Skip to content

نص الموضوع

ኣ'ዘካት ብቛንቋ ትርጉሙ፦ ዕቤትን ወሰኽን ኢዩ።

ኣ'ዘካት ብሸሪዓ ትርጉሙ፡ ግዴታዊ ተግባር ኮይኑ ካብ ዝተወሰነ ገንዘብ ንፍሉይ ጉጅለ ዝወሃብ ሸሪዓዊ ኣገባብ ኢዩ።

ካብ ናይ እስልምና ዓንድታት እቲ ሳልሳይ ዓንዲ ኢዩ።

ንሳ ድማ ኣብ ቑርኣን ኣብ ሰማንያን ክልተን ቦታታት ምስ ሰላት ተመራሪሓ ትርከብ፡ እዚ ድማ ዕብየት ደረጃኣ ዘመልክት ኢዩ።

ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡

{ሰላት ስገዱ ምጽዋት ዉ'ን ን ሃቡ...}

[ኣልበቐራ፡ 163]።

ነቢ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ከም'ዚ ኢሎም፡

"እስልምና ኣብ ሓሙሽተ ኣዕኑድ ዝተሃነጸ ኢዩ፤ ብዘይካ ኣላህ ብሓቂ ዝምለኽ ኣምላኽ ከምዘየሎን፡ ሙሓመድ ናይ ኣላህ ልኡኽን ከምዝኾነን ኢልካ ምምስካር፡ ሰላት ምስጋድ፡ ዘካት ምሃብ፡ሓጅ ምግባር፡ ረመዳን ምጻም"። [42]

[10] ቡኻሪ ብቑጽሪ (142)ሙስሊም ድማ ብቑጽሪ (122) ሰኒደሞ።

ኩሎም ኣስላም ድማ ግድን ምዃኑ ሓባራዊ ስምምዕ ኣለዎም፡

ኣብ ልዕሊ ናይ'ቲ ግዴታ ምዃና ዝኸሓደ'ዉን ኩፍር(ክሕደት) ከምዝፈጸ።

ነቶም ምዉጽኣ ዝኣበዩ ድማ ምቅላስ።