نص الموضوع
الأول: الجماع: فمتى جامع بطل صيامه، ولزمه قضاء ذلك اليوم الذي جامع فيه، ويجب عليه مع القضاء الكفارة، وهي: عتق رقبة، فإن لم يجد فعليه أن يصوم شهرين متتابعين، فإن لم يستطيع بأن لم يقدر لعذر شرعي، فعليه أن يطعم ستين مسكينًا، لكل مسكين نصف صاع من الطعام المأكول في البلد. الثاني: إنزال المني: بسبب تقبيل، أو لمس، أو استمناء، أو تكرار نظر، فعليه القضاء فقط بدون كفارة؛ لأن الكفارة تختص بالجماع. أما النائم فإذا احتلم، فأنزل؛ فلا شيء عليه؛ لأن ذلك بدون اختياره، فيغتسل من الجنابة. الثالث: الأكل والشرب متعمدًا: لقوله تعالى: ﴿وَكُلُواْ وَٱشۡرَبُواْ حَتَّىٰ يَتَبَيَّنَ لَكُمُ ٱلۡخَيۡطُ ٱلۡأَبۡيَضُ مِنَ ٱلۡخَيۡطِ ٱلۡأَسۡوَدِ مِنَ ٱلۡفَجۡرِۖ ثُمَّ أَتِمُّواْ ٱلصِّيَامَ إِلَى ٱلَّيۡلِ...﴾ [البقرة: 187]. أما من أكل أو شرب ناسيًا؛ فلا شيء عليه؛ لحديث: «مَن نَسِيَ وَهُوَ صَائِمٌ، فَأَكَلَ أَوْ شَرِبَ، فَلْيُتِمَّ صَوْمَهُ، فَإِنَّمَا أَطْعَمَهُ اللَّهُ وَسَقَاهُ» [1]. الرابع: إخراج القيء عمدًا، أما من غلبه القيء بدون اختياره؛ فلا يؤثر على صيامه، لقوله ﷺ: «مَنْ ذَرَعَهُ الْقَيءُ فَلَيْسَ عَلَيْهِ قَضَاءٌ، وَمَن اسْتَقَاءَ عَمْدًا فَلْيَقْضِ» [2]. الخامس: إخراج الدم من البدن؛ بحجامة، أو فَصْد، أو سحب دم للتبرع به لإسعاف مريض؛ فيفطر بذلك كله. أما إخراج الدم القليل الذي يستخرج للتحليل؛ فهذا لا يؤثر على الصيام، وكذلك خروج الدم بغير اختياره؛ كالرعاف أو جروح أو خلع سن؛ فهذا لا يؤثر على الصيام.
أخرجه البخاري برقم (6669)، ومسلم برقم (2709).
أخرجه أبو داود برقم (2380)، والترمذي برقم (719)، وابن ماجه برقم (676).
ጾም ዘፍርሱ፥
ቀዳማይ፥ ስጋዊ ርክብ፥ ሓደ ሰብ ስጋዊ ርክብ እንተፈጺሙ ጾሙ ይበላሾ፡ ነታ ርክብ ዝፈጸመላ መዓልቲ ቐዳእ ክገብር (ክትከኦ)ግድነት ይኾኖ።
ምስ ቐዳእ ዉን ከፋራ(መከሓሓሲ) ይኾኖ፡ ንሱ ድማ፥ ንባርያ ሓራ ምውጻእ ኢዩ፡
ባርያ እንተ ዘይረኺቡ ድማ፡ ክልተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ክጸዉም ይግደድ፡
ብሸሪዓዊ ምኽንያት ክገብሮ እንተዘይክኢሉ፡ ሱሳ ጽጉማት ከብልዕ ኣለዎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ጽጉም ድማ ካብ'ቲ ኣብ ዓዲ ዝብላዕ መግቢ ፍርቂ ሳዕ ይህብ።
ካልኣይ፥ ብምኽንያት ስምዒታዊ ምስዓም፡ ምትንኻፍ፡ ብኢድካ ተጠቂምካ ዘርኢ ምዉጻእ፡ ወይ ደጋጊምካ ምጥማት ዝኣመሰለ ጌርካ ዘርኢ ምስ ዝወጽእ፡ ቐዳእ ጥራሕ ኢዩ ዘለዎ ብዘይ ከፋራ፣ ምኽንያቱ እቲ ከፋራ ንጾታዊ ርክብ ጥራይ ኢዩ ዝምልከት።
ኣብ ዝደቀሰሉ እዋን ብሕልሚ ዘርኢ ምስ ዝወጾ፡ እዚ ብዘይ ፍቓዱ ስለ ዝኸዉን ሓጢያት የብሉን፡ ይኹን እምበር ካብ ጀናባ ንምጽራይ ነብሱ ክሕጸብ ኣለዎ።
ሳልሳይ፥ ኮነ ኢልካ ምብላዕን ምስታይን፥
ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ዝበሎ፡
{ብልዑ ስተዩ ክሳዕ እቲ ጻዕዳ ፈትሊ ናይ ወጋሕታ ካብ'ቲ ጸሊም ፈትሊ ናይ ለይቲ ዝፍለየልኩም። ድሕሪኡ ነቲ ጾም ክሳዕ ለይቲ መልእዎ...}
[ኣልበቐራ፡ 163]።
ረሲዑ ዝበልዐ ወይ ዝሰተየ ግን፣ ወልሓንቲ ነገር የብሉን፣
ኣብ ሓዲስ ከኣ፥
«ጼሙ እንከሎ ረሲዑ ዝበልዐ ወይ ዝሰተየ ሰብ፡ ጾሙ ይመልኣዮ፡ እቲ ዘብለዖን ዘስተዮን ኣላህ ስለ ዝኾነ።» [51]።
[10] ቡኻሪ ብቑጽሪ (142)ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (122) ሰኒደሞ።
ራብዓይ፥ ኮነ ኢልካ ተምላስ ምምላስ፡ ብዘይ ድሌቱ ዘምለሰ ንዝሰዓሮ ግን ጾሙ ኣየፍርስን ኢዩ።
ከም'ቲ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡
«ተምላስ ስዒርዎ እንተወጽዩ ቐዳእ የብሉን፡ ኮነ ኢሉ ዘዉጸኦ ግን ይቐድዮ» [52]።
[52] ኣቡ ዳውድን ብቑጽሪ (2380)፡ ቲርሚዚን ብቑጽሪ (719)፡ ኢብኑ ማጃ ብቑጽሪ (676) ሰኒደሞ።
ሓምሻይ፥ ካብ ኣካላትካ ደም ምዉጻእ፣ ብማሕጎማ፡ ወይ እናፈለጥካ፡ ወይ ንሓደ ሕሙም ንምድሓን ኢልካ ደም ምልጋስ፡ በዚ ዓይነት ኩሉ የፍጥር ኢዩ።
ግን እቲ ንመርመራ ተባሂሉ ዝዉሰድ ንእሽተይ ደም ዝዉሰድ ንጾም ኣየበላሽዎን ኢዩ።
ከምኡ’ዉን ብዘይ ድሌትካ ዝወጽእ ደም፣ ከም ነስሪ በፍንጫ ዝወጽእ፡ ወይ ቁስልታት፡ ወይ ኣብ ስኒ ምስዳድ፡ ንጾም ኣየፍርስን ኢዩ።