድማ ናይ ጎይታ መዓርግ ዘይብሎም ወይ ነቲ ንረቢ ጥራይ ዝግቦኦ ኣምልኾት ዘይምልከቶም ተራ ሰብ ምኻኖም ዋሕይ(መለኮታዊ ሓይሊ) ካብ ኣላህ ስለዝመጾም ጥራሕ ኢዩ።
መልእኽቲ ናይ ነቢ ሙሓመድ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ዋሕይ (መለኮታዊ ሓይሊ) ከምዝኾነ እቲ ዝዓበየ ዝርአ መረጋገጺ ድማ ከም'ቲ ናብኡ ዝወረደ ኣብ ግዜ ህይወቱ ክሳብ ኣብ'ዚ ግዜ ዘለናዮ ከይተቀየረ ምጽንሑ ኢዩ።ካብ ክልተ ሚልያር ንላዕሊኣመንቲ እስልምና ድማ ይክተልዎን በቲ መለኮታዊ ሕጊ ከም ሰላት፡ዘካት፡ጾምን ሓጅን ወዘተ ከይተቀየረ ከይተለወጠ ምህላዉ ኢዩ።
5-ነቢ ከምዝኾነ ተኣምራት፡ምልክታትን ጭብትታትን
ኣላህ ንነቢያት ብተኣምራት ጌሩ የሰንዮምን፡ይሕግዞምን።ሒዘምዎ ዝመጹ መልእኽቲ ሒዘሞ ሓቀኛታት ከምዝኾኑ ብጭብትታት የረጋግጸሎም።ኣላህ፡ደቂ ሰባት ንኽኣምኑ ንኹሎም ነቢያት ብተኣምራት ኣሰንይዎም።ካብ'ቲ ዝዓበየ ነቢያት ዝተወሃብዎ ተኣምራት ድማ፡ተኣምራት ናይ ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]ኢዩ።ንሱ ድማ 'ኣልቑራን ኣልከሪም' ኢዩ።ቑራኣን ድማ እቲ ሓደ ካብ ዝዓበየ ተኣምራት ኮይኑ ክሳብ ምጽኣተ ዓለም ዝጸንሕ ኢዩ።ከምኡ'ዉን ብኻልእ ዝተፈላለዩ ዓይነት ተኣምራት ጌሩ የሰንዮ ኔሩ።
ገለ ካብኣተን ንምጥቃስ ኢስራእን ሚዕራጅን፡ምጭዳድ(ምምቃል)ናይ ወርሒ፡ኣብ ግዜ ጥምየትን ደርቂን ድሕሪ ዱዓ(ጸሎት)ምግባሩ ዝናብ ከምዝዘነበ (እዚ ድማ ቡዙሕ ግዜ የጋጥም ኔሩ)...
ከምኡ'ዉን ፍሉይ በረከት ኣብ ዉሑድ ዝነበረ ዝብላዕን ዝስተን መግቢ ንቡዙሓት ሰባት ኣኺሉ ኩሎም በሊዖምን ሰትዮምን ክተረፍ ይርአ ኔሩ።
ናይ ዝሓለፈ ዘጋጠመ ስዉር ነገር ወላሓደ ብዝርዝር ዝፈልጦ ዘየለ ተልእኾን ታሪኽን ተቀቢሉ፡ከም'ቲ ኣላህ ዝነገሮ ጌሩ ድማ ኣብጺሕዎን ኣሰጋጊርዎን።ከም ታሪኽ ናይ ነቢያት[ካብ ረቢ ሰላም ይኹኖም]ምስ ኣህዛቦም ዘጋጠሞም ፍጻሜታት ከም ታሪኽ ናይ'ቶም ኣብ ቑርኣን ኣስሓብ ኣልካህፍ(ሰብ በዓቲ)ተባሂሎም ዝፍለጡ ክንጠቅስ ንኽእል።
ካልእ ካብ ንደቂ ሰባት ስዉር ካብ ዝኾነ ናይ መጻኢ፡ግን ኣላህ ዝነገሮ ብርግጽ ድማ ዘጋጠመን ከም ሓዊ ካብ መሬት ናይ ሒጃዝ ክትወጽእ ዝበለ ዝኣመሰለ ኣብ መሬት ሻም ዝነበሩ ዝተዓዘቡዎን፡ከምኡ'ዉን ደቂ ሰባት ኣብ ዉድድር ርሻናት (ነዋሕቲ ህንጻታት) ናይ መን ይዓብይን ይነዉሕን እናበሉ ክፈኻኸሩን ኣብ ዳሕረዋይ ዘመናት ተራእዩን ይርአ ኣሎን ኢልና ንምስክሮ ነቢ መሓመድ ካብ ዝነገሩና ተኣምራት ኢዩ።
ከም'ቲ ኣላህ ካብ ኢድ ሰብ ሕማቕ ከየጋጥሞ ክሕልወካ ዝበሎን
