6) ብጽሕፍቶ ኣላህ(ቐደር) ሰናይ ይኹን ሕሱም ምእማን፡
- التصنيف الشرعي
- العقيدةالإيمان بالقضاء والقدر
- الموضوعات
- الإيمانالإيمان بالقدر خيره وشره
نص الموضوع
ጽሕፍቶ(ቐደር) ክንብል እንከሎና ትርጉሙ፦
ኣላህ ዓ'ዘ ወጀል በቲ ዝቐደመ ፍልጠቱን ሜላኡን መሰረት፡ ኣብ መጻኢ ንዝኸዉን ነገራት ዝወሰኖ ውሳነ ኢዩ።
እምነት ብቐደር ከኣ ኣርባዕተ ነገራት የጠቓልል ንሳቶም ድማ፦
- ፍልጠት፦ እዚ ማለት ልዑል ኣላህ ነቲ ዝነበረን ብሕጂ ዝኸዉንን ከመይ ከምዝኸዉንን፡ ብሓፈሽኡን ብዝርዝሩን፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንዘልኣለም ዝፈልጥ ምዃኑ ምእማን ኢዩ።
ንሱ ድማ ንኹሉ ነገራት ዝፈልጥ (ካብ ኩሉ ጎደሎ ንጹህ ዝኾነ)፡ ነቲ ዘይነበረ ነገር እንተዝህሉ ኔሩ ከመይ ከምዝኸዉን ዝፈልጥ ኢዩ።
ከም'ቲ ኣላህ ካብ ኩሉ ጎደሎ ንጹህ ዝኾነ ዝበሎ፡
{እንተዝምለሱ'ዉን ብርግጽ ናብ'ቲ ዝተኸልከልዎ ነገር ምተመለሱ ኔሮም ...}
[ኣል- ኣንዓም፡ 50]
- ጽሕፈት፡ልዑል ኣላህ ናይ ኩሉ ነገር ዉሳኔታት፡ክሳብ ምጽኣተዓለም ከምዝጸሓፎ ምእማን ኢዩ።
ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡
{ኣላህ ኣብ ሰማይን ምድርን ዘሎ ኩሉ ከምዝፈልጥ ኣይፈለጥካን ዶ? ብርግጽ እዚ ኣብ መጽሓፍ ተመዝጊቡ ኣሎ፡ ብርግጽ እዚ ንኣላህ ቐሊል ኢዩ።}
[ኣልሓጅ፡ 62]
- ድሌት፡ ኣብ'ዚ ዓለም፡ ብዘይካ እቲ ልዑል ኣላህ ዝደለዮ ካልእ ነገር ከምዘይፍጸም ምእማን።
ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡
{ጎይታኻ ዝደለዮ ዝፈጥርን ዝመርጽን ኢዩ}
[ኣልቐሰስ፡ 68]
ንወዲ ሰብ ድማ ድልየት ኣለዎ፡ ካብ ድልየት ኣላህ ግን ወጻኢ ኣይኮነን። ከምኡ'ዉን ልዑል ኣላህ ከምዝበሎ፡
{ንስኻትኩም ዝደለኹሞ ብዘይካ ኣላህ ጎይታ ናይ ዓለማት እንተደልይዎ ጥራሕ ኢዩ ዝኸዉን}
[ኣ'ተክዊር፡ 29]
- ፍጥረት፡ንሱ ድማ ኣላህ ንፍጡራትን ሰናዩን እኩዩን ስራሓቶምን ተግባራቶምን ከምዝፈጠረ ምእማን ኢዩ።
{ኣላህ ፈጣሪ ኩሉ ነገር ኢዩ፡ ንሱ ድማ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር ሓላዉን ኣማሓዳርን ኢዩ}
[ኣ'ዙመር፡ 65]
እዘን ደረጃታት ድማ ኣብ'ዛ ግጥሚ ተጠቓሊለን ይርከባ፦
ፍልጠት፡ ጽሕፈት ጐይታና፡ ድልየቱን ፍጥረቱን፡ንሱ ድማ ምህላዉን ምፍጣርን ኢዩ።