Skip to content

نص الموضوع

ጾም ከም'ቶም ካልኦት ዓይነት ዒባዳታት ብዘይ ኒያ ትኽክል ኣይከዉንን ኢዩ።

ኣብ ግዜ ግዴታዊ ጾም ክግበር ዘለዎ ናይ ኒያ ግዜ ካብ ካልኦት ዓይነታት ጾም ዝፍለ ኮይኑ፡ ብከም'ዚ ዝስዕብ ከኣ በሪሁ ኣሎ፥

ቀዳማይ፥ እቲ ግዴታዊ ዝኾነ ጾም ከም ጾም ናይ ረመዳን ወይ ናይ ቐዳእ(መተካእታ ናይ ጾም ረመዳን) ወይ ናይ መብጻዓ(ቃል ምእታዉ)፡ ኒያ ናይዚኦም ድማ ብለይቲ ቅድሚ ወጋሕታ ክኸዉን ግዴታ ኢዩ።

ከም'ቲ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝበሎ፡

«ጾም ካብ ለይቲ ዘይነየተ(ወሽጣዊ ሓሳብ ዘይገበረ) ጾም የብሉን» [50]።

[50] ኣሕመድ ብቑጽሪ (26457)፡ ኣቡ ዳውድን ብቑጽሪ (2454)፡ ኣልነሳኢን ብቑጽሪ (2331) ሰኒደሞ። እዚ ሓረጋት ድማ ናቱ ኢዩ።

ካልኣይ፥ ናይ ሱና ጾም፡ ሓደ ሰብ ካብ ቀትሪ ኒያ ክገብረሉ ይከኣል ኢዩ፡

እዚ ማለት፥ ድሕሪ ምውጻእ ፈጅሪ(ወጋሕታ) ዘፍጥር ነገር ዘይወሰደ እንተደኣ ኾይኑ።