Skip to content

نص الموضوع

ዝወጸሉ ግዜ፥

ዘካት ምዉጻእ ግዴታ ዝኾነሉ ግዜ ምስ ኣኸለ ሽዕኡ ምጻእ ይግባእ፡

ብዘይካ ነቲ ምኽንያት ዘለዎ፡ ከም እቲ ገንዘብ ኣብ ርሑቕ ሃገር ኮይኑ ዝውክሎ ሰብ ዘይምህላዉ ዝኣመሰለ ዘገድድ ምኽንያት እንተዘይኮይኑ፡ ምድንጓያ ኣይፍቀድን ኢዩ።

እትወጸሉ ቦታ፥

እቲ ዝበለጸ፡ ኣብ'ቲ እቲ ገንዘብ ዘለዎ ሃገር ዘካት ምዉጻእ፡

እቲ ገንዘብ ካብ'ቲ ዘለዎ ዓዲ ናብ ካልእ ዓዲ ንምንቅስቓሱ ዝፍቀደሎም ኩነታት፥

ሀ- ኣብ'ቲ ዓዲ ዘለዎ ንዘካት ዝግብኦ ጽጉም ሰብ እንተዘይተረኺቡ።

ለ- ኣብ ካልእ ሃገር ዝተጸገመ ኣዝማድ እንተሃልዩ።

መ- ናብ ካልእ ዓዲ ንምቕያር ዘገድድ ሸሪዓዊ ረብሓ እንተተረኺቡ፡ ከም፥ ናብ'ቶም ብጥሜትን ዉሕጅን ዝኣመሰለ ዝተጠቕዑ ሙስሊሚን ዝርከቡዎም ከባቢታት ምብጻሕ።

ዘካት ኣብ ናይ ገንዘብ ህጻንን ጽሉልን፡ እዚ ድማ ብሓፈሻ ናይ'ቲ መርትዖታት ዝመጸና መሰረት፡ ኣብ ክንድኦም ኮይኑ ዘዉጽኦ ድማ እቲ ናይ ገንዘቦም ኣላዪ ኢዩ።

ዘካት ምዉጻእ ብዘይ ኒያ ኣይፍቀድን ኢዩ፡

ከም'ቲ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡

«እቲ ኩሉ ተግባራት እኮ ብኒያ ኢዩ ዝሕሰብ» [47]።

[10] ቡኻሪ ብቑጽሪ (142)ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (122) ሰኒደሞ።