Skip to content

نص الموضوع

اعلم أن الله عز وجل خَلَقَ الخَلْق ليعبدوه ولا يشركوا به شيئًا، قال تعالى: ﴿وَمَا خَلَقۡتُ ٱلۡجِنَّ وَٱلۡإِنسَ إِلَّا لِيَعۡبُدُونِ 56﴾ [الذاريات: 56]، وهذه العبادة لا يمكن معرفتها إلا بالعلم، كما قال تعالى: ﴿فَٱعۡلَمۡ أَنَّهُۥ لَآ إِلَٰهَ إِلَّا ٱللَّهُ وَٱسۡتَغۡفِرۡ لِذَنۢبِكَ وَلِلۡمُؤۡمِنِينَ وَٱلۡمُؤۡمِنَٰتِۗ وَٱللَّهُ يَعۡلَمُ مُتَقَلَّبَكُمۡ وَمَثۡوَىٰكُمۡ 19﴾ [محمد: 19]، فبدأ بالعلم قبل القول والعمل. فأهم ما على المسلم تعلُّمه هو توحيد الله عز وجل؛ لأنه هو أصل الدين وأساسه، ولا يقوم الدين إلا بالتوحيد، وهذا هو أول واجب على المسلم، وهو آخر واجب. والتوحيد هو الركن الأول من أركان الإسلام التي يجب على كل مسلم معرفتها والعمل بها، وهي خمسة أركان، كما جاء في حديث عبد الله بن عمر رضي الله عنهما قال: سمعت رسول الله ﷺ يقول: «بُنِيَ الإسْلَامُ عَلَى خَمْسٍ: شَهَادَةِ أنْ لَا إلَهَ إلَّا اللَّهُ وأنَّ مُحَمَّدًا رَسُولُ اللَّهِ، وَإقَامِ الصَّلَاةِ، وَإيتَاءِ الزَّكَاةِ، وَحَجِّ البَيْتِ، وصَوْمِ رَمَضَانَ». فيجب على المسلم تعلُّم معنى التوحيد؛ وهو إفراد الله بالعبادة، فلا يُشرِك معه أحدًا في عبادته؛ لا مَلَكٌ مُقرَّبٌ ولا نبيٌ مُرسَلٌ.

ኣላህ ንፍጥረታቱ ዝፈጠሮም'ኮ፡ ንዕኡ ከምልኹዎን ምስኡ ወላ ሓደ ከየሻርኹን ምዃኑ ፍለጥ።

ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡

{ንጋኒንን ሰብን ዝፈጠርክዎም እኮ ምእንቲ ንዓይ ንብሕተይ ከምልኹኒ ኢዩ 56}

[ኣ'ዛሪያት:56]

እዚ ኣምልኾት'ዚ ድማ ብዘይካ ብትምህርቲ እምበር ብኻልእ ክትፍለጥ ኣይከኣልን ኢዩ።

ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡

{በዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ወላ ሓደ ከምዘየለ ፍለጥ።ናትካን ናይ'ቶም ዝኣመኑን ዝኣመናን ካብ ሓጢያትኩም ምሕረት ለምን። ኣላህ ድማ ምንቅስቓሳትኩምን መዕረፊኹምን ይፈልጥ ኢዩ 19}

[ሙሓመድ፡ 19]፡

ቅድሚ ቃልን ተግባርን ብፍልጠት ጀሚሩ።

ስለ'ዚ እቲ ዝዓበየ ሓደ ኣስላማይ ክመሃሮ ዝግባእ ነገር፡ ተዉሒድ ናይ'ቲ ልዑልን ኩቡርን ዝኾነ ኣላህ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ንሱ ቀንዲ መሰረት ናይ ሃይማኖት ስለዝኾነ።

ሃይማኖት ብዘይ ተዉሒድ ኣይቀዉምን ኢዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሙስሊም ቀዳማይን መወዳእታን ግዴታ ስለዝኾነ ኢዩ።

ተዉሒድ ድማ ካብ'ቲ ዝኾነ ሙስሊም ክፈልጠንን ብአአን ክሰርሕ ዝግበኦ ናይ እስልምና ዓንድታት እቲ ቀዳማይ ዓንዲ ኢዩ፡ ንሳ'ተን ድማ ሓሙሽተ ዓንድታት ኢየን፡

ከም'ቲ ኣብ ሓዲስ ዓብዱላህ ቢን ዑመር ረዲየላሁ ዓንሁ ዝተወርየ ይብል፡

ልኡኽ "ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም" ከም'ዚ ክብል ሰሚዐዮ፡

"እስልምና ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝተሃነጸ ኢዩ፡ 'ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየሎን ሙሓመድ ናይ ኣላህ ልኡኽ ከምዝኾነን' ኢልካ ምምስካር፡ ሰላት ምስጋድ፡ ዘካት ምሃብ፡ ሓጅ ምግባር፡ ረመዳን ምጻም"[1]።

[1] ቡኻሪ ብቑጽሪ (8) ዝሰነዶ።

ሓደ ሙስሊም ትርጉም ተዉሒድ ክመሃር ይግባእ፡ እዚ ድማ ንኣላህ ብኣምልኾት ብሕታዊ ምግባር ኢዩ፡

ንዝቐረበ መልኣኽ ኮነ ልኡኽ ነብይ ኣብ ኣምልኾኡ(ንኣላህ) ሓደኳ ምስኡ መሻርኽቲ ከይገበርካ ምግዛእ ኢዩ።

ملاحظات

أخرجه البخاري برقم (8).