ናይ ሺርኪ ክፋላት ሰለስተ ኢየን፡
- التصنيف الشرعي
- العقيدةالإسلامنواقض الإسلامالشرك
- الموضوعات
- التوحيد وحمايتهالشرك بالله وأقسامه
نص الموضوع
- ዓቢ ሺርክ።
- ንእሽተይ ሺርክ።
3-ስዉር ሽርኪ።
- ዓቢይ ሺርክ፡
ባህርያቱ ከኣ ፡ ኣብ'ቲ ፍሉይ ባህርያት ናይ ኣላህ ብዘይክኡ ምስ ኣላህ ማዕረ ምግባር ኢዩ።
ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
{ምስ ናይ ዓለማት ጎይታ ማዕረ ንገብረኩም ስለ ዝነበርና 98}
[ኣ'ሹዓራእ፡ 98]
ንሱ(ዓቢ ሽርክ) ድማ ኣምልኾት፡ ካብ ልዑል ኣላህ ወጻኢ ንዝኾነ ኣካል ምሃብ ዘጠቓልል እዩ፡
ወይ'ዉን ገለ ካብኡ ንኣላህ ዘይኮነ ንኻልእ ኣካል፡ ከም ዱዓእ፡ ሓገዝ ፡ መብጽዓ፡ ምሕራድን ካልኦት ዓይነታት ኣምልኾት ምሃብ ኢዩ።
ወይ ድማ፡ ነቲ ልዑል ኣላህ ሓራም ዝገበሮ ፍቑድ ምግባር የጠቓልል፡
ወይ ነቲ ሓላል ዝገበሮ ሓራም ምግባር፡
ወይ ነቲ ኣላህ ግዴታ ዝገበሮ ምግዳፍ፡
ከም'ቲ ነቲ ኣብ ሃይማኖት ሓራም ምዃኑ ፍሉጥ ነገራት ፡ ማለት ከም ምዝማዉ፡ ዘስክር መስተ ምስታይ፡ንወለዲ ዘይምእዛዝ፡ ሓረጣ ወይ ነዚ ዝኣመሰለ ነገራት ሓላል ምግባር።
ወይ ነቲ ሎዑልን ኩቡርን ኣላህ ሓላል ዝገበሮ ጽፉፍ ነገራት ሓራም ምግባር።
ወይ ድማ ነቲ ኣላህ ግዴታ ዝገበሮ ምትራፍ፡
ከም ን ስግዳን ግዴታ ከምዘይኮነ፡ ወይ ጾም ግዴታ ከምዘይኮነ፡ ወይ ዘካት ግዴታ ከምዘይኮነት ምእማን።
ዓቢይ ሺርኪ ድማ፦ንኹሉ ሰናይ ስራሓት ከንቱ ይገብሮ(የበላሽዎ)፡ ነቲ ኣብኡ(ሺርክ) ዝሞተ ድማ ኣብ ሓዊ ገሃነም ንዘልኣለም የስፍሮ፡
{...ንኣላህ መሻርኽቲ እንተዝገብሩ ነይሮም፡ እቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ስራሕ ምተበላሸዎም ነይሩ}።
[ኣል- ኣንዓም፡ 50]
ኣብኡ(ኣብ ሺርክ) ዝሞተ ድማ፡ ኣላህ ኣይምሕሮን ኢዩ፡ ገነት ዉን ንዕኡ ሓራም ትኾኖ።
{ብርግጽ ኣላህ ምስኡ ሽርክነት ምግባር ኣይምሕርን'ዩ። ኮይኑ ግን ካብ'ዚ ዝነኣሰ ሓጥያት ንዝገበረ፡ ንዝደለዮ ይምሕር'ዩ...}
[ኣ'ኒሳእ፡124]
ከምኡ'ውን ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
{እቲ ምስ ኣላህ ሺርካ ዝገብር፡ ብርግጽ ኣላህ ገነት ንዕኡ ሓራም ጌርዋ፡ መዕቆቢኡ ድማ ሓዊ ገሃነም ኢዩ...}
[ኣል ማኢዳ፡ 72]
- ንእሽተይ ሺርክ፡
እዚ በቲ መርትዖታት ሽርኪ ተባሂሉ ዝተሰመየ ኮይኑ፡ ግን ካኣ ደረጃ ዓቢ ሺርኪ ኣይበጽሐን፡ ስለ'ዚ እዚ ንእሽተይ ሺርኪ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ከም ካብ ብልዑል ኣላህ ወጻኢ ምምሓል፡
ከም ብካዕባን፡ብነብያትን፡ ብሕድርን፡ብህይወት እከለን ኢልካ ከምኡ ዝኣመሰለን ተጠቂምካ ምምሓል፡
ከም'ቲ ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
"ብኣላህ ገዲፉ ብኻልእ ዝመሓለ ክሒዱ ወይ ምስ ኣላህ መሻርኽቲ ጌሩ ኣሎ" [2].