ከም'ቲ ንሳሓባ(ብጾት ነቢ ሙሓመድ) ከጋጥምዩ ኢሉ ዝሓበሮም ከጋጥም'ዩ ኢሉ ዝሓበሮም ከጋጥም እንከሎ ንኣብነት፦
"ንፋርስን ሮማን ተዓዊትኩም ክትኣትዉ ኢኹም እቲ ናቶም ሃብቲ ድማ ኣብ መንገዲ ጽቡቕ ናይ ኣላህ ከተውዕልዎ ኢኹም ዝበልዎም"
ኣላህ ድማ ከም ሓገዝን ደገፈን ብመላእኽቲ ጌሩ ኣሰኒይዎ
ኩሎም ነቢያት[ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ድማ ንኣህዛቦም ብምምጻእ ናይ ነቢ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ከምዝበሰርዎም ፡ገለ ካብ'ቶም ብምምጽኡ ዘበሰሩ ድማ ሙሳ፡ዳዉድ፡ሱለይማን ዒሳ[ካብ ረቢ ሰላምታ ይኹኖም] ወዘተ ዘኣመሰሉ ካብ ነቢያት ናይ ደቂ ኢስራኢል ነይሮም።
ከምኡ'ውን በቲ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ክክሕዶ ዘይክእልን ብምሳሌኣዊ ኣበሃህላን[3] ብኣእምሮ ተቐባልነት ዘለዎ ጌሩ ድማ ኣሰንይዎ።
[3] ከም'ቲ ልዑል ዝኾነ ኣላህ ዝበሎ {ኦ ኣቱም ደቂ ሰባት ኣብነት ክህበኩም ጽን ኢልኩም ስምዑዎ፡ እቶም ብዘይ ኣላህ ትጽዉዕዎም እኮ ንሃመማ ክፈጥሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ወላ ውን ኩሎም እንተተሓጋገዙ እቲ ሃመማ ዝኾነ ነገር ካብኦም ምስ ዝወስድ፡ ነታ ዝወሰዳ ክመልስዋ ኣይምኸኣሉን። እቲ ሓታትን ተሓታትን ድማ ድኹማት ኢዮም} [ሱረት ኣልሓጅ፡73]
ከም'ዚ ዓይነት ጥቕስታትን ጭብጥታትን ርዱእ ዝኾነ ኣብነታትን ድማ ኣብ ቑርኣን ኣልከሪምን ኣብ ሱና [ዝበሎን ዘተግበሮን...] ናይ ነቢን ድማ ቡዙሕ ተዘርጊሑ ንረኽቦ።ተኣምራት ናይ ነቢ ድማ ብጣዕሚ ቡዙሕ ኢዩ።ንኹሉ ክፈልጥ ዝደለየ ድማ ናብ ካልእ ቁሊሕ ከይበለ ዘዕግብ ዝኾነ ኣብ ቑርኣንን ሱናን ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ ።
እቲ ኩሉ ዓበይቲ ተኣምራት ተዘይህሉ ኔሩ።እቶም ካብ ቑሬሽን የሁድን ክርስትያንን ኣብ ደሴት ዓረብ ዝበሃል መሬት ዝነበሩ ከም ዕድል ተጠቂሞም ንኸይኣምኑን ንሰባት ካብ'ኡ ከርሕቑን ምተራእዩ ኔሮም።
ኣልቑርኣን ኣልከሪም ድማ መጽሓፍ ኮይኑ መለኮታዊ ሕጊ ዝሓዘለ ኣላህ ንልኡኽ ሙሓመድ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]ዘዉረደሉ ኮይኑ ዘረባ ጎይታ ዓለም ኢዩ። ንደቂ ሰባትን ኣጋንንትን ንዕኡ ዝመስል ከምዘይገብሩ ወላ ዉን ሓንቲ ዓንቀጽ ትኹን ኣላህ በዲህዎም።ክሳብ ኣብ'ዚ ዘለናዮ ግዜ'ዉን እንተኾነ ምስ ናቱ ዝዳረግ ከምጽኡ ኣላህ ይብድሆም ኣሎ።ንሚልዮናት ዝኾኑ ንደቂ ሰባት ዘይተመለሰሎም ኣዝዩ ብዙሕ ሕቶታት፡ቑርን ኣልከሪም ክምልሶ ክኢሉ።