Skip to content

ሓደ ሰብ እዚ ቅድመ-ኩነት ምስዘማልእ ሓጅን ዑምራን ግዴታ ይኾኖ፥

نص الموضوع

1- الإسلام 2- العقل 3- البلوغ 4- الحرية 5- الاستطاعة وتزيد المرأة شرطًا سادسًا؛ وهو وجود المَحرَم الذي يسافر معها لأدائه، لأنه لا يجوز لها السفر لحج ولا لغيره بدون محرم، لقوله ﷺ: «لَا تُسَافِرُ الْمَرْأَةُ إِلَّا مَعَ ذِي مَحْرَمٍ، وَلَا يَدْخُلُ عَلَيْهَا رَجُلٌ إِلَّا وَمَعَهَا مَحْرَمٌ» [1]. ومَحرم المرأة هو: زوجها، أو من يحرم عليه نكاحها تحريمًا مؤبدًا؛ بنسب؛ كأخيها وأبيها وعمها وابن أخيها وخالها، أو بسبب مباح؛كأخ من رضاع، أو بمصاهرة؛ كزوج أمها وابن زوجها. والاستطاعة: هي: القدرة المادية والجسمية، بأن يُمكِنُه الركوب ويتحمل السفر، ويجد من المال بُلْغَتَه التي تكفيه ذهابًا وإيابًا، وأيضًا يجد ما يكفي أولاده ومن تلزمه نفقتهم إلى أن يعود إليهم. ويكون طريق الحج آمنًا على نفسه وماله. ومن كان قادرًا بماله دون جسمه، بأن كان كبيرًا هرمًا أو مريضًا مرضًا مزمنًا لا يُرجى برؤه؛ لزمه أن يقيم من يحج عنه ويعتمر. ويشترط فيمن تصح نيابته في الحج والعمرة شرطان: 1- أن يكون ممن يصح أداؤه لفريضة الحج، وهو المسلم البالغ العاقل. 2- أن يكون قد حج عن نفسه حجة الإسلام.

أخرجه البخاري برقم (1862)، ومسلم برقم (1341).

ሓደ ሰብ እዚ ቅድመ-ኩነት ምስዘማልእ ሓጅን ዑምራን ግዴታ ይኾኖ፥

  1. እስልምና።
  2. ኣእምሮ ሙሉእ ምዃን።
  3. ዓቕሚ ኣዳም ምብጻሕ።
  4. ነጻ(ሓራ) ምዃን።
  5. ዓቕሚ ምህላዉ።

ንጓል ኣንስተይቲ ድማ ሻድሻይ ቅድመ-ኩነት ይዉሰኻ፣ ንሱ ድማ ነቲ ዕማም ንምፍጻም ምስኣ ዝገይሽ ማሕረም ምህላው ኢዩ፡

ምኽንያቱ ንሓጅ ኮነ ንዝኾነ ካልእ ጉዳይ ብዘይ ማሕረም ክትገይሽ ስለዘይፍቀደላ ኢዩ።

ከም'ቲ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡

«ጓል ኣንስተይቲ፡ ምስ ማሕረም እንተዘይኮይና ክትገይሽ ኣይፍቀዳን ኢዩ፡ ምስኣ ማሕረም እንተዘይሃልዩ፡ ካልእ ወዲ ተባዕታይ (ኣብ ገዝኣ) ኣይኣቱን ኢዩ» [56]።

[10] ቡኻሪ ብቑጽሪ (142)ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (122) ሰኒደሞ።

ማሕረም ናይ ጓል ኣንስተይቲ ዝበሃሉ፥ በዓል ቤታ፡ ወይ ድማ እቶም ንሓዋሩ ክምርዓዉዋ ዘይፍቀዶም ሰባት ኢዮም፣

ብናት ሰጋ ዝምድና፣ ከም ሓዋ፡ ኣቦኣ፡ ሓወቡኣ፡ ወዲ ሓዋ፡ ኣኮኣን፡

ወይ ብፍቁድ ምኽንያት፣ ከም ብምጥባዉ ሓዊ፡ ወይ'ዉን ብናይ መርዓ ምኽንያት፣ ከም ሰብኣይ ኣዲኣን ወዲ ሰብኣያን።

ዓቕሚ ዝበሃል ከኣ፥ ብገንዘብን ብኣካላዊ ክእለት ኮይኑ፡ ሓደ ሰብ ነቲ መገሻ ጉዕዞ ክጻወሮን፡ ከምኡ'ዉን ንምኻድን ምምላስን ዝኣኽሎ ገንዘብ ክረክብን ምኽኣሉ'ዩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ ንደቁን ነቶም ቀለቦም ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑን፡ ክሳብ ናብኣቶም ዝምለስ ዘኣኽሎም ክገድፈሎም።

እቲ ናይ ሓጅ መንገዲ፥ ኣብ ነብሱን ንብረቱን ውሑስ ክኸዉን።

ብገንዘቡ ሓጅ ንምግባር ዓቕሚ ዘለዎ፡ ብኣካላቱ ግን ብምኽንያት ዕብየት (እርጋን) ወይ ንኽሓዉይ ተስፋ ዘይግበረሉ ሕማም ምስዝህልዎ፣ ኣብ ክንድኡ ሓጅን ዑምራን ዝገብረሉ ሰብ ከዉክል ይግደድ።

ነቲ ኣብ ሐጅን ዑምራን ውክልናኡ ቅቡል ዝኸዉን ሰብ ድማ፥ ክልተ ቅድመ-ኩነት ከማልእ ይግባእ፦

  1. ኣስላማይን ንዓቕሚ ኣዳም ዝበጽሐን(ዝባለቐ) ጥዑይ ኣእምሩኡን ክኸዉን ኣለዎ።
  2. ንነብሱ ሓጀተል ኢስላም ሓጅ ጌሩ ክኸዉን ኣለዎ።