Skip to content

نص الموضوع

النوع الأول: الكفر الأكبر: هو الموجِب للخلود في النار، وهو خمسة أنواع: 1- كفر التكذيب: وهو اعتقاد كَذِبِ الرسل، وهذا قليل في الكفار؛ لأن الله عز وجل أيَّد رسله بالبراهين الواضحة، وإنما حال المكذبين هؤلاء كما وصفهم الله: ﴿‌وَجَحَدُوا ‌بِهَا ‌وَاسْتَيْقَنَتْهَا أَنْفُسُهُمْ ظُلْمًا وَعُلُوًّا...﴾ [النحل: 14]. 2- كفر الإباء والاستكبار: وهذا مثل كفر إبليس، فإنه لم يجحد أمر الله ولم ينكره، وإنما قابله بالإباء والاستكبار، قال تعالى: ﴿وَإِذۡ قُلۡنَا لِلۡمَلَٰٓئِكَةِ ٱسۡجُدُواْ لِأٓدَمَ فَسَجَدُوٓاْ إِلَّآ إِبۡلِيسَ أَبَىٰ وَٱسۡتَكۡبَرَ وَكَانَ مِنَ ٱلۡكَٰفِرِينَ 34﴾ [البقرة: 34]. 3- كفر الإعراض: وذلك بأن يُعرِض بسمعه وقلبه عن اتباع الحق، فلا يَلتَفت إليه، ولا يُلقي له بالاً، قال تعالى: ﴿وَمَنۡ أَظۡلَمُ مِمَّن ذُكِّرَ بِـَٔايَٰتِ رَبِّهِۦ ثُمَّ أَعۡرَضَ عَنۡهَآۚ إِنَّا مِنَ ٱلۡمُجۡرِمِينَ مُنتَقِمُونَ 22﴾ [السجدة: 22]. أما الإعراض الجزئي؛ فهو فسق لا كفر؛ كالذي يُعْرِض عن تعلم بعض واجبات الدين؛ من أحكام الصيام أو الحج ونحو ذلك. 4- كفر الشك: وذلك بأن يتردد، ولا يجزم بالحق، بل يشك فيه، كما في قوله تعالى: ﴿وَدَخَلَ جَنَّتَهُ وَهُوَ ظَالِمٌ لِنَفْسِهِ قَالَ مَا أَظُنُّ أَنْ تَبِيدَ هَذِهِ أَبَدًا 35 وَمَا أَظُنُّ السَّاعَةَ قَائِمَةً وَلَئِنْ رُدِدْتُ إِلَى رَبِّي لَأَجِدَنَّ خَيْرًا مِنْهَا مُنْقَلَبًا 36﴾ [الكهف: 35-36]. 5- كفر النفاق: وهو أن يُظهِرَ بلسانه الإيمان، ويَطوِيَ بقلبه التكذيب، قال تعالى: ﴿وَمِنَ ٱلنَّاسِ مَن يَقُولُ ءَامَنَّا بِٱللَّهِ وَبِٱلۡيَوۡمِ ٱلۡأٓخِرِ وَمَا هُم بِمُؤۡمِنِينَ 8﴾ [البقرة: 8]. وهذه هي أنواع الكفر الأكبر المخرج عن الملة. النوع الثاني: الكفر الأصغر: وهذا النوع لا يوجب الخلود في النار، وهو ما ورد في الكتاب والسنة تسميته كفرًا غير مُعَرَّفٍ بالألف واللام، بل وَرَدَ مُنكَّرًا، والأمثلة عليه كثيرة، منها: حديث أبي هريرة رضي الله عنه قال: قال رسول الله ﷺ: «اثْنَتَانِ فِي النَّاسِ هُمَا بِهِمْ كُفْرٌ: الطَّعْنُ فِي النَّسَبِ، وَالنِّيَاحَةُ عَلَى المَيِّتِ» [1].

أخرجه مسلم برقم (121)، وأحمد في المسند برقم (10434).

ቀዳማይ ዓይነት፡ ዓብይ ክሕደት፡

ንሱ ድማ እቲ ንዘልኣለም ኣብ ሓዊ ዘንብር ኮይኑ፡ ሓሙሽተ ዓይነታት ኣለውዎ፡-

  1. ናይ ዘይምእማን ክሕደት፡

እዚ ማለት ንልኡኻት ኣላህ ብሓሶት ምጥቃን፡

እዚ ድማ ኣብ'ቶም ካሓድቲ ውሑድ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ኣላህ ንልኡኻቱ ብንጹራት ጭብትታት ደጊፍዎም ስለዝኾነ።

