Skip to content

نص الموضوع

ንሱ ድማ መዓልቲ ትንሳኤ ኢዩ፡ ሰባት ንፍርዲን ንሽልማትን ዝትንስእሉ መዓልቲ ኢዩ።

ከም'ዚ ዝተሰመየሉ ምኽንያት ድሕሪኡ መዓልቲ ስለዘየለ ኢዩ፡ናይ ገነት ሰባት ኣብ ገዛውቶም ዘዕርፉሉን፡ ሰብ ገሃነም ከኣ ኣብ መዕረፊኦም ዝሰፍርሉን ኢዩ።

እቲ ብናይ መወዳእታ መዓልቲ ምእማን፡ድማ ሰለስተ ነገራት የጠቓልል፡

ሀ- ብትንሳኤ ምእማን፡

ንሱ ድማ፡ እታ ካልኣይቲ ጥሩምባ ምስተነፍሐት፡ምትንሳእ ናይ ምዉታን ኢዩ፡

ደቂ ሰባት ድማ ኣብ ቅድሚ ጉይታ ዓለማት፡ብዘይ ጫማ ጥራሕ እግሮም፡ ክዳን ከይተኸድኑ ዕሩቓት ኮይኖም፡ ከይተኸንሸቡ ደዉ ኢሎም ይቐሙ።

ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ከም'ዚ ይብል፡

{ልክዕ ከም'ቲ ቀዳማይ ፍጥረት ዝጀመርናዮ ከምኡ ክንደግሞ ኢና፡እዚ ብኣና ዝተኣተወ መብጽዓ ኢዩ፡ ንሕና ድማ ብርግጽ ንፍጽሞ ኢና}

[ኣልኣንቢያእ፡ 107]

ለ- ብሕሳብን(ምጽብጻብ ስራሕ) ዓስብን ምእማን፡

እቲ ባርያ ናይ ኣላህ ብተግባሩ ዝሕሰበሉን ዓስቡ ዝረኽበሉን ኢዩ፡ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርአን ከም'ዚ ይብል፡

{ብርግጽ ምምላሶም ናባና ኢዩ 25

ብድሕሪኡ'ዉን፡ብርግጽ ኣባና ኢዩ ፍርዶም}

[ኣልቓሺያ፡ 25-26]።

መ፡ብ ገነትን ሓዊ ገሃነምን ምእማን፡

ክልቲኦም ናይ ፍጡራት ዘልኣለማዊ መዕረፊ ኢዮም፡

ገነት እታ ልዑል ኣላህ ነቶም ፍርሃት ዘለዎም ኣመንቲ ንናይ ኣላህ ልኡኽ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝተኣዘዙ ዘዳለወሎም ጸጋዊ ቤት ኢያ።

ኣብኣ ዓይኒ ፈጺማ ዘይረኣየቶን፡ እዝኒ ፈጺማ ዘይሰምዐቶን፡ ኣብ ልቢ ሰብ ወይ ግምት መጺኡ ዘይፈልጥን ጸጋታት ኣለዋ።

ሓዊ ገሃነም ድማ፡

ንሳ መቕጻዕቲ ቤት ኢያ፡

እታ ልዑል ኣላህ ነቶም ብኣላህ ዝኻሓዱን ልኡኻቱ ዘይተኣዘዙን ከሓድቲ ዘዳለዋ ኢያ።

ኣብኣ ኣብ ሓሳብ መጺኦም ዘይፈልጡ ዓይነታት መቕጻዕትን ስቓይን ኣለዋ።