Skip to content

نص الموضوع

ሀ- ዓንድታት ናይ ዑምራ፥

ኣልኢሕራም፥

  1. ጠዋፍ (ዑደት ኣብ ዙርያ ካዕባ)።
  2. ኣ'ሳዕይ (ኣብ ሞንጎ ሰፋን መርዋን ምኻድ)።

በ- ግዴታታት ናይ ዑምራ፥

  1. ካብ'ቲ ዝተወሰነ ሚቓት ኢሕራም ምግባር።
  2. ጸጉሪ ርእሲ ምልጻይ ወይ ምሕጻር።

መ- ኣገባብ ናይ ዑምራ፥

ዑምራ ዝገብር ሰብ መጀመርታ ክገብሮ ዘለዎ፡ ጠዋፍ (ምኹላል)ካብ ሓጀር ኣል'ኣስወድ ጀሚሩ ሸውዓተ ዙርያታት ጌሩ ኣብኡ ይዉድእ።

ኣብ ጠዋፍ ድማ ንጹህ(ውዱእ ዝገበረ) ኮይኑን፡ ካብ ሕምብርቱ ክሳብ ብርኩ ሕፍረቱ ሸፊኑን ክገብር ይግባእ።

ኣብ ኩሉ እቲ ጠዋፍ ኣልኢድጢባዕ ምግባር ይፍተዉ፣ እዚ ድማ የማናይ መንኩቡ ቀሊዑ፡ ነቲ ሪዳእ(ተወንዚፍዎ ዘሎ ክዳን) ኣብ ትሕቲኡ ጌሩ፡ ክልተ ጫፋት ናይ'ቲ ሪዳእ ኣብ ጸጋማይ መንኩቡ ምግባር ኢዩ።

ሻውዓይ ዙር በጺሑ ምስ ዝዛዝምግን፣ ነቲ ኢድጢባዕ ገዲፉ፡ ክልቲኡ መናኹቡ ብ ሪዳኡ(ላዕላዋይ ክዳኑ) ይሽፍኖ።

ናብ ሓጀር ኣልኣስወድ ኣንፈቱ ጌሩ፡ ንምስዓሙ እንተኽኢሉ ይስዕሞ፡ እንተዘይክኢሉ ድማ ብየማን ኢዱ ሒዙ ኢዱ ይስዕም እዚ ዉን እንተኺኢሉ ማለት'ዩ።

ነቲ ሓጀር ምሓዝ እንተዘይክኢሉ፡ ሓንቲ ግዜ «ኣላሁ ኣክበር» ብምባል የማናይ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ ናብኡ ምልክት ይግበር፡ ኢዱ ግን ክስዕም የብሉን፡ ደዉ’ዉን ክብል የብሉን።

ብድሕርዚ ካዕባ ናብ ጸጋሙ ጌሩ ኣብ ጠዋፉ ይቕጽል፡ ኣብ'ተን ቀዳሞት ሰለስተ ዙርያ(ኣሽዋጥ) ድማ ረምል ምግባር ሱና ኢዩ።

ረምል ድማ፥ ስጉምቲ እናቕረብካ ብቕልጥፍ ቅልጥፍ(ዘብ ዘብ) ምኻድ ኢዩ።

ኣብ ሩክን ኣልየማኒ- ድማ ራብዓይ ኩርናዕ ናይ ካዕባ ኢዩ፥ ኣብኡ ምስ በጽሐ ክሕዞ እንተኽኢሉ ይሕዞ ብየማናይ ኢዱ ብዘይ ተክቢራ ወላ ምስዓም ይሕዞ፡ ክሕዞ እንተዘይክኢሉ ግን ናብኡ ከየመልከተን ተክቢራ ከይገበረን ይሓልፍ።

ኣብ ሞንጎ ሩክን ኣልየማኒን ሓጀር ኣል-ኣስወድን ከም'ዚ ይብል፥

(...ረበና ኣቲና ፊዱንያ ሓሰነተን ወፊልኣኺረቲ ሓሰነተን ወቒና ዓዛበናር}

[ኣልበቐራ፡ 163]።

ካብ ጠዋፍ ምስ ወድአ፥ እንተተኻኢሉ ድሕሪ መቓም ኢብራሂም ዓለይሂ ሰላም ክልተ ረክዓ ይሰግድ፡ እንተዘይተኻኢሉ ግን፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ ናይ መስጂድ ኣል-ሓራም ይሰግድ።

ኣብ ቀዳመይቲ ረክዓ ድሕሪ ኣልፋቲሓ ዓንቀጽ ኣልካፊሩን ይቐርእ።

ኣብ'ታ ካልአይቲ ረከዓ ድሕሪ ኣልፋቲሓ ዓንቀጽ ኣልኢኽላሰ ይቐርእ።

ድሕሪኡ ናብ መስዓ (ሳዒ ዝግብረሉ ቦታ) ይኸይድ፡ ኣብ ሞንጎ ሰፋን መርዋን ሸዉዓተ ዙርያታት ድማ ይማላለስ፡ ምኻዱ ሓደ ዙርያ ክኸውን ከሎ፡ ምምላሱ ድማ ካልኣይ ዙርያ ኢዩ(ከምኡ ዛ በለ ክሳብ ሸውዓተ ዙርያ ይቆጽር)።

ምኻድ ኣብ ሰፋ ጀሚሩ፡ ኣብኡ ድማ ይድይብ ወይ ደዉ ይብል፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ልዕሊ ሰፋ ምድያብ ዝበለጸ ኢዩ።

ሽዑ ድማ ንቃል ናይ ልዑል ኣላህ ይቐርእ፦

(ኢነሰፋ ወልመርወተ ሚንሸዓኢሪላህ...)