[2] ኢማም ኣሕመድ ኣብ ሙስነዱ ብቑጽሪ (6072)፡ ቲርሚዚ ድማ ብቑጽሪ (1535) ሰኒደሞ ሓዲስ ሓሰን ኢዩ’ ድማ ኢሉ።
(በቲ ዝምሕሎ ዘሎ) ኣብ ልቡ ብዘሎ መሰረት ድማ ዝዓበየ ክኸዉን ይኽእል፡
ኣብ ልቢ እቲ ብነቢ ወይ ብሸኽ እከለ ኢሉ ዝምሕል ሰብ፡ ንሱ(እቲ ዝጽዉዖ ኣካል) ምስ ኣላህ ማዕረ ከም ዝኾነ፡ ወይ ብዘይካ ኣላህ ከም ዝለመነ፡ ወይ'ዉን ነዚ ኣድማስ ከም ዝቆጻጸሮ እንተሓሲቡ፡ ዝዓበየ ሽርኪ ይኸዉን፡
ኮይኑ ግን እቲ ካብ ኣላህ ወጻኢ ዝምሕል ሰብ፡ ነዚ ዕላማ እዚ ዝጠቐስናዮ ዘይብሉ እንተኾይኑ፡ የግዳስ ልምዲ ስለዝኾኖ ጥራይ ብዘይ ሓሳብ ኣብ ልሳኑ ዝመጾ እንተኾይኑ፡ ንእሽተን ሽርኪ ይኸዉን።
እዚ ኣብ ገለ ከባቢታት ብብዝሒ ይፍጸም ኢዩ። ስለ'ዚ ንተዉሒድ ንምዕቃብን ንምክልኻልን፡ ነዚ ምስትብሃልን ካብኡ ምጥንቃቕን ግዴታ ኢዩ።
- ሕቡእ ሺርክ፡
እዚ ማለት ብልቢ ሰብ ክርእየለይ ኢልካ ዝግበር ኣምልኾት ኢዩ፡
ከም (ንኣብነት) ሰብ ክርእይዎ ኢሉ ዝሰግድ ወይ ዝቐርእ፡ ወይ'ዉን ንኽዉድስዎ ኢሉ ተስቢሕ ዝገብር፡ ወይ'ዉን ንኽንእድዎ ኢሉ ዝምጽዉት፡
እዚ ድማ ነቲ ዝተራኣየሉ ስራሕ(ክረኣየሉ ዝሰርሖ) የበላሽዎ፡ ነቲ ንልዑል ኣላህ ብንጽህና ዝሰርሖ ስራሕ ግን ኣየባላሽዎን ኢዩ።
ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኢሉ፡
«ሽርኪ ኣብ'ዚ ኡማ(ሕብረተሰብ) እዚ፡ ኣብ ጸልማት ለይቲ ኣብ ልዕሊ ጸሊም እምኒ ካብ ዝኸይድ ዘሎ ጸሊም ጻጸ ንላዕሊ ዝተሰወረ ኢዩ። መካሓሓሲኡ ድማ፦ "ኣላሁማ ኢኒ ኣዑዙ ቢካ ኣን ኡሹሪካ ቢካ ሸይአን ወኣና ኣዕለሙ፡ ወኣስተቕፊሩካ ሚነ'ዘንቢ'ለዚ ላኣዕለሙ" ምባል ኢዩ።»[3]
[3] ኣልቡኻሪ ኣብ ኣልኣደብ ኣልሙፍረድ ብቑጽሪ (716)፡ ኣሕመድ ኣብ ኣልሙስነድ ብቑጽሪ(19606) ከምኡ'ዉን ኣድዲያእ ኣልመቕዲሲ ኣብ ኣልኣሓዲስ ኣልሙኽታራ (1/ 150) ሰኒደሞ ኣልኣልባኒ ድማ ኣብ ሰሒሕ ኣልጃሚዕ ኣ'ሰቂር ብቑጽሪ(3731) ሰሒሕ ኢልዎ።