Skip to content

ፍርዲ ናይ'ቲ ማይን ተየሙምን ምጥቓም ክእለት ዘይብሉ ሰብ፡

التصنيف الشرعي
الفقهالطهارةالتيمم

نص الموضوع

ሓደ ሰብ ማይን ሓመድን እንተሰኢኑ፡ ወይ ድማ ቆርበቱ ብማይ ይኹን ብሓመድ ክትንክፍ ናብ ዘይክእለሉ ኩነታት እንተበጺሑ፡ ብዘይ ውዱእን ተየሙምን ከም'ቲ ዘለዎ ኩነታት ክሰግድ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣላህ ንነብሲ ልዕሊ ዓቕማ ኣየገድዳን ኢዩ።

ድሕሪኡ ማይን ሓመድን እንተረኺቡ ወይ ድማ ክጥቀመሎም እንተኽኢሉ፡ ነቲ ዝሰግዶ ዝነበረ ኣይደግሞን ኢዩ።ምኽንያቱ ነቲ ዝተኣዘዞ ብግቡእ ፈጺምዎ ዝለዝኾነ።

ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡

{...ንኣላህ ብዝከኣልኩም መጠን ፍርሕዎ...}

[ኣ'ተቓቡን፡16]፡

ከም'ቲ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡

«ሓደ ነገር ምስ ዝእዝዘኩም፡ ካብኡ ዝከኣልኩም ግበሩ» [11]።

[10] ቡኻሪ ብቑጽሪ (142)ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (122) ሰኒደሞ።

ጠቓሚ ሓበሬታ፡ሓደ ሰብ ብሰንኪ ጀናባ ተየሙም ጌሩ ዝጸንሐ፡ ደሓር ግን ማይ ምስ ረኸበ፡ ክሕጸብ ኣለዎ።