Skip to content

نص الموضوع

ሓደ ባርያ ብጽኑዕ እምነት፡ ብዘይካ ልዑልን ኩቡርን ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ካልእ ከምዘየለ ምርግጋጹ ኢዩ፡

ንኣላህ ንበይኑ ክግዛእ፡ ነቲ ንጹህ ዝኾነ ኣላህ ብኹሎም ዓይነታት ኣምልኾት ብንጽል የተግብር፡ ከም ዱዓ፡ ፍርሒ፡ ተስፋ፡ ምዉካልን ካልእን።

እቲ ምስክርነት ብክልተ ዓንድታት ጥራሕ ኢዩ ዝረጋገጽ፦

ቀዳማይ፡ ካብቶ'ም ብዘይካ ኣላህ ዝኾኑ ኩሎም መወዳድርቲን፡ ኣማልኽቲን፡ ጣኦታትን፡ ኣምላኽነት ከምዝግበኦም ምንጻግ።

ካልኣይ፡ ኣምልኾትን እቲ ሓቀኛ ተገዛእነትን ንኣላህ ንበይኑ እምበር፡ ንኻልእ ከይሃብካ ምዃኑ ምርግጋጽ።

ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡

{ናብ ነፍሲ ወከፍ ህዝቢ(ኡመት)፡ ን "ኣላህ ጥራይ ተገዝኡ ካብ ጣኦት ከኣ ርሓቑ"ዝብል መልእኽተኛ ብርግጽ ልኢኽና ኢና...}

[ኣ'ናሕል፡ 36]።