Skip to content

نص الموضوع

ካብ ጾም ረመዳን ቐዳእ ዘለዎ ሰብ፣ እቲ ዝበለጸ ቅድሚ ሱና ጾም (ነቲ ቐዳእ)ምፍጻሙ ኢዩ።

እንተኾነ ግን እቲ ናይ ነፍሊ ጾም ከም ጾም ዓረፋን ዓሹራእን እዋኑ ዝሓልፍ እንተድኣ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ቐዳእ ይጾሞ። ምኽንያቱ ናይ ቐዳእ ግዚኡ ሰፊሕ ክኸዉን ከሎ፡ ናይ ዓሹራእን ዓረፋን ግን እዋኑ ይሓልፍ ኢዩ።

ግን ቐዳእ ከይወደአ ሽዱሽተ ናይ ሸዋል ኣይጸዉምን ኢዩ።