Skip to content

2- ቅድመ-ኩነት ናይ'ቲ ዘካት ምዉጻእ ግድነት ዝኾኖ፥

نص الموضوع

ሀ) ናጽነት፥ ኣብ ልዕሊ ባርያ ግዴታ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ንሱ ንብረት የብሉን፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ኩሉ ድማ ናይ ጎይትኡ ምልኪ ኢዩ፡ ስለ'ዚ ዘካቱ ጎይትኡ ኢዩ ዘዉጻሉ።

ለ) ኣስላማይ ምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ካፍር(ዝኸሓደ)ግዴታ ኣይኮነትን፣ ምኽንያቱ ንሳ(ዘካት) ናብ ኣላህ መቕረብን ትእዛዝን ኢያ፡ዝኸሓደ ድማ ንኸም'ዚ ዓይነት ንኣላህ መቕረብን ተኣዛዝነትን ብቑዕ ኣይኮነን።

መ) ኒሳብ ምዉናን፥ ኣብ ኒሳብ ዘይበጽሐ ግዴታ ኣይከዉንን ኢዩ፡ ንሱ ድማ(ኒሳብ) ብሸሪዓ ዝተገመተ መጠን ገንዘብ።

ደ) ሙሉእ ዋንነት፥ እቲ ንብረት ናይ ሓደ ሰብ ኮይኑ ዋንነቱ ድማ ምሉእን ፍጹምን ክኸዉን ይግባእ። ዋንነቱ ኣብ ዘይተረጋገጸሉ ንብረት ድማ ዘካት የብሉን፡ ከም ኣብ ዕዳ ዘሎ ገንዘብ።

ሠ) እቲ ገንዘብ ዓመቱ ኣሕሊፉ ክኸዉን፥

ካብ ዓኢሻ ረዲየላሁ ዓንሃ ኣብ ዝመጽ ሓዲስ፥

«ዝኾነ ገንዘብ ዓመት ክሳብ ዝገብር፡ዘካት የብሉን» [43]።

[43] ኢብኑ ማጃህ ብቁጽሪ (1792)፡ ቲርሚዚ ድማ ብቁጽሪ (63)ን(631) ሰኒደሞ።