ኢሕራም ትገብረሉ ቦታታት፥
- التصنيف الشرعي
- الفقهالحج والعمرةمواقيت الحج والعمرة
- الموضوعات
- الحج والعمرةمواقيت الإحرام
نص الموضوع
المواقيت: جمع ميقات، وهو لغة: الحد. وشرعًا: هو موضع العبادة أو زمنها. للحج مواقيت زمانية ومكانية: أ- المواقيت الزمانية: ذكرها الله بقوله: ﴿ٱلۡحَجُّ أَشۡهُرٞ مَّعۡلُومَٰتٞۚ فَمَن فَرَضَ فِيهِنَّ ٱلۡحَجَّ...﴾ [البقرة: 197]. وهذه الأشهر هي: شوال، وذو القعدة، وعشر من ذي الحجة. ب- المواقيت المكانية: وهي الحدود التي لا يجوز للحاج أن يتعداها إلى مكة بدون إحرام، وهي كما يلي: 1- ذو الحُلَيفة: ميقات أهل المدينة. 2- الجُحْفة: ميقات أهل الشام ومصر والمغرب. 3- قَرْن المنازل: ويعرف الآن بالسيل؛ ميقات أهل نجد. 4- ذات عِرْق: ميقات أهل العراق. 5- يَلَمْلَم: ميقات أهل اليمن. ومن كان منزله دون هذه المواقيت؛ فإنه يُحرِم للحج والعمرة من منزله. ومَنْ كان مِن أهل مكة؛ فإنهم يحرمون من مكة، ولا يحتاجون إلى الخروج للميقات للإحرام. وأما للعمرة؛ فإنهم يخرجون إلى أدنى الحل، ويحرمون. ومن أراد الحج أو العمرة فلابد أن يحرم بهما من الأماكن التي حددها الرسول ﷺ، وهي المواقيت المكانية التي سبق بيانها، فلا يجوز لمن أراد الحج أو العمرة تجاوزها بدون إحرام. - كل من مرّ على المواقيت المذكورة من غير أهلها؛ يُحرِم منها. - من كان طريقه إلى مكة، ولا يمر بأحد المواقيت المذكورة برًا أو بحرًا أو جوًا؛ فإنه يُحرم إذا حاذى أقرب المواقيت إليه، لقول عمر بن الخطاب رضي الله عنه: «انظُرُوا حَذْوَهَا مِنْ طَرِيقِكُمْ» [1]. - من كان سفره لأداء مناسك الحج أو العمرة عن طريق الطائرة، فإنه يجب عليه الإحرام إذا مرّت الطائرة حذو الميقات الذي في طريقها، ولا يجوز له أن يؤخر الإحرام إلى نزول الطائرة في المطار.
أخرجه البخاري برقم (1531).
ኢሕራም ትገብረሉ ቦታታት፥
ኣል-መዋቂት፥ ናይ ሚቃት ሓባር ቃል ኮይኑ፡ ብቛንቋ ዶብ ማለት ክኸዉን ከሎ፡ ብሸሪዓ ድማ ናይ ኣምልኾት ቦታ ወይ ግዜ ማለት ኢዩ።
ሓጅ ናይ ግዜን ናይ ቦታን መዋቒታት ኣለዎ፥
ሀ- ናይ ግዜ መዋቒታት፥ ኣላህ ብዛዕብኦም ከም'ዚ ይብል፥
{ሓጅ ኣብ ፍሉጣት ኣዋርሕ ዝፍጸም ኮይኑ፡ እቲ ኣብዚአን ሓጅ ክገብር ዝወሰነ...}
[ኣልበቐራ፡ 163]።
እዞም ኣዋርሕ እዚኣቶም ድማ፦ ሸዋል፡ ዙልቒዕዳን፡ ዓሰርተ ካብ ወርሒ ዚል ሒጃን ኢዮም።
ለ- ናይ ኢሕራም ቦታታት፥ ንሳተን ሓደ ሓጅ ክገብር ዝደለየ ናብ መካ ክኣቱ ከሎ፡ ኢሕራም ከይገበረ ክሓልፈን ዘይፍቀዶ ዶባት ኢየን።
ንሳተን ድማ ከም'ዚ ዝስዕብ ኢየን፦
- ዙልሑለይፋ፥ ሚቓት ናይ ሰብ መዲና።
- ኣልጁሕፋ፥ ሚቓት ህዝቢ ሻምን ግብጽን መቕሪብን(ሞሮኮ)።
- ቐርን ኣል-መናዚል፥ ሕጂ ድማ ኣ'ሰይል ይበሃል፣ ሚቓት ሰብ ነጅድ።
- ዛት ዒርቅ፥ ሚቓት ሰብ ዒራቕ።
- የለምለም፥ ሚቓት ህዝቢ የመን።
ገዝኡ ኣብ ውሽጢ እዚ ሚቓታት ዝርከብ ሰብ፣ ንሓጅን ዑምራን ካብ ገዝኡ የሕርም።
እቶም ሰብ ማካ ዝኾኑ ድማ፣ ካብ ማካ ኢዮም ኢሕራም ዝገብሩ፡ ምእንቲ ኢሕራም ክብሉ ናብ ሚቃት ምዉጻእ ድማ ኣየድልዮምን ኢዩ።
ንዑምራ እንተኾይኑ ግን፣ ናብ'ቲ ዝቐረበ ዝተፈቕደ ቦታ ወጺኦም የሕርሙ።
ሓጅ ወይ ዑምራ ክገብር ንዝደለየ፥ ካብ'ቶም ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዝወሰኑዎም ቦታታት ኢሕራም ክኣቱ ኣለዎ፡ንሳቶም ድማ እቶም ኣቐዲሞም ዝተገለጹ መዋቒት ኢዮም።
ን ሓጅ ወይ ዑምራ ክገብር ንዝደለየ ሰብ፡ ብዘይ ኢሕራም ምሕላፍ ኣይፍቀድን ኢዩ።
- ካብ ነበርቱ (ናይቲ ቦታ) ዘይኮነ በቲ ዝተጠቐሰ መዋቒታት ዝሓለፈ፣ ካብኡ የሕርም።
- ሓደ ሰብ መንገዱ ናብ መካ ኮይኑ፡ ብመሬት፡ ብባሕሪ፡ ወይ ብኣየር ኣብ ሓደ ካብ'ቶም ዝተጠቕሱ ሚቓታት ዘይሓልፍ እንተኾይኑ፡ ናብ'ቲ ዝቐርቦ ሚቓት ምስ ተመዓራረየ የሕርም።
ከም'ቲ ዑመር ኢብን ኣልኸጣብ ረዲየላሁ ዓንሁ ዝበሎ፥
"ክትሓልፉ እንከለኹም ናብኡ ተመዓራሪኹም ረኣይዎ "[57]።
[1] ቡኻሪ ብቑጽሪ (8) ዝሰነዶ።
- እቲ ንስነስርዓት ሓጅ ወይ ዑምራ ብነፋሪት ዝገይሽ ሰብ፡ እታ ነፋሪት ኣብ'ቲ ኣብ መንገዳ ዝርከብ ሚቓት ክትማዓራረይ እንከላ ኢሕራም ክገብር ይግበኦ።
ነቲ ኢሕራም ነፋሪት ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ክሳብ እትወርድ ምድንጓይ ኣይፍቀድን ኢዩ።