እዚ ዓቢ ዝኾነ ቑርኣን እዚ ድማ በቲ ዝወረደሉ ቋንቋ ዓረብ ክሳብ ኣብ'ዚ ግዜ እዚ ወላ ሐንቲ ፊደል ከይጎደሎ ተዓቂቡ ንረኽቦ።ዓቢ ክብረት ዘለዎ ተኣምር ዝኾነ ተሰኒዱ ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ ይርከብ።ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት በዳሂ ኣገራሚ ዝኾነ እቲ እንኮ ዝዓበየ መጽሓፍ ናብ ደቂ ሰባት ዝወረደ ኮይኑ ንከነንብቦን ወይ ትርጉሙ ንከነንብብን ድማ ግዴታ ይኾነና።ብኡ ምእማንን ንዑኡ ምንባብን ዘይተዓደለ ድማ ቡዙሕ ጽቡቕ ነገር ከምዝሓለፎ ንፈልጥ።
ከምኡ'ዉን ሱና ናይ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]መምርሒኡን ታሪኹን ዕቅብ ኮይኑ ናባና ድማ ብሰንሰለት ናይ'ቶም ዘዘንትዉን ዝነግሩን እሙናት ዝኾኑ ብጾትናይ በቢን ካልኦትን ከምዝመጸን ይዝከር።ብቛንቛ ዓረብ በቲ ቛንቛ ናይ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ድማ ተሰኒዱ ልክዕ ከምዛ ምሳና ዘሎ ናብ ቡዙሓት ቋንቋታት ተተርጊሙ።ቑርኣን ኣልከሪምን ሱና ናይ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] እንኮ ምንጪ ናይ እስልምና ሕግታት ሒዝልና ዝመጽ ኢዩ።
6-ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ሒዝዎ ዝመጸዓይነት መሎኮታዊ ሕጊ
እቲ ሒዝዎ ዝመጸ ዓይነት መለኮታዊ ሕጊታት፡ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ሕግታት ናይ እስልምና ኢዩ።ንሱ ድማ ናይ መወዳእታ መዛዘሚ ካብ'ቲ ሕግታት እስልምና ናይ ኣላህ ምስቲ ቅድሚኡ ዝመጸ ሕግታት ናይ ኣላህ ኣብ መሰረት ተመሳሰሊ ኮይኑ ኣብ ኣገባብ ኣተጋባብራ ጥራሕ ዝፍለ ይኸዉን።
ዝጎደሎ ዘይብሉ ዝተማልአ ኮይኑ፡ምስ ኩሉ ግዜን ቦታን ዝሰማማዕ ንደቂ ሰባት ኣብ ጉዳይ ምድረዓለሞምን ሃይማኖቶምን ዕዉታት ዝገብሮም ድማ ኢዩ።ንኹሉ ግቡእ ናይ ኣላህ ጎይታ ናይ ዓለም ደቂ ሰባት ክገብርዎ ዘለዎም ዘጠቓለለ ኢዩ።ከም ስግዳን፡ዘካት ብዛዕባ ኣገባብ ንግድን ኣነባብራ ምስ ሕብረተሰብ ፖሎቲካን ከምኡ'ዉን ኣብ ግዜ ዉግእን ሰላምን ዝፍቀድን ዘይፍቀድን ኮታስ ኩሉ ከጋጥም ዝኽእል ኣብ ግዜ ህይወትን ብድሕሪ ሞትን ኣጠቃሊሉ ንረኽቦ።
