Skip to content

نص الموضوع

"መጻሕፍቲ" ዝበሃላ፡ እተን ልዑል ኣላህ ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ዘዉረደን ሰማያዉያን መጻሕፍቲ ኢየን።

ንደቂ ሰባት መምርሒን ርህራሄን ኮይነን፡ ናብ ሓጎስ ናይ'ዛ ህይወትን ድሕሪ ሞትን ንኽበጽሑ ዝገበረን።

እምነት ብመጻሕፍቲ ኣርባዕተ ጉዳያት ይሓቁፍ፡ ንሱ ድማ፦

  1. ብሓቂ ካብ ኣላህ ዝወረደ ምዃኑ ምእማን።
  2. በቲ ስሙ ዘፍለጠና፡ ከም እቲ ኣብ ልዕሊ ነቢ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝወረደ ቑርኣን ምእማን።

እቲ ናብ ነቢ ሙሳ ዓለይሂ'ሰላም ዝወረደ ተዉራትን፡

ከምኡ’ዉን እቲ ናብ ነቢ ዒሳ ዓለይሂ'ሰላም ዝወረደ ኢንጂል፡

ዘቡር ድማ፡ እቲ ንነቢ ዳውድ ዓለይሂ'ሰላም ዝተዋህቦ።

ስሙ ንዘይፈለጥናዮ ድማ፡ ብሓፈሻ ንኣምነሉ።

  1. በቲ ትሕዝትኡ ሓቂ ምዃኑ፡ ከም ትሕዝቶ ሒዝዎ ዘሎ ቑርኣንን ናይቲ ካብቶ'ም ቀዳሞት መጻሕፍቲ ኢድ ሰብ ዘይኣተዎን ምርግጋጽ።
  2. ዘይተሰረዘ ትእዛዛቱ ምትግባርን፡ጥበቡ ተረዲእናዮ ይኹን ኣይተረደኣናን ብዕግበት ምቕባልን ኢዩ።

ኩሎም እቶም ዝሓለፉ መጻሕፍቲ በቲ ዓቢይ ቑርኣን ተተኪኦም ኢዮም።

ካብ ሕግታት እቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ መጻፍሕቲ ብዝኾነ ይኹን ሕጊ ወሲድካ ምጥቃም ኣይፍቀድን'ዩ፡ብዘይካ እቲ ካብኡ ሓቀኛ ኮይኑ፡ ኩቡር ቑርኣን ወይ ሱና ነበዊያን ዘረጋገጾ እንተዘይኮይኑ።