Skip to content

ዘካት ዝግበኦም ሰባት፥

التصنيف الشرعي
الفقهالزكاةمصارف الزكاة
الموضوعات
الزكاةأهل الزكاة

نص الموضوع

እቶም ዘካት ዝግበኦም ዓይነታት ሰባት ሸሞንተ ኢዮም፥

ናይ መጀመርታ ክፍሊ፥ ጽጉማት፥

ንሳቶም ድማ እቶም እቲ መሰረታዊ ነገራት ከም መንበርን መግቢን ክዳንን እኹል ዝኾነ ዘይረኽቡ፡

ካብ ዘካት ዝወሃቦም ንዓኣቶምን ነቶም ዝኣልይዎምን ንሓደ ዓመት ዘንብሮም መጠን ገንዘብ ይወሃቦም።

ካልኣይ ክፍሊ፥ ስኡናት፥

ንሳቶም እቶም መብዛሕትኡ ዝኣኽሎም ዝረኽቡ ኮይኖም፡ ግን ምሉእነቱ ዘይረኽቡ ኢዮም። ንኣብነት፥ ወርሓዊ ደሞዝ ዘለዎ፡ ግን ንዓመት ዘይኣኽሎ ሰብ።

ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፥ ንዓኣቶምን ነቶም ዝምእከሉዎምን ንሓደ ዓመት ዝኸውን ምምላእ እዩ።

ሳልሳይ ክፋል፥ እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ፥

ንሳቶም ድማ እቶም ብ መራሒ ንምእካብ ዘካት ዝተመደቡ፡ ወይ ዉን ንምሕደራ ወይ ናብ ዝግብኦም ንምብጻሕን ሓላፍነት ዝወስዱ ኢዮም።

ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፥ ናይ ስርሖም ዓስቢ ዝኸዉን(ደሞዝ) መጠን ኢዩ፡ ካብ መንግስቲ ዝኾነ ዓስቢ ወይ ደሞዝ እንተዘይሃልይዎም።

ራብዓይ ክፍሊ፥ እቶም ልቦም ምኽሳብ ዘድልዮም፥

ንሳቶም ድማ ኩሎም እቶም ብምሃቦም ተስፋ ዝግበረሎም ኢዮም፥ ከስልሙ፡ ወይ እምነቶም ከትርሩ ዝድለዩ፡ ወይ ንሙስሊሚን ምጉዳእ ክኽልከሉ ዝወሃቦም ኢዮም።

እቲ ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፥ ክሳብ ልቦም ዝኽሰቡ ኢዩ።

ሓምሻይ ክፍሊ፥ ኣ'ሪቓብ፥

ትርጉሙ ከኣ፥ ንባሮትን ንሙካተቢን(ብዉዕል ሓራ ንኽወጹ ዝተጸሓሓፉ)ን ሓራ ምዉጻእ።

ሙካተብ ዝበሃል ድማ፥ እቲ ካብ ወናኒኡ ንነፍሱ ዝገዝአ ባርያ ኢዩ።

ኣብ ዉግእ ንዝተማርኹ ሙስሊሚን ከፊልካ ሓራ ምዉጻእ’ዉን ኣብኡ ይኣቱዉ ኢዩ።

ሻድሻይ ክፍሊ፥ እቶም ኣልቓሪሙን ኮይኖም፡ ክልተ ዓይነት ኣለዉዎም፥

ቀዳማይ፥ ንዉልቃዊ ጉዳዩ ዝኸዉን ዕዳ ዘለዎን፡ ነቲ ዕዳኡ ክኸፍለሉ ዝኽእል ምስዘይረክብን።

ዕድኡ ዝኸፍለሉ ይወሃቦ።

ካልኣይ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ንምትዕራቕ ኢሉ ዕዳ ዝኣተወ፡

ሃብታም እኳ እንተኾነ፡ ንዕድኡ ዝኽፈል ይወሃቦ።

ሻዉዓይ ክፍሊ፥ ኣብ መንገዲ ኣላህ፥

ንሳቶም ድማ እቶም ኣብ መንገዲ ኣላህ ዝቃለሱ ኢዮም።

ካብ ዘካት ዝወሃቦም መጠን፥ ኣብ መገዲ ኣላህ ንዝግበር ጂሃድ ዝኣኽሎም ምሃብ ኮይኑ፣ ከም መጓዓዝያን ኣጽዋርን መግብን ከምኡ ዝኣመሰለን።

ሻምናይ ክፍሊ፥ ገያሻይ፥

እዚ እቲ ስንቁ ዝተወድኦ ወይ ዝተሰርቆ ኮይኑ፡ ወላ ናብ ዓዱ ዘብጽሖ ገንዘብ ዘይብሉ ገያሻይ ኢዩ።

ካብ ዘካት ዝወሃቦም ዓቐን፥ ናብ ዓዱ ዘብጽሖ ዝኣክል፡ ወላ ሃብታም እንተኾነ።