ኣላህ ንኩነታት እዞም ዝሓሰው ከም'ዚ ክብል ይገልጾ፡

{ነብሶም ርግጸኛ ከምዝኾነት እናፈለጡ፡ ብበደልን ትዕቢትን ከሓድዋ... }

[ኣ'ናሕል፡ 36]።

  1. ክሕደት እምቢታን ትዕቢትን፡

እዚ ድማ ከም'ቲ ናይ ኢብሊስ(ሰይጣን) ክሕደት ዝኣምሰለ ኢዩ።ንሱ(ሰይጣን) ንትእዛዝ ኣላህ ኣይካሓዶን ወይ ኣይነጸጎን፡ እንታይ ደኣ ብኩርዓትን ብነብሰ-ምዕባይን(ትዕቢትን) ኢዩ ገጢምዎ።

ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡

{ንመላእኽቲ፡ ንኣዳም ስገዱ ኣብ ዝበልናዮም እዋን፡ ብዘይካ ኢብሊስ(ሰይጣን) ኩሎም ሰገዱ። ንሱ ግን ኣበየ፡ ተዓበየ፡ ካብ'ቶም ከሓድቲ ድማ ኮነ 34}

[ኣልበቐራ፡ 163]።

  1. ክሕደት ኣድህቦ ምኽላእ ገጽ፡

እዚ ኸኣ ሓደ ሰብ ሓቂ ካብ ምስዓማዕን ብልቡን ክርሕቖ እንከሎ ኢዩ።ናብኡ ግልጽ ከይበልካ ሸለል ምባልን ኢዩ።

{ካብ'ቲ ብዓንቀጻት ጐይታኡ እንተተዘኪሩሉ፡ ድሕር'ዚ ኣድህቦ እንተኾይኑ፡ መን ኣሎ ካብ'ዚ ንላዕሊ ዝበደለ? ንሕና ካብ'ቶም ከሓድቲ ብሓቂ ፈደይቲ ሕነ ኢና። 22}

[ኣ'ሰጅዳ፡ 22]።

ከፊላዊ ኣድህቦ ዘይምሃብ ካብ ስነ ምግባር ዘዉጽእ እምበር ኩፍሪ(ክሕደት) ኣይኮነን፡ እዚ ድማ ከም'ቲ ገለ ካብ ግዴታት ሃይማኖት ንምምሃር ዝህከይ፡ ንኣብነት ሕግታት ጾምን ሓጅን ከምኡ ዝኣመሰሉን ማለት'ዩ።

  1. ኩፍር(ክሕደት) ናይ ጥርጣረ፡

እዚ ማለት ይጠራጠር፡ ነቲ ሓቂ ብትኽክል ኣየረጋግጋጽን፡ ካብ'ዚ ሓሊፉ ጥርጣረ የሕድር። ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡

{ንነብሱ በዳሊ ኮይኑ ናብ ግራቱ ኣተወ። እዚኣ ፈጺማ ትጠፍእ ኣይመስለንን ድማ በለ 35}

{እታ ሰዓት ትመጽእ ኢለ ኣይግምትን። ናብ ጎይታይ እንተድኣ ተመሊሰ ድማ፡ ብርግጽ ካብኣ ዝበለጸ መምለሲ ክረክብ ኢየ 36}

[ኣልካህፍ፡ 35-36]

  1. ናይ ኒፋቕ(ምስሉይነት) ክሕደት፡

እዚ ድማ፡ ብመልሓሱ ኣማኒ መሲሉ፡ ብልቡ ከኣ ክሕደት ይሓብእ።

{ካብ ሰባት'ዉን ብኣላህን ብመዓልቲ ኣኼራን ኣሚንና ዝብሉ ኣለው፡ንሳቶም ግን ኣመንቲ ኣይኮኑን።}

እዚኣቶም ድማ ካብ እስልምና ዘዉጽኡ ናይ ዓባይ ኩፍር(ክሕደት) ዓይነታት ኢዮም።

2ይ- ንእሽተይ ኩፍር(ክሕደት)፡

እዚ ዓይነት'ዚ ኣብ ሓዊ ንዘልኣለም ምጽናሕ ኣየስዕብን ኢዩ።

እዚ ድማ ኣብ ቑርኣንን ሱናን ኩፍር ተባሂሉ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ብ'ኣሊፍን ላምን' ዘይኮነስ ብዘይ ዉሱን መልክዕ ዝተጠቀሰ ኢዩ።

ኣብነታቱ ቡዙሕ ኣሎ ገለ ካብኡ፦

ሓዲስ ኣቡሁረይራ ረዲየላሁ ዓንሁ ኢሉ፦ልኡኽ ሰላላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ፡

«ኣብ ባህሪ ሰባትዝርከባ ክልተ ነገራት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ ካብ ተግባራት ኩፍሪ(ክሕደት) ኢየን፡ ኣብ ወለዶ ምጽላምን፡ ኣብ ልዕሊ ምውት ዋይዋይታ ምባልን» [4]።

[4] ሙስሊምን ብቑጽሪ(121) ኣሕመድን ኣብ ኣልሙስነድ ብቑጽሪ (10434) ሰኒደሞ።