Skip to content

እቶም ኣብ ረመዳን ምፍጣር ዝፍቀደሎም ሰባት፥

التصنيف الشرعي
الفقهالصيامأحكام الصيام

نص الموضوع

ቀዳማይ ክፋል፥ ከፍጥሩ ዝፍቀደሎምን ቐዳእ ዝግበኦምን፡ ንሳቶም ድማ፥

ቀዳማይ፥ ካብ ሕማሙ ክሓዊ ተስፋ ዘለዎ ሰብ፡ ግን ጾም ዝጎድኦ ወይ ዝኸብዶ እንተኾይኑ።

ካልኣይ፥ ገያሻይ፣ ኣብ መገሽኡ ጸገም ይርከብ ወይ ኣይርከብ።

ናይ'ዞም ክልቲኦም ማስረጂ ድማ፥ ልዑል ኣላህ ከም'ዚ ይብል፥

{...ዝሓመመ ወይ ኣብ መገሻ ዘሎ፡ ኣብ ካልኦት መዓልታት ኣለዎ...}

[ኣልበቐራ፡ 163]።

ሳልሳይ፥ ጥንስትን እተጥቡ ሰበይትን፡ ጾም የሸግረን እንተኾይኑ ወይ ንዓኣተን ወይ ንዐአንን ንዉላደንን፡ ፍርዱ ከም ናይ ዝሓመመ ኮይኑ፡ ስለዚ ምፍጣር ይፍቀደለን ኢዩ።

ግን ነቲ ጾም ኣብ ካልእ እዋን ምቕዳይ(ምትካእ) ግዴተአን ኢዩ።

ራብዓይ፥ ኣብ ሐይድን ንፋስን ዘለዋ ደቂኣንስትዮ፡ከፍጥራ ድማ ግድነት ይኾነን።

(ወላ ዉን እንተጾማ) ጾመን ኣይሕሰብን ኢዩ፡ ኣብ ካልኦት መዓልታት ቐዳእ ክገብረኦ ድማ ግዴተአን ኢዩ።

ካልኣይ ክፋል፥ እቶም ከፍጥሩ ዝተፈቕደሎም፡ቐዳእ ግን ዘይኮነስ ከፋራ(መከሓሓሲ)ጥራይ ዝግበኦም፡ ንሶም ድማ እዞም ዝስዕቡ ኢዮም፥

ቀዳማይ፥ ናይ ምሕዋይ ተስፋ ዘይብሉ ዝሓመመ።

ካልኣይ፥ ምጻም ዘይክእል ዝሸምገለ ሰብ።

እዚኦም ሰባት የፍጥሩ እሞ፡ ኣብ ወርሒ ረመዳን ንነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ንሓደ ጽጉም የብልዑ።

እዚ ማለት እቲ ዕድመ ዝደፍአ ሰብ ናብ ነብሱ ዘይፈልጠሉ ደረጃ ምስ ዝበጽሕ፡ ሃይማኖታዊ ግዴታ(ተክሊፍ) ካብኡ ስለዝልዓል፣ የፍጥር (ኣይጸውምን) ወላሓንቲ ነገር'ዉን ኣይሕተተሉን ኢዩ።