እስላማዊ ሕጊታት ድማ ንደቂ ሰባት ሃይማኖቶም፡ደሞም፡ገንዘቦም፡ ክብረቶም፡ሓንጎሎም፡ዘርኦምን ዓቂብሎም።ንኹሉ ጽቡቕን ዝጠቅምን ኣጠቓሊሉ ካብ ኩሉ ሕማቕ ጽዩፍ ነገራት ኣጠንቂቑ ፡ናብ ክብረት ደቂ ሰባትን ፍትሕን ንጽህናን ጽሬትን ፍትወትን ይመርሕ።ንኹሉም ደቒ ሰባት ጽቡቕ ምድላይን ንኹሉ ዓድታት ብሰላም ምንባርን ንሰብ ዘምፍርራሕን ድማ ይጽዉዕ።ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ካብ ኩሉ ዓይነት ዘይጭውነት ነገራት ንኣብነት መሬት ዘበላሽዉን ዕግርግር ዝዘርእን፡ከምኡ'ዉን ከም ፈላሲ ወይ ንጹል ምዃን(ብሕታዊ ናብራ ካብ ምንባርን)ይኽልክልን ሰባትናብ'ኡ ከየምርሁ ይመክርን ይቃለስን ኔሩ።
ካብ'ቲ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ካብ ዝገለጸልና ነገራት ድማ ኣላህ ንደቂ ሰባት ብዘይ ኣፈላላይ ጾታ ክብረት ዘለዎም ጌሩ ፈጢርዎም።ግቡኦም ኩሉ ኣማሊኡ ድማ ንኹሉ ብድልየቶም ዝገብረዎ ወይ ዝዉስንዎ ነገራት ኣብ ሂወቶም ንነብሶም ወይ ንኻልእ ጠቓሚ ይኹን ጎዳኢ ሓላፍነቶም ከምዝወስዱ፡ብዝወሰድዎ ምርጫ ተሓተቲ ምዃኖም ሓቢርና።ከምኡ'ዉን ንደቂ ተባዕትዮን ንደቂ ኣንስትዮን ኣብ እምነትን ሓላፍነት ናይ ነብስን ዓስብን ማዕረ ይምልከቶም።እስላማዊ ሕጊ ንጓል ኣንስተይቲ ኣኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት ህይወት፡ከም ኣደ፡በዓልቲ ሓዳር ቆልዓ፡ሓብቲ ፍሉይ ክንክን ክትእለ ከምዝግባእ ሓቢርና።
ልኡኽ ሙሓመድ [ካብ ረቢ ዉዳሰን ክብረትን ይኹኖ] ሒዝልና ካብ ዝመጽአ ሕጊታት ሓደ፡ኣብ ጉዳይ ዘይፍቑዳት መስተታት ኢዩ።ንሓንጎል ከበላሽዎ(ክጎድእ)ካብ ዝኽእል ነገራት ክንቁጠብ ይእዝዝ።ንኣብነት፦ከም ኣስካሪ መስተ።እስልምና ሃይማኖት ብርሃን ኮይኑ ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ናብ ቅኑዕ መገዲ ክመርሕ ኢዩ መጺኡ።ከምኡ'ዉን ደቂ ሰባት ተረዲእዎም በሪህሎም ሕርኽርኽ ከይበሎም ብፍልጠትን ውዴታን ንጎይታ ምእንቲ ክግዝእዎ ኢዩ ናጽነት ዝህብ።ከም'ቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡እስላማዊ ሕጊ ዝበሃል ንኣእምሮ ደቂ ሰባት ኣኽቢሩ ናጻ ምርጫ ብምሃብ፡ካብ ተገዛእቲ ድሑር ኣተሓሳስባን ዘይጠቅሙ ባህሊታትን ከምኡ'ዉን ብዘይ ርድኢትን እኹል መርትዖን፡ከምኡ ብዝጸንሐ ልምዲ ተመሪሕካ ብዘይ ምምማይ፡ እሱር ናይ ድሑር ባህሊ ኰንካ ምኽታል ነጻ ከዉጽእ መጽዩ።
ካብ'ቲ ሒዝዎ ዝመጽአ ትሕዝቶ ድማ ንቁኑዕ ዝኾነ ፍልጠት ምኽባርን ብፍልጠትን ብቅንዕናን ወገንነት ከይሓዝካ ምምርማርን ይርከቦ።ከምኡዉን ስርሓት ኣፈጣጥራ ነገራት ካብ ኣካላትና ጀሚርካ፡ኣብ ሰማይን መሬትን ብሓፈሽኡ ኣብ ኣድማስ ብዘሎ ነገራት ኣተኲርካ ብዕምቆት ምስትንታንን ምድናቕን ንኸነዘውትር ይሕብረና።እቲ ቕኑዕ ዝበሃል ፍልጠትን ምስ'ቲ ልኡኽ ሙሓመድ [ ካብ ረቢ ወዳሰን ምሕረትን ወዳሰን ይኹኖ] ሒዝዎ ዝመጽአ መልእኽቲን ፍጹም ዝሰማማዕን ዘይተገራጫዊን ኢዩ።
