نص الموضوع
ሀ- ዓንድታት ናይ ሓጅ፥
ኣልኢሕራም፥
- ኣብ ዓረፋ ዝተበሃለ ቦታ ምህላዉ፡።
- ጠዋፍ ኣልኢፋዳ(ናይ ምምላስ ጠዋፍ ምግባር)።
- ኣ'ሳዕይ (ኣብ ሞንጎ ሰፋን መርዋን ምኻድ)።
ለ- ግድነታት ናይ ሓጅ፥
- ካብ ሚቓት ብኒያ ናብ ኑሱክ ምእታዉ።
- ኣብ ዓረፋ (ዝተባህለ ቦታ) ምርካብ(ምህላዉ)፡ እዚ ድማ ኣብ ታሽዓይ መዓልቲ ወርሒ ዙል ሒጃ ነቲ ብቐትሪ ኣብኡ ዝወዓለ ክሳብ ጸሓይ ትዓርብ ኢዩ።
- ዓስረይቲ ለይቲ ወርሒ ዙልሒጃ ኣብ ሙዝደሊፋ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ምሕዳር።
- ኣያሙ ታሽሪቕ ለይቲታት ኣብ ሚና ምሕዳር።
- ጀመራት ምድርባይ።
- ጸጉሪ ርእሲ ምልጻይ ወይ ምሕጻር።
- ናይ መሰናበቲ ጠዋፍ ምግባር።
መ- ኣገባብ ናይ ሓጅ፥
ሓደ ሙስሊም ናብ ሚቓት ምስ በጽሐ፡ ግዜ ጸቢብ እንተኾይኑ(እተን ናይ ሓጅ መዓልታት) ንኒያ ናይ ኢፍራድ(ሓንቲ ካብ'ተን ኣገባብ ናይ ሓጅ) የሕርም። ናብ መካ ምስ ኣተወ ድማ ጠዋፍን ሳዕይን ይገብር። ክሳብ ኣብ መዓልቲ ዓረፋ ናብ ዓረፋት ዝኸይድ ኣብ ኢሕራሙ ይጸንሕ፡ ክሳብ ጸሓይ እትዓርብ ድማ ኣብኡ ይጸንሕ።
ብድሕሪኡ ተልቢያ እናገበረ ናብ ሙዝደሊፋ ይኸይድ፡ ክሳብ ፈጅሪ(ኣሱብሒ) ሰላት ዝሰግድ ድማ ኣብኣ ይጸንሕ፡ ድሕሪኡ'ዉን ክሳብ ኣጸቢቑ ዝወግሕ ንኣላህ እናዘከረን ተልቢያን ዱዓን እናገበረ ይጸንሕ።
ምስ ወግሐ ጸሓይ ከይወጸት ናብ ሚና ይኸይድ፡ ኣብኡ ንጀምረት ኣል-ዓቀባ ብሸውዓተ ጸጸራት ይድርቢ፡ ድሕሪኡ ርእሱ ይላጸ ወይ የሕጽር፡ ርእሲ ምልጻይ ድማ ዝበለጸ ኢዩ።
ብድሕሪኡ ጠዋፍ ኣልኢፋዳ (ናይ ምምላስ ጠዋፍ) ይገብር፡ እቲ ቀዳማይ ዝገበሮ ሳዕይ ድማ የኣኽሎ ኢዩ፡ በዚ ኸኣ ሓጅ ናቱ ተፈጺሙ፡ ምሉእ ታሓሉል (ምፍታሕ) ዉን ይረክብ።
ዝተሃወኸ እንተኾይኑ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ሓደን ዓሰርተ ክልተን መዓልቲ ንጀመራት ምድርባይ ይተርፎ። ንሰለስቲአን ጀመራት ነፍሲ ወከፍ ጀምራ ብሸውዓተ ጸጸራት ምስ ነፍሲ ወከፍ ጸጸር ተክቢር እናገበረ ይድርቢ። በታ ንመስጂድ ኣል-ኸይፍ እትስዕብ ንእሽቶይ ጀምራ ይጅምር። ድሕሪኡ እታ ማእከላይቲ፡ ቀጺሉ ድማ እታ መወዳእታ ዝኾነት ጀምረተልዓቀባ ይድርቢ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጀምራ ብሸውዓተ ጸጸራት ይድርቢ።
ድሕሪ መበል ዓሰርተ ክልተ ክድንጐይ እንተደልዩ ድማ፡ ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዕልቲ ከም'ቲ ኣብ መበል ዓሰርተ ክልተን መበል ዓሰርተ ሓደን ዝደርበዮ ጌሩ ይድርቢ።
ናይ ብድርባይ ግዜ፥ ኣብ'ተን ሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ዘዋል(ድሕሪ ቀትሪ) ይኸዉን።
ኣብ መበል ዓሰርተ ክልተ መዓልቲ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክኸይድ(ክዉድእ) እንተደልዩ ጸገም የብሉን። ኣብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ዘዋል ክድርቢ እንተ ጸኒሑ ግን እዚ ዝበለጸ ይኸዉን፡ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፥
«...እቲ ኣብ ክልተ መዓልቲ ዝተጓየየ(ዝፈጸመ) ኣብ ልዕሊኡ ሓጢያት የብሉን፡ እቲ ዝደንጎየ’ውን ኣብ ልዕሊኡ ሓጢያት የብሉን። እዚ ንኣላህ ንዝፈረሐ ኢዩ።...»
[ኣልበቐራ፡ 163]።
ክገይሽ እንተደኣ ደልዩ፡ሸውዓተ ግዜ ጠዋፍ ኣልወዳዕ (ናይ መፋነዊ ጠዋፍ) ብዘይ ሳዕይ ይገብር።
እቲ ዝበለጸ ድማ፡ ሃድይ(ሕርዶ) ምስኡ እንተዘይሃሊይዎ፡ ንዑምራ 'ተመቱዕ' ጌሩ ኢሕራም ይኣቱ፡ ድሕሪኡ ኣብ መበል ሻምናይ መዓልቲ ንሓጅ ተልቢያ(ኒያ ናይ ሓጅ) ይገብር፡ ነቶም ዝተወሰኑ ናይ ሓጅ ተግባራት ድማ ይፍጽም። ንሓጅን ንዑምራን ብሓባር ኢሕራም(ኒያ) ጌሩ እንተኣትዩ ድማ ጸገም የብሉን፡ እዚ ድማ 'ቂራን' ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ማለት ድማ ንዑምራን ሓጅን ብሓደ ጠዋፍን ሳዕይን ብሓባር ኢሕራም ምእታዉ ኢዩ።