Skip to content

نص الموضوع

ኣብ ዝኣዘዞ ምእዙዝ ምዃን፡ ዝተዛረቦ ሓቂ ምባል፡ ካብቲ ዝኸልከሎን ዝኾነኖን ምርሓቕ፡ ንኣላህ ብዘይካ በቲ ንሱ ዝሓገጎ ብኻልእ ዘይምምላኽ።

ሓደ ሙስሊም ሙሓመድ ወዲ ዓብዲላህ ኣል-ቁረሺ ኣል-ሃሺሚ፡ ናብ መላእ ደቂ ሰባትን ኣጋንንትን ዝተላእኸ ናይ ልዑልን ኩቡርን ኣላህ ልኡኽ ምዃኑን ይምስክር።

ከም'ቲ ልዑል ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡

{( 'ኦ ሙሓመድ)፡ኣንቱም ሰባት ኣነ'ኮ ናብ ኩሉኹም ዝተላኣኽኩ ልኡኽ ናይ ኣላህ ኢየ በል ...}

[ኣል ኣዕራፍ፡ 158]

ኣላህ ድማ ንሃይማኖቱ ንኸብጽሕን ንፍጥረታት ንኽመርሕን ከም ዝለኣኾ፡

{ናብ ሓፋሽ ሰባት ኣበሳርን ኣጠንቃቕን ጌርና እምበር ንኻልእ ኣይለኣኽናካን፡ ይኹን'ምበር ብዙሓት ሰባት ኣይፈልጡን ኢዮም 28}

[ሰባእ፡ 28]

ከምኡ'ዉን ከም'ቲ ኣላህ ኣብ ቑርኣን ዝበሎ፡

{(ኦ ሙሓመድ !)ንዓለማት ርህራሄ ክትከዉን እምበር ንኻልእ ኣይለኣኽናካን}

[ኣልኣንቢያእ፡ 107]

ናይ'ዚ ምስክርነት እዚ ዝጠልቦ ነገር፡ ንልኡኽ ኣላህ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣብ ጐይታ መሰል ከምዘይብሉን፡ከምኡ'ዉን ናብ ፍጥረታት ቁጽጽር፡ ወይ ድማ ኣብ ኣምላኽነት መሰል ከም ዘለዎም ዘይምእማን ኢዩ።

እኳ ደኣ ንሱ ዘይምለኽ ባርያን ዘይከሓድ ልኡኽን ኢዩ።

ንነብሱ ይኹን ንኻልእ ሰብ ክጠቅምን ክጎድእን ዝኽእል ዝኾነ ነገር ኣይዉንንን፡ ብዘይካ ብፍቓድ ኣላህ እንተኾይኑ እምበር፡

{(ኦ ሙሓመድ! )ኣነ መዝገባት ኣላህ ምሳይ ኣሎ ኣይብለኩምን፡ ስውር ነገር'ዉን ኣይፈልጥን፡ ከምኡ'ዉን ኣነ መልኣኽ ኢየ ኣይብለኩምን ኢየ፡ እቲ ናባይ ዝወረደ መለኮታዊ ቃል(ዋሕይ) እንበር ካልእ ኣይስዕብን ኢየ በሎም... }

[ኣል- ኣንዓም፡ 50]