ካልእ ኣብ እስልምና ሓደ ካብ ሓደ ኣብሊጽካ ምኳይ፡ -ከም ጾታ ወይ ቀቢላ ወይ ሕብረተሰብ ኣብሊጹ ኣይርእይን ኢዩ።ኩሉ ብዓይኒ እስላማዊ ሕጊ ማዕረ ኮይኑ ንኹሉ ድማ ፍትሓዊ ፍርዲ ይህብ።ምኽንያቱ ኩሎም ደቂ ሰባት ካብ መሰረቶም ማዕረ ስለዝኾኑ።እቲ ካብኣቶም ዝበለጸን ዝተፈለየን ዝበሃል እቲ ፍርሃት ረቢ ዘለዎ ጥራሕ ኢዩ።ከም'ቲ ልኡኽ ሙሓመድ [ ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ዝበለና ድማ " ኩሉ ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ ኣብ ንጹህ እምነት ይፍጠር ወላሓደ ሰብ ድማ ገጌኛ ወይ ንጌጋ ወራሲ ኮይኑ ኣይፍጠርን እዩ " ።
ካብ እስላማዊ ሕጊታት ንስሓ ማለት ሓጥያት ገዲፉ ናብ ኣላህ ምምላስ ከም ዘሎ ተገሊጽና።ሓደ ሰብ ንእስልምና ክቕበል እንከሎ፡ቅድሚ እስልምና ብዝፈጸሞ ሓጥያት ከምዘይሕተት ብግልጺ ተቐሚጡ ይርከብ።ብተመሳሳሊ ሓደ ሰብ ንስሓ ምስ ዝገበር በቲ ቅድሚ ምንስሑ ዝፈጸሞበደላት ከምዘይሕተት ንፈልጥ።ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰባት ኬድካ ካብኦም ይቕሬታ ክትሓትት ዘድሊ ኣይኮነን።ኣብ እስልምና ርክብካ ምስ ኣላህ ብቐጥታ እምበር ብሞንገኛ ጌርካ ንኣላህ ኣይትግዘኦን ኢኻ።ከምኡ'ዉን ኣብ እስልምና ንከማኻ ዝኾነ ፍጡር ሰብ ከተምልኾን ወይ ምስ ኣላህ መሻርኽቲ ጌርካ ክትግዝኦን ኣይፍቀድን ኢዩ።
ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]ሒዝዎ ዝመጸ እስላማዊ ሕጊታት ከም ቅያር ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሕጊታት ኮይኑ፡ናብ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ]ዝወረደ እስላማዊ ሕጊታት ድማ እቲ እንኮ ናይ መወዳእታ ሕጊታት ንኹሉ ህዝቢ ዓለም ዝምልከት ኮይኑ፡ክሳብ ምጽኣተ ዓለም ዝጸንሕ ድማ ኢዩ።ልክዕ ከም'ቲ በብግዚኦም ዝመጽኡ ዝነበሩ ዝሓለፉ ልኡኻት(ነቢያት) ንናይ ቅድሚኦም ዝነበረ ሕጊታት ገዲፎም በቲ ናቶም ቅያር ዝኸዱ ዝነበሩ ማለት ኢዩ።ኣላህ ድማ ብዘይካ እስላማዊ ሕጊታት ወይ ሃይማኖት እስልምና ንኻልእ ሃይማኖት ከምዘቅበል ነጊርና።ንእስላማዊ ሕጊታት ብዝርዝር ክፈልጥ ዝደለየ ድማ ካብ'ቲ ፍሉጥ ዝኾነ ብሓቅነቱ ዝተኣመነሉን ዝተረጋገጸሉን መጻሕፍቲ ክፈልጥ ይኽእል ኢዩ።