ካብ'ቲ ፍቱዉ ዝኾነ ኣንፈቱ ናብ ቒብላ ይገብር፡ንኣላህ ኣመስጊኑን፡ ተክቢራ ጌሩን ከም'ዚ ይብል፡

«ላኢላሀ ኢለላህ፡ ወላሁ ኣክበር፡ ላኢላሀ ኢለላህ ዋሕደሁ ላሸሪከ ለሁ፡ ለሁል ሙልኩ ወለሁል ሓምዱ፡ ዩሕዪ ወዩሚት፡ ወሁወ ዓላ ኩሊ ሸይኢን ቐዲር፡ ላኢላሀ ኢለህ ዋሕደሁ፡ ኣንጀዘ ዋዕደሁ፡ ወነሰራ ዓብደሁ፡ ወሀዘመል ኣሕዛበ ዋሕደሁ»[60]።

[6] ሙስሊም ብቑጽሪ (224) ሰኒድዎ።

ብድሕሪኡ ክልተ ኣእዳው ሓፍ ብምባል ብዝፈልጦን ዝኸኣሎን ዱዓ ይገብር። ነዚ ዚክርን ዱዓእን ድማ ሰለስተ ግዜ ይደግሞ።

ድሕሪኡ ይወርድ'ሞ ናብ መርዋ ይኸይድ፡ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ምልክት ዝርከብ ምስ በጽሐ ድማ እቲ ወዲ ተባዕታይ ክሳብ ናብ'ቲ ካልኣይ ምልክት ዝበጽሕ ዘብዘብ ይብል።

ንጓል ኣንስተይቲ ዝምልከት ግን፡ ንሳ ክትስተር ስለ ዝግባኣ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ምልክታት ዘብዘብ ክትብል ኣይተፈቕደላን። እቲ ዝተፈቐደላ ቀስ ኢልካ ምኻድ ጥራሕ ኢዩ።

ብድሕሪኡ ናብ መርዋ ከይዱ ይድይብ ወይ ኣብኣ ደዉ ይብል፡ እንተተኻኢሉ ምድያብ ይበልጽ፡ ከም'ቲ ኣብ ሰፋ ዝበሎን ዝገበሮን ኣብ መርዋ'ዉን ይብልን ይገብርን። ብዘይካ ነታ ኣያ(ጥቕሲ) ምቕራእ ንሳ ድማ ቃል እቲ ልዑል ዝኾነ ኣላህ፦

እዚ ድማ ኣብ'ቲ ቀዳማይ ዙር ናብ ሰፋ ኣብ ዝድየበሉ እዋን ጥራይ ዝተሓገገ ኢዩ።

ብድሕሪኡ ይወርድ እሞ፡ ኣብ'ቲ ናይ መኸዲ ቦታ ይኸይድ፡ ኣብ'ቲ ናይ ምጉያይ(ዘብ ዘብ ዝብሃሎ) ቦታ ድማ ይጎዪ፡ ክሳብ ናብ ሰፋ ዝበጽሕ።

ነዚ ድማ ሸወዓተ ግዜ ይፍጽም፥ ምኻዱ ሓደ ሸዉጥ(ዙር) ምምላሱ ድማ ሓደ ሸዉጥ(ዙር)።

ኣብ'ቲ ሳዕይ ድማ፡ ብዝኸኣሎ ዚክርን ዱዓን ከብዝሕ ይፍቶ።

ካብ'ቲ ነብሲ ምሕጻብ ዘገድድ ነገር ነጻ ኮይኑ፡ ዉዱእ ዉን ክገብር ይግባእ። እንተኾነ ግን ውዱእ ከይገበረ ሳዕይ እንተፈጺሙ ወልሓንቲ የብሉን።

ከምኡ'ዉን ጓል ኣንስተይቲ ድሕሪ እቲ ጠዋፍ ጽግያት እንተ ኣጋጢሙዋ ወይ ድሕሪ ሕርሲ ዝወጽእ ደም እንተመጺኡዋ፣ ሳዕይ ትፍጽም እሞ፡ እቲ ዝገበረቶ ድማ ይሕሰበላ ኢዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሳዕይ ጠሃራ(ንጽህና) ቅድመ- ኩነት ስለ ዘይኮነ፡ፍቱዉ ተግባር ጥራሕ ዝለዝኾነ ኢዩ።

ሳዕይ ምስ ተፈጸመ፣ ጸጉሪ ርእሱ ይላጸ ወይ የሕጽሮ፡ ንወዲ ተባዕታይ ግን ምልጻይ ይበልጽ።

በዚ ኸም'ዚ ናይ ዑምራ መናሲክ(ተግባረ-ኣምልኾ) ኣማሊኡ ይኸዉን።