Skip to content
ንሙስሊም ጠቅሚ ዘለዎ ሓጺር መምርሒ

ንሙስሊም ጠቅሚ ዘለዎ ሓጺር መምርሒ

እዚ መጽሓፍ እዚ ሕጽር ኢሉ ንኹሉ ዘጠቓልል ኮይኑ ብዛዕባ መሰረታት ናይ ሃይማኖት እስልምና ዝገልጽ ኮይኑ ነቲ ዘንብብ መሰረታት ቅኑዕ ዝኾነ ኣገባብ ዒባዳን(ኣምልኾት) ትርጉም እምነት ብኣላህን መላእኽትን መጻሕፍትን ልኡኻትን ምጽኣት ዓለምን ጽሕፍቶን ዝገልጽ ኢዩ። እዚ መጽሓፍ ድማ ብዛዕባ ዓቢ ጸጋ ዝኾነ እስልምናን ኣገዳስነት ንኣላህን እቲ ጽቡቕ ኣስማቱን መግለጺታቱን ምፍላጥ ጀሚሩ፡ ቀጺሉ ድማ ብዛዕባ ሓሙሽተ ዓንድታት ናይ እስልምናን፡ ዓንድታት ናይ እምነትን፡ ከምኡ'ዉን ብዛዕባ ርዲኢት ናይ ኢሕሳን ዉጺኢታቱን ንሓደ ኣማኒ ዝገልጽ ክኸዉን ኢዩ። ነዚ መጽሓፍ ካብ'ቲ ፍልይ ዘብሎ ነገራት ድማ ኣብ ማስረጂ ዝተሞርኮሰን ካብ ክልተ መልእኽታዊ ሕጊታት ዝመንጨወ ንሱ ድማ ኪታብን(ቑርኣን) ሱናን(መገድን መምርሕን ናይ ነቢ) ኮይኑ ንዝኾነ ኣስላማይ ብዛዕባ ናይ መሰረታት ሃይማኖቱ ብቕልል ዝበለ ኣገባብ ክምሃር ዝኽእለሉ መጽሓፍ ድማ ኢዩ።

0%
Font size