ከም'ቲ ናይ ኩሎም እቶም ልኡኻት ሕጊታት፡ካብ ኣላህ ናብ ልኡኽ ሙሓመድ[ካብ ረቢ ዉዳሰን ምሕረትን ይኹኖ] ዝወረደ እስላማዊ ሕጊታት፡ኣብ ዕላማኦም ፍልልይ ዘይብሉ ናብ ሓድ ሽቶ ዝጠመተ ኢዩ።ንሱ ድማ ንደቂ ሰባት ብሃይማኖቶም ኣሐቢኑ ናብ ሓደ ናይ ዓለም ጎይታ ዝኾነ ኣላህ ብንጽህና ተገኦም፡ንነብሶም ካብ ንባሮት ዝኾኑ ፍጡራትምምላኽን፡ካብ ድሒር ባህልን ነጻ ምዉጻእ ኢዩ።
እስላማዊ ሕጊታት ድማ ምስ ኩሉ ግዜን ቦታን ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ነቲ ጠቓሚ ዝበሃል ፍጥረታዊ ነገራት ድማ ከይተጻረረ ዝኸይድ ኢዩ።ካብ እቲ ኩሎ ድሌታት ናይ ደቂ ሰባት ዝፈልጥ ዝኾነ ኣላህ ስለ ዝወረደ፡ደቂ ሰባት ኣብ ህይወቶም መለኮታዊ(ሰማያዊ) ሕጊታት ጽሩይ ጌጋ ዘይብሉ፡ከም'ቲ ሰባት ዝጽሕፍዎን ዝብይንዎን ዝገራጮ ዘይኮነ ምንጩ ካብ ኣላህ ኮይኑ ንደቂ ሰባት ናብ ቅኑዕ መገዲ መሪሑ፡ብእኡ ተቐዪዶም ዝብየኑ(ዝፍረዱ) ድማ ብፍትሒ ከይዓመጸ ዝፈርዶም ንኽህልዎም ድማ ኣገዳሲ ስለዝኾነ።
7-ምስ ጸላእቱ ዝነበሮ ኩነታትን ዝምድናን፡ናታቶም ምስክርን
ከምዝፍለጥ ድማ ንኹሎም ነቢያት ዝጻብእዎም ተጻረርቲ ከምዝነበርዎም ኣብ ታሪኽ ተነጊርና ኢዩ።ኣንጻር እቲ ጻዊዒቶም(ተልእኾኦም)ደዉ ኢሎም፡ሰባት ንእስልምና ንኸይቅበሉ ካብ እምነት ናይ ኣላህ ከርሕቑዎም ብዝተኻእሎም መጠን ይቃለሱ ነበሩ።ብተመሳሳሊ፡ንልኡኽ ሙሓመድ ድማ ብህይወቱ ኣብ ዝነበረሉን ብድሕሪ ሕልፈቱን ቡዙሓት ተጻረርቲ ኔረሞ ኢዮም።ኣላህ ግን ኣብ መወዳእታ ኣዐዊትዎ።ነቢ ከምዝኾነን ልክዕ ከም'ቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ነቢያት[ካብ ረቢ ሰላም ይኹኖም] ተልእኾ ሒዘሞ ዝመጽኡ ሓደ ምዃኑን ብዉሽጦም እናፈለጡ ክቃወምዎ ተራእዮም። ከምኡ'ዉን ንሱ ኣብ ሓቂ ከምዘሎ እናፈለጡ ግን ብዓለማዊ ረብሓታት ከም ስልጣን ካብ'ቲ ዝመርሕዎ ሕብረተሰብ ብምፍራሕ ወይ ጥቕሚ ናይ ምድረ ዓለም ከም ገንዘብ ወይ ካብ ሸመቶም ከይጎድሎም ወዘተ ዝኣመሰለ ምኽንያታት ብምግባር ንኸይኣምንሉ ከም ምኽንያት ይጥቀሙ ነበሩ።
ኩሉ ምስጋናን ዉዳሰን ንኣላህ ጎይታ ዓለም ይኹኖ።
Related books
All books
ብሱና (መንገዲ) ረሱል (ሰላትን ሰላምን ይብጸሓዮም) ምሰራሕ ግድነት ኮይኑ ንዕኡ ዘይቕበል ድማ ካብ እስልምና ምውጽኡን ይምልከት፤23 languagesብሱና (መንገዲ) ረሱል (ሰላትን ሰላምን ይብጸሓዮም) ምሰራሕ ግድነት ኮይኑ ንዕኡ ዘይቕበል ድማ ካብ እስልምና ምውጽኡን ይምልከት፤
ኣዳላዊ: ሼኽ ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ዓብዲላህ ቢን ባዝ (ኣላህ ይርሓመሎም) ብስም ኣዝዩ ሩህሩህን ኣዝዩ ራህራህን ዝኾነ ኣላህ ድርሰተይ [ጽሑፈይ] እጅምር መእተዊ ምስጋና ንናይ ዓለማት ጎይታ ዝኾነ ኣላህ ዝተገበአ እዩ፡ ሰናይ ዝኾነ መወዳእታ ከኣ ነቶም ኣላህ ዝፈርሑ እዩ፡ ናይ ኣላህ ውዳሰን ሰላምን ድማ ኣብ ልዕሊ ባርያ ኣላህን፡ ልኡኹን ዝኾኑ፡ ንዓለማት ምሕረት ዝተላኣኹ ነቢይና ሙሓመድ ይውረድ። ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ እቶም ንመጽሓፍ ፈጣሪኦምን መንገዲ ነቢዮምን ብእምነትን ብጥንቃቐን ተቀቢሎም፡ ቃላቱን መልእኽቱን ከምዘለዎ ናብ ቀጻሊ ትውልዲ ዘመሓላለፉ ኣዝማዶምን ሳዓብቶምን ብጾቶምን ይውረድ። ኣላህ ሰናይ ስርሖም ይፍተወሎም ንዕኦም ውን ይፍተዎም፡ ከምኡ ውን ንዓና ብሰናይ ምግባር ካብ ዝስዕቡዎምን፡ ንኹሉ ህዝቢ መርትዖን ይግበረና፡ ካብኡ ብምቅጻል ብርግጽ ቀዳሞትን ዳሕረዎትን ዑለማእ (ሙሁራት) እስልምና፡ ሕጋጋት(ፍርድታት) እስልምና ኣብ ምቕማጥን፡ ሓላልን ሓራምን ኣብ ምብራህ መሰረታዊ ዝኾነ፡ ብቕድሚኡን ብድሕሪኡን ሓሶት ዘይመፆ ቁርኣን…
الإسلام دين رب العالمين
الإسلام دين رسل الله85 languagesالإسلامالإسلام دين رسل الله
رسالة لطبفة توضح أن الإسلام هو الاستسلام لله خالق الكون والانقياد له محبة وتعظيماً، وهو دين جميع الأنبياء، يقوم على الإيمان بالله، ورسله، وملائكته، وكتبه، واليوم الآخر، والقدر خيره وشره. ويدعو إلى عبادة الله وحده، ويرى أن عيسى عبد الله ورسوله وليس ابن الله.
ኣገደስቲ ትምህርትታት ንሓፈሻዊ ህዝቢ ሙስሊም78 languagesኣገደስቲ ትምህርትታት ንሓፈሻዊ ህዝቢ ሙስሊም
መጽሓፍ "ኣገደስቲ ትምህርትታት ንሓፈሻዊ ኡማ" ናይ ሼኽ ዓብዱል ዓዚዝ ቢን ባዝ (ኣላህ ይርሓመሎም)፡ ንሓፈሻዊ ሙስሊም ፍልጠታዊ ስንቂ ንክኸዉን በቲ ኢማም ዝተዳለወት ዓቢ ጠቅሚ ዘለዋ ሕጽር ዝበለት መልእኽቲ ኢያ። ኣብ'ዚ መጽሓፍ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሙስሊም ቅኑዕ እምነትን ኣምልኾትን ንምቕራብ፡ ካብ ቁርኣንን ሱናን ብዝተመስረተ ብቐሊልን ብንጹርን ኣገባብ፡ ካብ ተውሒድ፡ እምነትን እስልምናን ጀሚሩ ክሳብ ሕግታት ጠሃራን (ጽርየት) ሰላትን፡ ስነ-ምግባር እስልምናን፡ ከምኡ'ውን መጠንቀቕታታት ሺርክን ሓጢያትን ምግላጽን መብርሂ ምሃብን ብዛዕባ መሰረታትን ዓንድታትን ሃይማኖት ዝምልከት ይገልጽ።